ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ መቐለ ኣብዚ ሰሙን ንራብዓይ መዓልቲ ደብዲብ ነፈርቲ ተፈጺሙ

ኣብ ከተማ መቐለ ክዝቲ ዝቐኔ መድረክ ሙሁራትን ፖለቲኸናታትን ብርክት ዝበሉ ዛእባታት ኣልዒሉ

ምንጪ ስእሊ, DT

ሰብኣዊ ረዲኤት ንምብጻሕ ዝበረረት ነፋሪት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብሰንኪ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ መቐለ ክትዓልብ ከምዘይክኣለት እቲ ትካል ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

"ሰብኣዊ በረራ ተካይድ ዝነበረት ነፋሪት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ ክትምለስ ከምዝተገደደት ከረጋግጽ እኽእል" ክብል ኣፈኛ ናይቲ ትካል ንቢቢሲ ተዘራሪቡ

መንግስቲ ፌደራል ሎሚ ንጉሆ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዘካየደ ተገሊጹ።

ሓንቲ ሰብኣዊ ረዲኤት ከተብጽሕ ናብ ትግራይ ዝኸደት ነፋተት ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳባት ክትዓልብ ከምዘይክኣለት፡ ንምንጭታት ትካላት ረዲኤት ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ። ብወገን መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ግን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

እዚ ኣብ ሰሙን ንራብዓይ ግዜ ዝፍጸም ዘሎ ኮይኑ፡ እቲ ደብዳብ ኣካል እቲ ዳርጋ ንሓደ ዓመት ኣንጻር ሓይልታት ፌደራልን ኣብ ጎኑ ተሰሊፎም ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ትግራይ ንምድኻም ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ምዃኑ መንግስቲ ይገልጽ።

ሮይተርስን ኤኤፍፒን ንሓይልታት ትግራይ ጸሪሖም ኣብ ዘስፈሩዎ ጸብጻብ፡ ሎሚ'ውን ኣብታ ከተማ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝተፈጸመ ይሕብር።

ብዛዕባ ዝበጽሐ ጉድኣት ግን ዝተዋህበ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።

ነፋሪት ትካል መግቢ ዓለም

ምንጪ ስእሊ, WFP/twitter

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ዝሃቦ መግለጺ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ብመንግስቲ ዝመሓደር፡ Ethiopia Current Issues Fact Check ዝተባህለ ናይ ትዊተር ኣካውንት፡ ኣብታ ከተማ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ እቲ ኲናት፡ ማእከል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝነበረ ቦታ ከም ዝተፈጸመ ክገልጽ እንከሎ "ህወሓት ኣብቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ስልጠና ይህብ ኣሎ" ክብል ከሲሱ።

ሓንቲ ሰብኣዊ ረዲኤት ከተብጽሕ ናብ ትግራይ ዝኸደት ነፋሪት ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳባት ክትዓልብ ከምዘይክኣለት፡ ንምንጭታት ትካላት ረዲኤት ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝተፈጸመ ንማዕኸን ዜና ሮይተርስ ከረጋግጽ እንከሎ ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበን።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን፡ ብሰኑይ፣ ብሮቡዕን ሓሙስን ኣብታ ከተማ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ'ዩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ትካላትን ሰላማውያን ሰባትን ጉድኣት ከም ዘብጸሐ ክግለጽ እንከሎ ኣብቲ ብሰኑይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ህጻናት ምሟቶም ይፍለጥ።

ቐጺሉ ኣብ ጥቓ ሆቴል ፕላኔት ኣብ ዕዳጋ ዓዲ ሓቂ ብዝተፈጸመ ካልኣይ መጥቃዕቲ ከኣ ትሸዓተ ሰባት ቆሲሎም ሕክምናዊ ናብዮት ክረኽቡ ከም ዝተገብረ ተሓቢሩ ነይሩ።

ኣብቲ ብሮቡዕ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ኲናት ኢትዮጵያ ድማ ነፍሰ ጾር ኣደ እትርከቦም ሸሞንተ ሰባት ቐሊልን ከቢድን መጉዳእቲ በጺሑዎም'ዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ምምሕዳር ክፍለ ከተማ ዝርከብ ዝዓበየ "ፋብሪካ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግ ግዳይ እቲ ደብዳብ ኣየር ከም ዝኾነ" ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም ነይሮም።

ይኹን'ምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ደብዳብ ኣብ መጀመርታ'ኳ 'ውጹእ ሓሶት' ኢልዎ እንተነበረ፡ ድሒሩ ህወሓት ንመራኸቢታት ኣብ ዝጠቀምሉ ታወራትን መጸገኒ ኣጽዋራትን ኣጽዋርን ዒላማ ዝገበረ ዕዉት ደብዳብ ከም ዘካየድ ምግላጹ ይዝከር።

እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመን ኵናት፡ ሓደ ዓመት ክገብር ሰሙናት ጥራይ ተሪፍዎ ኣሎ።

እቲ ኵናት ጠንቂ ሞት ኣሽሓትን ምምዝባል ሚሊዮናትን ክኸውን እንከሎ፡ ልዕሊ 6 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤትን ክኾኑ ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ።

ብኣንፈት እቲ ኲናት ከም ዝተሻቐለ ዝገልጽ ውድብ ሕቡራት ብወገኑ፡ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግብር ይጽውዕ ኣሎ።

ምክትል ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ፈርሃን ሃቅ "ኣብ ክልላት ትግራይ ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ ስቓይ ደው ንኽብል ኩሎም ኣብቲ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ተጻብኦታት ደው ከብሉ ደጊምና ንሓትት" ኢሉ።

ብምስዓብ "ኩሎም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት፡ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ ረድኤት ከኽብሩ ኣለዎም፤ ድሕነት ሰለማውያን ሰባትን ትሕተ ቅርጽን ክሕሎ ኣለዎ" ኢሉ።

ሓይልታት ትግራይ ነታ ዝሓለፈ ዓመት 28 ሕዳር ገዲፎማ ዝወጽኡ ከተማ መቐለ 28 ሰነ 2021 ዳግማይ ምስ ተቆጻጸርዎ መንግስቲ ፌደራል በይንኣዊ ምቁራጽ ቶኵሲ ኣዊጁ እኳ እንተነበረ፡ ላዕለዋይ ኢድ ክሕዙ ዝጀመሩ ሓይልታት ትግራይ ቅድመ ኵነት ዝሓዘ ነጥብታት ብምቅማጥ ነቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣይተቐበሉዎን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ኵናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ከም ዝርከብ ይፍለጥ።

ብሰንኪ እዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተመዛበሉን ሚሊዮን ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮምን ጸብጻባት ይገልጹ።