ኲናት ትግራይ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንመጥቃዕቲ ኣየር ከተማ መቐለ የጻርዮ ከምዘሎ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, UN
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ሰለስተ ህጻናት ከምዝተቐትሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ሓሬና ኣብ ዝበሃል ከባቢ ከተማ መቐለ ብዝተፈጸመ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ሰለስተ ህጻናት ክቕተሉ እንከለዉ ኣብ ጥቓ ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዕዳጋ ዓዲ ሓቂ ብዝተፈጸመ ካልኣይ መጥቃዕቲ ከኣ 9 ሰባት ቆሲሎም ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ገሊጹ።
እቲ ውድብ ትማሊ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኵናት ዝምልከቱ ጸብጻባት ከምዝበጽሕዎን ተወሳኺ ምጽራይ ከካይድ ምጅማሩን ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኦቻ ጄኔስ ላሬክ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን: በቲ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዘካየዶ ደብዳብ ሰለስተ ህጻናት ከምዝሞቱን ሓያሎ ካልኦት ከምዝቆሰሉን ብምግላጽ፡ እቲ ኲናት ዝወስዶ ዘሎ ኣንፈት ኣሻቓሊ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ ክብል ተዛሪቡ።
ወሃቢ ቓል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ"ንዝርዝር እቲ መጥቃዕቲ ክነጻሪ ንፍትን ኣለና፤ ግን ከኣ ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ድሕነት ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩን ዝሰርሑን ሰላማውያን ሰባት ኣዝዩ ኣሻቒሉና'ሎ" ኢሉ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይንን ሰበ ስልጣን ህወሓትን ኣብታ ከተማ ኣብ ክልተ ቦታታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ሓቢሮም ነይሮም።
ኣብ ሆስፒታል ዓይደር: ክፍሊ ግልጋሎት ድንገተኛ ሕክምና: ዶ/ር ቸርነት ገብሩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ናይ ሰኑይ ንጉሆ ደብዳብ ዝሞቱ ሰለስተ ህፃናት፡ ዕድመኦም ደቂ 12፣ 14ን 16ን እንሽዑ ንሽዑ እንትሞቱ ኩሎም ኣባላት ሓደ ስድራ ምዃኖም ገሊጹ።
ዶ/ር ቸርነት ወሲኹ ድማ: ኣብቲ ናይ ቀትሪ ናይ ዕዳጋ ደብዳብ ካብ መንጎ ዝቆሰሉ፡ እቶም ክልተ ከቢድ መቁሰልቲ ኣጋጢሙዎም ኢሉ።
ንሱ ከምዝበሎ፡ ካብቶም ከቢድ መቑሰልቲ ዝገጠሞም እቲ ሓደ መንእሰይ ኣብ ርእሱ ፡ እታ ካልአይቲ ንእስቲ ድማ "ናይ ጭዋዳን ሰራውር ደምን ምብታኽ" ኣጋጢምዋ ኢሉ።
"ስለዝኾነ ቀፂሉ እንታይ ሓደጋ ክስዕበሎም ከምዝኽእል ኣይፍለጥን" ክብል ስግኣቱ ገሊፁ።እቲ በዓል ⶁያ ወሲኹ'ውን: በቲ ዘሎ ዕፅዋ ምኽንያት: ኣብቲ ሆስፒታል እኹል ንናይ ሃንደበታዊ ሕክምናን ንግልጋሎት መጥባሕቲ ዝኾኑ መሳርሕታትን መድሓኒትን ከምዘየሎን ገሊጹ።
ወሃቢ ቓል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይተ ለገሰ ቱሉ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ከተምኡ ኣብ ዝኾነት መቐለ ስለምንታይ'ዩ መጥቃዕቲ ዝፍጽም?" ክብል ነቲ ክሲ ነጺግዎ ነይሩ።
እንተኾነ ጸኒሑ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ "ናይ ህወሓት ናይ መራኸቢታት ታወራት" ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ገሊጹ፡ ክብል መንግስታዊ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።
ኣብቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ደብዳብ፡ ናይ ፋናን ትካል ጸጥታ 'ኢንሳን' ዝነበሩ መደበራት ከምዘዕነወ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።
እቲ ሓይሊ ኣየር "ንጹሃት ዜጋታት ከይጉድኡ ልዑል ጥንቃቐ ከምዝገበረን፡ እዚ ድማ ብዕዉት ኩነታት ከምዝተፈጸመ" ገሊጹ ክብል ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ብፈስ ቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ኣዕርዩ ከምዘሻቐሎ ምዛራቡ ስቴፈን ዱጃሪክ ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ'ሎ።
ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ንሰላማውያንን ህዝባዊ መሰረተ-ልምዓትን ዒላማ ካብ ምግባር ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ።
ኩሎም ኣካላት ንድሕነት ሰባት ከቐድሙ ብምጽዋዕ፤ ኣገደስቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ከምኡ'ውን ነዳዲን መድሃኒትን ዝበጽሑሉ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ክሕግዙ ሓቲቱ።
"ከምቲ ክንሕብሮ ዝጸናሕና ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ብፍላይ ጥረ ገንዘብን ነዳድን ነቲ ናብ ትግራይ ረድኤት ንምብጻሕ ዝግበር ጻዕርታት ኣጎናዲብዎ'ሎ" ይብል መግለጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት።
ብውሕድ 400,000 ሰባት ናብ ዓጸቦ ብዝቀራረብ ጥሜት ከምዝሳቐዩ ሓቢሩ።
"ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ንዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ብምኽባር ንሰለማውያን ሰባትን ህዝባዊ መሰረተ-ልምዓትን ዒላማ ካብ ምግባር ክዕቀቡ ደጊምና ነዘኻኽር" ኢሉ እቲ መግለጺ።
ሰላማውያን ሰባት ኣብ ሞንጎ እቲ ኲናት ምቕርቃሮምን እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ከም ምክፍፋል መግቢ፣ ቀረብ ማይን ኣገልግሎታት ጥዕናን ዝኣመሰሉ ስራሓትን ሰብኣዊ ሓገዝ ከይዓሙ ዕንቅፋት ከምዝኾኑ'ውን ኣረዲኡ።
ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከኣ ህጹጽ ሓገዝ ንዝደልዮም ሰባት ምብጻሕ ከምዝይተኻእለ ኣዘኻኺሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዝፍጠር ምትዕንቓፍ ነሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም ኣለው።
ሓይልታት ትግራይ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ትግራይ "ብጥምየት ንምጽናት" ከበባን ዕጽዋን ከምዝፈጸመ ይኸሱ።
ነዚ ክሲ ዝነጽግ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፤ ሓይልታት ናይቲ ብባይቶ እታ ሃገር "ግብረ ሽበራዊ" ዝተባህለ ህወሓት ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕትታት ምትዕንቃፍ ከምዝፈጠረ ይገልጽ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







