ህወሓት ዝወልዖ ኲናት ኣብ ኩሉ ግንባራት ይካየድ ኣሎ - ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ቅድሚ መዓልታት ከም ብሓድሽ ሓይሉ ቀጺሉ ኣሎ ዝተባህለ ኲናት ዝጀመሮ ህወሓት'ዩ ክብል ከሲሱ።
እቲ ሚኒስትሪ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዕጡቓት ትግራይ ካብ ሰኑይ ጀሚሮም ብኹሉ ግንባራት ከቢድ ጉድኣት ይብጽሖም ኣሎ ይብል።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ብረቡዕ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ትግራይ ንመጥቃዕታት ሰራዊት ፌደራል ከም ዘፍሸሉን ኪንዮኡ ብምድፋእ "ኣብ ኩሉ ግንባራት ገዛኢ ቦታታት" ከም ዝተቖጻጸረን እዩ ሓቢሩ።
ንሱ ወሲኹ "ነቲ ኣብ ልዕሊ ቆልዑን ደቂኣንስትዮን ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ከበባ ንምስባር ክንኸዶ ዘድሊ ኩሉ ክንከይድ ኢና" ኢሉ።
ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ሰራዊት ፌደራል ብኹሉ ግንባራት ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ምኽፋቱን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ስጉምቲ ክኹንኖን ዝጠልብ መግለጺ ምውጽኡ ዝዝከር እዩ።
እቲ ብመንግስቲ ፌደራል ግብረሽበራዊ ዝተሰመየ ህወሓት፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ከም ዝተጀመረ ዝገለጾ መጥቃዕቲ "ብኸቢድ ብረት፣ ታንክታት፣ ሮኬታት፣ ድሮናትን ነፈርቲ ውግእን" ዝተሓገዘ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።
ሰራዊት ፌደራል ኣብ መዛዘሚ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ካብ ትግራይ ብምስሓብ በይነኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ድሕሪ ምእዋጁ እቲ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምስፍሑ ይፍለጥ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ ሓይሊ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ካልኦትን ብምዃን ኣንጻር ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ውግኣት ከካይድ እኳ እንተጸንሐ፡ እቲ ኲናት ንሰሙናት ዝግ ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ኣብዚ ቅንያት መሊሱ ዓሪጉ ዘሎ።
ህወሓት ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ከቢድ መጥቃዕቲ ከም ዝተኸፈቶ ብመገዲ ኣፈኛኡ ንመራኸቢ ብዙሓን ዓለም ክገልጽ እንከሎ ሰኑይ ከኣ መግለጺ ኣውጺኡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ብዛዕባ እቲ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ዝምልከት ትማሊ ሓሙስ ምሸት ዝሃቦ መግለጺ ናይ ፈለማ እዩ።
እዚ ድማ፡ ህወሓት ኣቐዲሙ "ንመስመር ጅቡቲ ንምቁራጽን፡ ብወልቃይትን ጸገዴን መጥቃዕቲ ብምኽፋት ብሸነኽ ሱዳን መገዲ ንምኽፋት" ብዝብል ዕላማ ተደጋጋሚ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈጺሙ'ዩ ይብል።
ወሲኹ "ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣዲስ ኣበባ ንምእታው" ብሸነኽ ሰሜን ወሎ ዝገበሮ ፈተነ ኣይተዓወተን ብምባል "ኣዝዩ ከቢድ ዕንወት" በጺሑዎ ኣሎ ብምባል መግለጺ ሚኒስትሪ ምክልኻል ይሕብር።
ብሰሉስ ኣባል ማእከላይ ኮማንድ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ንኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ደብዳብ ነፈርትን ድሮናትን ከም ዝጀመሩ ተዛሪቡ ነይሩ።
"እቲ ውግእ ኣዝዩ ወሳናይን ወተሃደራዊ፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ጽልዋ ዘለዎን'ዩ" ዝበለ ጀነራል ጻድቃን "ግን ድማ ዝተናውሐ ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት የብለይን -ምናልባት ናይ መዓልታት ወይ ሰሙናት ክኸውን'ዩ" ዝብል ርኢይቶ ሂቡ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ንመግለጺ ህወሓት ኣመልኪቱ ርኢይቶ ክትህብ ዝተሓተት ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም መንግስቲ ዜጋታቱ ኣብ ዝኾነ ክፋል እታ ሃገር ካብ ዝፍጸም ተግባር ራዕዲ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣለዎ ክትብል ንሮይተርስ ተዛሪባ ነይራ።
"መንግስቲ ብምኽንያት ህወሓት ኣብ ኣምሓራ ኮነ ካልእ ቦታ ዝፍጸሙ ዕንወታት፣ መጥቃዕታትን ቅትለትን ብቐጻሊ ክከላኸል'ዩ" ኢላ።
ብሰንኪ እቲ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ቑጽሮም ብወግዒ ዘይተፈልጡ ኣሽሓት ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ብተወሳኺ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሚሊዮናት ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዉ ረድኤት ክኾኑ እንከለው፤ ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ከም ዝርከቡ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







