ኣብ ከተማታት ዓድዋን ማይ ጸብርን ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ

ምንጪ ስእሊ, FJH
መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ 24 ጥቅምቲ 2021 ካብ መቐለ ወጻኢ ኣብ ክልተ ከተማታት ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝፈጸመ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ገሊጹ።
እቲ ተኸታቲሉ ዝወጸአ መግለጺ፡ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ክልተ ወተሃደራዊ ዒላማታት ከምዘጥቀዐ እዩ ዝገልጽ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ኣብ ዕላዊ ናይ ትዊተር ገጹ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ ዝኾነ ወተሃደራዊ ዒላማ ከምዘይብሉ ኣስፊሩ።
መንግስቲ፡ ኣብ'ቲ ናይ መጀመርታ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ማይ ጸብሪ ዝተፈጸመ ደብዳብ፡ ኣብ ልዕሊ 'ወተደራዊ መሰልጠኒን ሓይሊ ሰብ መወደብን' ከምዝፈጸመ እዩ ዝገልጽ።
ካብኡ ቀጺሉ ዝወጽእ መግለጺ ድማ፡ ኣብ ዓድዋ ዝርከብ ኣልመዳ ጨርቃ ጨርቂ' ፋብሪካ፡ 'ወተሃደራዊ ስልጠና ዝካየደሉን ኣጽዋራት ዝፈርየሉን' እዩ ብምባል ደብዳብ ከምዝተፈጸመ ይገልጽ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃልን እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እቲ ኣብ ማይ ጸብሪ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ሆስፒታል ከምዝተፈጸመን ካብ መሳርሕቱ ከምዘረጋገጸን ዛጊድ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ዝርዝር ሓበሬታ ይጽበ ከምዘሎን ገሊጹ።
ኣቶ ጌታቸው እቲ ኣብ ዓደዋ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ ብወተሃደራት መንግስቲ ሙሉእ ንሙሉእ ዝዓነወ ዝበሎ፡ ኣልመዳ ጨርቃ ጨርቅ ፋብሪካ፤ ከምዝተጠቐዐ ንቢቢሲ ኒውስ ሃውርስ ገሊጹ።
ንሱ፡ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ኣርባዕተ ኪሎሜትሮ ካብ ሰመይ ርሒቑ ከምዝድርበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጉድኣት ናይ ምብጻሕ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑን ተዛሪቡ። ኣብቲ ናይ ዓድዋ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት በጺሑ ኢሉ።
ወሃቢት ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰላማዊት ካሳ ብወገና፡ እቲ ብነፈርቲ ዝካየድ መጥቃዕቲ ብጥንቃቐ ኣብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ከምዝካየደን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት በጺሑ ዝብል ብህወሓት ዝቃላሕ ሕሶት ከምዝኾነን ተዛሪባ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብተኸታተሊ ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዝበጽሐ ጸብጻባት ይሕብሩ፤ መንግስቲ ግን ወተሃደራዊ ዒላማ ጥራይ ከምዝወቕዐ እዩ ዝገልጽ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ብዓርቢ ቅድሚ ቀትሪ ንራብዓይ መዓልቱ ኣብ ከተማ መቐለ ዘካየዶ ደብዳብ ኣየር፡ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ዒላማ ከምዝገበረ እዩ ገሊጹ።
ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት፡ ኣብ ብዓርቢ ዝተኻየደ ደብዳብ ኣየር፡ ኣብ ንብረት ሲቪላት፣ ኣብ ናይ ሓረስቶት እኽልን ኣብ ሰብን ጉድኣት ከምዝወረደ ገሊፁ።
ክልላዊ ተሌቬዥን ትግራይ ድማ በቲ ናይ ዓርቢ ደብዳብ ኣየር 11 ሰባት ከምዝተጎድኡ ፀብፂባ።
ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስቲፈን ዱጅሪክ፡ እቲ ውድብ ነቲ ናብ መቐለ ዝግበሩ በረራታት ቅድሚ ምእጋዱ፡ 11 ገያሾ ዝሓዘት ነፋሪት ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ ናብ መቐለ እኳ እንተተጓዓዘት፡ ከይትዓልብ ስለዝተኸልከለት ናብቲ ዝተበገሰትሉ ክትምለስ ከምዝተገደደት ምዝራቡ ሮይተርስ ፀብፂቡ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ ብዓርቢ ዘካየዶ ደብዳብ ኣየር ሓዊሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ከባቢ ሓሬናን ዕዳጋ ዓዲሓቅን፣ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ድማ ኣብ ጥቓ መናሃርያን መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪነግን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ከባቢ ተምቤን ኣካይድዎ ዝተብሃለ ድማ፡ እቲ ናይ ትማሊ ከይሓወሰ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሽድሽተ ከባብታት ትግራይ ደብዳብ ኣየር ከምዘካየደ ይግለፅ።
ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ደብዳብ ኣየር፡ ብፅሕቲ ወርሒ ነፍሰፆር ትርከቦም ሸሞንተ ሰባት ከምዝተጎድኡ ሰብመዚ ጥዕናን መሰኻኽር ዓይንን ንቢቢሲ ገሊፆም ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ደብዳብ ኣየር፡ ሰለስተ ህፃናት ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።
እቶም ግዳይ ዝኾኑ ህጻናት ደቂ ሓደ ስድራ ምዃኖም ቢቢሲ ካብ ሰብ ሞያ ሕክምና ሆስፒታል ዓይደር ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ብሰንኪ'ቲ ዓመት ክመልኦ ኢሉ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምምዝባልን ኣብጺሑ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ዓጸቦ ተቓሊዑ ከምዘሎን ረድኤት ምብጻሕ ከምዘይተኽኣለን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







