ኣብዚ ሰሙን ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተደብደበት ከተማ መቐለ ዝበፅሐ ጉደኣት እንታይ ይመስል?

መስፍን ኢንዳስያል ኢንጂነሪንግ

ምንጪ ስእሊ, FGH

ልዕሊ ፍርቂ ሚልየን ህዝቢ ዝነብረላ ርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብዚ ሰሙን እዚ ብተደጋጋሚ ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ተደብዲባ። እቲ ደብዳብ ኣየር ኣብ ህይወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዘውረደ እዩ ዝግለፅ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ሓይልታት ትግራይ ዝጥቀምሎም ቦታታት ዒላማ ከምዝገበረ እዩ ዝሕብር። ንምዃኑ ኣብታ ኣብዚ ሰሙን ብተደጋጋሚ ዝተደብደበት ከተማ ዝወረደ ጉድኣት እንታይ ይመስል?

ተዋጋኢት ጀት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ከተማ መቐለ ጥቓ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ሰዓታት ናይ ንጉሆ ከባቢ ሰዓት 5፡30 እያ ደብዳብ ኣካይዳ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ትማሊ ዓርቢ ቅድሚ ቀትሪ ንራብዓይ መዓልቱ ኣብ ከተማ መቐለ ዘካየዶ ደብዳብ ኣየር፡ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ዒላማ ከምዝገበረ እዩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት፡ ኣብቲ ትማሊ ዓርቢ ዝተኻየደ ደብዳብ ኣየር፡ ኣብ ንብረት ሲቪላት፣ ኣብ ናይ ሓረስቶት እኽልን ኣብ ሰብን ጉድኣት ከምዝወረደ ገሊፁ።

ክልላዊ ተሌቬዥን ትግራይ ድማ በቲ ናይ ትማሊ ደብዳብ ኣየር 11 ሰባት ከምዝተጎድኡ ፀብፂባ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ኣብ ዘካይደሉ ሰዓት፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምብፃሕ ዝበረረት ነፋሪት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም’ውን፡ ብሰንኪ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ መቐለ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ክትዓልብ ምስበለት፡ ከምዝተኸልከለት እቲ ትካል ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።

ነዚ ስዒቡ ሕቡራት ሃገራት ናብ ከተማ መቐለ ዝገብሮ ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት በረራታት ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ከምዘቋረፆ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል እቲ ውድብ ስቲፈን ዱጅሪክ፡ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ናብ መቐለ ዝግበሩ በረራታት ቅድሚ ምእጋዱ እታ 11 ገያሾ ዝሓዘት ነፋሪት ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ ናብ መቐለ እኳ እንተተጓዓዘት፡ ከይትዓልብ ስለዝተኸልከለት ናብቲ ዝተበገሰትሉ ክትምለስ ከምዝተገደደት እቲ ወሃቢ ቃል ምዝራቡ ሮይተርስ ፀብፂቡ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ንኤፒ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት በረራ ኣብቲ ስፍራ ምንባሩ ዝምልከቶም ሰብመዚ ይፈልጡ ምንባሮም ብምግላፅ፡ እቲ ናይቲ ውድብን እቲ ወተሃደራውን በረራታት “ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ኣንፈትን እዩ ነይሩ” ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ድሕሪ እቲ ደብዳብ ነፋሪት ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ እታ ነፋሪት ሕቡራት ሃገራት ኣብ እትበረሉ ሰዓት እቲ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ነታ ነፋሪት ከምመጋገዪ ብምጥቃም ብፀረ ነፈርቲ ክትውቃዕ ንምግባር ዝዓለመ ምንባሩ ገሊፁ።

ኣብ ካልኦት መዓልታት ኣብ ዝተኻየዱ መጥቃዕትታት’ኸ?

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ብሓሙስ ኣብ ሰዓታት ናይ ንጉሆ ኣብ ከተማ መቐለ ዘካየዶ ደብዳብ’ውን ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዝወረደ እዮም ሰብመዚ ህወሓት ዝገልፁ።

ፕሮፌሰር ክንደያ፡ ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብሓሙስ ከባቢ ሰዓት 9፡24 ናይ ድሕሪ ሰዓት ኣብ ከተማ መቐለ ብልሙድ ላጪ ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ብምድብዳባ፡ ኣብ ንብረት ሲቪላት ጉድኣት ከምዝወረደ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

“ብልሙድ ላጪ ኣብ ዝበሃል ህዝቢ ዝነብረሉ ቦታ እያ ቁምብላታት ደብርያ ኬዳ። ኣብ ህይወት ሰብ ዝበፅሐ ጉድኣት የለን። ኣብ ንብረት ግን ዝበፅሐ ጉድኣት ኣሎ” ኢሉ።

ደብዳብ ነፈርቲ ከተማ መቐለ 20 ጥቅምቲ 2020

ምንጪ ስእሊ, AC

መግለጺ ስእሊ, ደብዳብ ነፈርቲ ከተማ መቐለ 20 ጥቅምቲ 2020

እንተኾነ መጠን እቲ ብሓሙስ ዝበፅሐ ጉድኣት ኣይገለፀን።

ቢቢሲ፡ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሚኒስትር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮለኔል ጌትነት ኣዳነ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

እንተኾነ ወሃቢቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ኣብ መቐለ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ብምርግጋፅ፡ ነቲ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ፡ “ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ መሰልጠኒ ሓይልታት ትግራይ ዝተቐየረ ቦታ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ” ሓቢሩ።

በዓልስልጣን ህወሓት ፕሮፌሰር ክንደያ ግና፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ከተማ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዘይብሎምን እቲ ናይ ትማሊ ደብዳብ ህዝቢ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ከምዝተፈፀመን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ከምቲ ንሳቶም ዝበልዎ ኣብ መሰልጠኒ ማእኸል ኣይኮነን። ናይ ትግራይ ሰራዊት ካብ ፀላኢ ዝምንዝዖ ኣፅዋር እምበር፡ ናይ መሳርሒ ዲፖ ኮነ ኣፅዋር መፀገኒ ኮነ መስርሒ ዲፖ የብሉን” ኢሉ።

ብተመሳሳሊ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ከተማ መቐለ መጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣብ ሰዓታት ናይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ኣግበ ከምዝደብደበን ጉድኣት ከምዘውረደን ፕሮፌሰር ክንደያ ገሊፁ።

“ድሕሪ ሰዓት’ውን ኣብ ከባቢ ኣግበ ተምቤን ደብዲቦም፤ ኣብ ጎቦታት እዩ ወዲቑ። ኣብ ገባራትን ኣብ እንስሳትን ዝበፅሐ ጉድኣት ኣሎ” ኢሉ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ ትማሊ ዓርቢ ዘካየዶ ደብዳብ ኣየር ሓዊሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ከባቢ ሓሬናን ዕዳጋ ዓዲሓቅን፣ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ከባቢ ሰዓት 10:20 ድማ ኣብ ጥቓ መናሃርያን መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪነግን፡ ብጠቕላላ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ሓሙሽተ ከባብታት እዩ ደብዳብ ኣካይዱ ዘሎ። ምስቲ ካብ ከተማ መቐለ ወፃኢ፡ ኣብ ከባቢ ተምቤን ኣካይድዎ ዝተብሃለ ድማ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሽድሽተ ከባብታት ትግራይ ደብዳብ ኣየር ከምዘካየደ ይግለፅ።

ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ደብዳብ ኣየር፡ ብፅሕቲ ወርሒ ነፍሰፆር ትርከቦም ሸሞንተ ሰባት ከምዝተጎድኡ ሰብመዚ ጥዕናን መሰኻኽር ዓይንን ንቢቢሲ ገሊፆም ።

ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዳይሬክተር ክፍሊ ህፁፅ ክትትል ሕክምና ዶክተር ነጋሲ ግርማይ፡ ብፅሕቲ ወርሒ ነብሰ ፆር ሓዊሱ በቲ መጥቃዕቲ ኣየር ብከቢድ ዝተጎድኡ ሓሙሽተ ሰባት ይሕክሙ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።

እቶም ካልኦት ሰለስተ ዝተጎድኡ ከኣ ኣብ ሆስፒታል መቐለ ይሕከሙ ከምዘለዉ እዩ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝዓበየ "ፋብሪካ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግ ግዳይ እቲ ደብዳብ ኣየር ከምዝኾነ" ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም ኔሮም።

ክልላዊ ተሌቬዥን ትግራይ፡ ካብቶም ብረቡዕ ግዳያት መጥቃዕቲ ኣየር ኮይኖም ኣብ ሆስፒታል ክሕከሙ ዝፀንሑ፡ እቲ ሓደ ኢንጂንየር ከምዝሞተ ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃባ ኣቃሊሓ።

ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሮኔል ጌትኔት ኣዳነ ነዚ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዝተፈፀመ ደብዳብ ኣየር ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ንዝቀርበሉ ሕቶ ''ሚድያታት ሚዛናውያን'' ስለዘይኮና ዝኾነ ቃል ክህብ ፍቃደኛ ከምዘይኮነ ምግላፁ ይዝከር።

እንተኾነ፡ ብመንግስቲ ዝመሓደር፡ Ethiopia Current Issues Fact Check ዝተብሃለ ናይ ትዊተር ኣካውንት፡ ኣብ መቐለ ደብዳብ ነፋሪት ከምዝተኻየደ ብምግላፅ እቲ ደብዳብ ናይ ህወሓት መፀገንን መስርሕን ብረት ንዝኾነ ቦታ ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ እዩ ገሊፁ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ደብዳብ ኣየር፡ ሰለስተ ህፃናት ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሆስፒታል ዓይደር: ክፍሊ ግልጋሎት ድንገተኛ ሕክምና: ዶ/ር ቸርነት ገብሩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ናይ ሰኑይ ንጉሆ ደብዳብ ዝሞቱ ሰለስተ ህፃናት፡ ዕድመኦም ደቂ 12፣ 14ን 16ን ሽዑ ንሽዑ እንትሞቱ ኩሎም ኣባላት ሓደ ስድራ ምዃኖም ገሊፁ።

ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ቀጺሉ ዘሎ ኲናት

ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ደብዳብ ኣየር፡ ሓይልታት ትግራይ ኣማስዮም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ከተማታት ሃይቅን ቢሲቱማን ከምዝተቖፃፀሩን ደሴን ኮምበልቻን’ውን ኣብ መድፍዕ ሓፂር ርሕቐት ከምዝርከባ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሓይልታት ትግራይ ኣፍሊጡ።

ነዚ ስዒቡ ነበርቲ ከተማ ደሴ ብዝሓደሮም ስግኣት ካብታ ከተማ ለቒቖም ይወፁ ከምዘለዉን፡ ገሊኦም ድማ ትካላት ንግዶም ዝዓፀዉ ከምዘለዉን ምንጭታት ቢቢሲ ካብታ ከተማ ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ ዝገለጾም ሓይልታት ትግራይ ከቢድ ዕንወት ከም ዘብጽሐ እዩ ዝገልጽ።

ነባሪ ከተማ ደሴ ኣይተ መልኣኩ ኣምባው፡ "ኣብ ደሴ ስክፍታ ሓዲርዎም ዝዓፀዉ ትካላት ንግዲ ኣለዉ። እቲ ዝበዝሕ ግን ኣብ ልሙድ ምንቅስቓስ ኣሎ። ነቶም ዝዓፀዉ እውን፡ ብሞንታርቦ እናዘርኩ ክፈቱ ይብል ኣለኹ” ኢሉ።

ኣብቲ ከባቢ ይካየድ ብሰንኪ ዘሎ ውግእ፡ ካብ ካልኦት ከተማታት ሃዲሞም ናብ ደሴ ዝመፅኡ ኣሽሓት ተመዛበልቲ ኣብ ስግኣት ከምዘለዉ ዝገለፀ ኣይተ መልኣኩ፡ ኣብታ ከተማ ምንቅስቓስ ከባብያዊ ምልሻ ከምዘሎን፡ መናእሰይ ድማ ፀጥታ እታ ከተማ ንምሕላው ብጉጅለ ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓኾን ኵናት፡ ሓደ ዓመት ክገብር ሰሙናት ጥራይ ተሪፍዎ ኣሎ።

ኵናት ትግራይ ጠንቂ ሞት ኣሽሓት፡ ሚልዮናት ክመዛበሉን ልዕሊ 6 ሚልዮን ሰባት ተፀበይቲ ህጹጽ ረድኤትን ክኾኑ ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ።