ቅልውላው ትግራይ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደው ክብል ዳግማይ ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, UN Geneva
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኩሎም ወገናት ኵናት ደው ከብሉ ዳግማይ ሓቲቱ።
ኣቐድም ኣቢሎም ሕቡራት ሃገራት፣ ምዕራባውያን ሃገራትን ትካላት ወሃብቲ ረድኤትን እቲ ኵናት ደው ክብልን ሰብኣዊ ረድኤታት ከይተተዓናቐፈ ናብቶም ተጸበይቲ ክብጽሕን ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም።
ምክትል ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ፈርሃን ሃቅ "ኣብ ክልላት ትግራይ ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ ስቓይ ደው ንኽብል ኩሎም ኣብቲ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ተጻብኦታት ደው ከብሉ ደጊምና ንሓትት" ኢሉ።
ብምስዓብ "ኩሎም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት፡ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ ረድኤት ከኽብሩ ኣለዎም፤ ድሕነት ሰላማውያን ሰባትን ትሕተ ቅርጽን ክሕሎ ኣለዎ" ኢሉ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣብ ዝሓየለሉን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ሓሙሽተ ግዜ ደብዳብ ነፋሪት ኣብ ዘካየደሉ እዩ ነዚ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
ፈርሃን ሃቅ፡ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ኵናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ለሓመ ቁጽሪ ናይቶም ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝጠልቡ ሰባት ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ገሊጹ።
ሓይልታት ትግራይ ነታ ዝሓለፈ ዓመት 28 ሕዳር ገዲፎማ ዝወጽኡ ከተማ መቐለ 28 ሰነ 2021 ዳግማይ ምስ ተቆጻጸርዎ መንግስቲ ፌደራል በይንኣዊ ምቁራጽ ቶኵሲ ኣዊጁ እኳ እንተነበረ፡ ላዕለዋይ ኢድ ክሕዙ ዝጀመሩ ሓይልታት ትግራይ ቅድመ ኵነት ዝሓዘ ነጥብታት ብምቅማጥ ነቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣይተቐበሉዎን።
ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ኵናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ገለ ምብራቓዊ ክፋል ክልል ዓፋርን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢታት ሰሜንን ደቡብን ወሎ ተቆጻጺሮም ይርከቡ።
ሓደ ካብ ላዕለለዎት ሓለፍቲ ሓይልታት ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝገብርዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ንመንግስቲ ፌዴራል ጸቅጢ ንምፍጣር ከም ዝኾነ ገሊጹ ነይሩ።
ጀነራል ጻድቃን፡ ሓደ ካብቲ ዕላማታቶም፡ መንግስቲ ነቲ ሓይልታት ትግራይ ቶኵሲ ደው ንኸብሉ ኣቐሚጦሞ ዘለዉ ቅድመ ኩነት ንኽቅበልን ናብ ፖሎቲካዊ ዘተ ንክቀርብ ንምግዳድ ከም ዝኾነ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ምግላጹ ይዝከር።
እቲ ኵናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ልሓመ፡ ካብ ደቡብ ወሎን ካብ ዋግ ኽምራ ከምኡ'ውን ካብ ክልል ዓደፋር ሓያሎ ሰላማውያን ሰባት ተፈናቒሎም እዮም።
ሕቡራት ሃገራት ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ጥራይ ኣስታት 1.7 ሚልዮን ሰብ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው
ብሰንኪ እቲ ኣስታት ሓደ ዓመት ዝገበረ ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኵናት፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ናብ ሱዳን ከም ዝተሰደዱ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ኣሽሓት ሞይቶም፣ ሚልዮናት ንኽቱር ጥሜት ተቓሊዖም፤ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።
ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ተጻበዪ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ኮይኑ ከም ዘሎ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።
ብውሕድ 400,000 ሰባት ናብ ዓጸቦ ብዝቀራረብ ጥሜት ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ሕብረተሰብ ዓለም፡ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ብዘይቅድመ ኩነት እቲ ኵናት ደው ብምባል ክላዘቡን፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ኩሉ መገድታት ብዘይገደብ ክኽፈቱን ብተደጋጋሚ ይጽውዑ ኣለዉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







