ኵናት ከምብሓድሽ ኣብ ዝደገሰሉ ከባብታት ብዝሒ ተመዛበልቲ ወሲኹ

ተመዛበልቲ

ምንጪ ስእሊ, Melaku Ambaw

ብኣንፃራውነት ንሒደት ሰሙናት ሃዲኡ ዝነበረ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ዝካየድ ዘሎ ካብ ትግራይ ዝለሓኸ ኵናት፡ ተወሰኽቲ ሰባት ክመዛበሉ ከምዝገበረ ሰብመዚ እተን ክልላት ንቢቢሲ ገሊፆም።

ካብ ዝሓለፉ ሰሙናት ጀሚሩ ውግኣት ይካየደሎም ዘለዉ ኣብ ክልላት ኣምሓራ ኣብ ውጫለን ሃብሩ ዝነበሩ ነበርቲ፡ ናብ ደሴን ኮምበልቻን ከምዝሃደሙ ተገሊፁ።

ኣብ ክልል ዓፋር ድማ ነበርቲ ወረዳታት ጭፍራን መጋሌን ከምዝተመዛበሉ ሰብመዚ እቲ ክልል ኣፍሊጦም።

ከንቲባ ከተማ ደሴ ኣይተ ኣበበ ገብረመስቀል፡ ብሰንኪ ስግኣት ድሕንነት ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ናብ ደሴ ዝመፅኡ ቁፅሪ ተመዛበልቲ ኣዝዩ ይውስኽ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

“ደቂኣንስትዮ፣ ህፃናትን ኣረጋውያንን ሓዊሱ፡ ቁፅሪ ተመዛበልቲ ኣስታት 500 ሽሕ ይግመት። ብርግፅ ሕዚ ዘሎ ቁፅሪ ተመዛባሊ ብትኽክል ኣይተፈለጠን” ኢሉ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት እናገደደ ብሰንኪ ዝመፅአ ኵናት፡ ቁፅሪ ተመዛበልቲ ከምዝዛየደ ኣብሪሁ።

ቅድሚ ሕዚ ካብ ወልድያ፣ ሃይቅን ካልኦት ከባብታትን ዝተመዛበሉ ነበርቲ፡ ኣብ ከተማ ደሴ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ካልኦት መፅለልታትን ከምዝነበሩ ይግለፅ። ሕዚ ቁፅሪ ተመዛበልቲ ይውስኽ ብምህላዉ፡ ካልኦት መፅለልታት የዳልዉ ከምዘለዉ ተዛሪቡ።

መንግስቲ እቲ ክልልን ፌደራልን ይድግፍዎም ከምዘለዉ ድማ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ዓፋር ብፍላይ ካብ ወረዳታት ጭፍራን መጋሌን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ነበርቲ ይመዛበሉ ከምዘለዉ፡ ሓላፊ ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት ምግብን ኣይተ መሓመድ ሑሴን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ካብ ወረዳ ጭፍራ፡ ልዕሊ 35 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሉ፤ ካብ መጋሌ ድማ ኣስታት 10 ሽሕ ነበርቲ ተመዛቢሎም። ካብዚ ወረዳ ናይ ክልተ ቀበሌታት ህዝቢ ጥራሕ እዩ ተመዛቢሉ። ቅድሚ ሕዚ ምስ ዝነበሩ 150 ሽሕ ተመዛበልቲ እንትድመር፡ ቁፅሪ ተመዛበልቲ ልዕሊ 200 ሽሕ ይኾን” ኢሉ።

ወረዳ ጭፍራ ምስ ክልል ኣምሓራ እንትዳቦ፤ ወረዳ መጋሌ ከኣ ምስ ትግራይ ይዳበው።

ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ዝተዛረበ ኣይተ መሓመድ፡ ሓያል ውግእ ይካየደለን ኣብ ዘሎ ከም ጭፍራ ኣብ ዝኣመሰላ ከባብታት ግና፡ ሕዚ’ውን ሰባት ይመዛበሉ ከምዘለዉ ገሊፆም።

“ሰባት ኣብ ዱርን ጣሻን ተበቲኖም ይርከቡ። ሕዚ ዝጠፍኡን ካብ ቤተሰብ ዝተፈላለዩን ሰባት ብምርካብ ህፁፅ ረድኤት ንምሃብ ፃዕሪ ንገብር ኣለና” ኢሉ።

ሓይልታት ትግራይ ቅድም ኢሎም፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ግንባራት 'ናይ መወዳእታ' ዝበሎ መጥቃዕትታት ከምዝኸፈተ ብምግላፅ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ስጉምቲ ክኹንን ምፅውዑ ይዝከር።

ሰራዊት ምክልኻል ብወገኑ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ከም ብሓድሽ ፃዕፂዑ ይቕፅል ዘሎ ኵናት ሓይልታት ትግራይ ከምዝጀመርዎን፡ “ኣብ ኩሎም ግንባራት ከቢድ ጉድኣት ይበፅሖም ከምዘሎ” ገሊፁ’ዩ።

ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ’ውን ቅደሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ክልላዊ ተሌቬዥን ትግራይ ቀሪቡ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ንዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ሓይልታቶም "ብብቕዓት ብምምካት ዝወሰድዎ ፀረ-መጥቃዕትን ምሉእ ብምሉእ ኣፍሺልዎ" ክብል ተዛሪቡ ኔሩ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ክልተ ከባብታት ደብዳብ ኣየር ከምዝፈፀመ ይፍለጥ።

ኣባል ማእከላይ ኮሚቲ ህወሓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት፡ እቲ ደብዳብ ኣየር ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ክልተ ቦታታት ከምዝተፈፀመ፡ ንቢቢሲ ገሊፁ’ዩ።

ፕሮፌሰር ክንደያ፡ እቲ ቀዳማይ ደብዳብ ኣብ ከተማ መቐለ ፍሉይ ስሙ ሓሬና (መሰቦ) ከባቢ ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ኣቆፃፅራ ግእዝ ከምዝተኻየደን፡ በቲ ደብዳብ ሰለስተ ሲቪላት ሰባት ከምዝተቐተሉን ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ገሊፁ።

እቲ ካልኣይ ደብዳብ ድማ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 6፡30: ዕዳጋ ዓዲ-ሓቂ (ዕዳጋ ሰኑይ) ኣብ ዝበሃል ቦታ ከምዝተፈፀመ ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ዕዳጋ ዓዲ-ሓቂ ዝተፈፀመ ደብዳብ ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ኣይተገለፀን።

እቶም ዝተጎድኡ ሰባት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር ይሕከሙ ኣለዉ።

ክልላዊ ተሌቬዥን ትግራይ እውን፡ በቲ ኣብ ከባቢ ሓሬና ዝተፈፀመ ደብዳብ ሰለስተ ሲቪላት ከምዝተቐተሉን ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ፀብፂቡ ነይሩ።

እቲ ደብዳብ ኣየር ምስተፈፀመ፡ ወሃቢቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፡ መንግስቲ ዋላ ሓደ መጥቃዕቲ ከምዘይፈፀመ ገሊፁ ነይሩ።

እንተኾነ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣማስዩ፡ “ንፁሃት ዜጋታት ከይጉድኡ ልዑል ጥንቃቐ ብምግባር ናይ ህወሓት ናይ መራኸቢታት ታወራት ዒላማ ከምዝገበረ” ብምግላፅ፡ ነቲ ደብዳብ ኣየር ከምዘካየደ ተኣሚኑ።

ሮይተርስ ዘዛረቦ ሰራሕተኛ ረድኤትን ዲፕሎማትን’ውን፡ ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ኣየር ከምዝነበረ ገሊፁ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኵናት ዝምልከቱ ፀብፃባት ከምዝበፅሕዎን ምፅራይ ከካይድ ምጅማሩን ኣፍሊጡ’ዩ።

ወሃቢ ቃል ቤት-ፅሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኦቻ ጄኔስ ላሬክ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ድማ: በቲ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዘካየዶ ደብዳብ ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱን ብዙሓት ካልኦት ከምዝቖሰሉን ብምግላፅ፡ እቲ ኲናት ዝወስዶ ዘሎ ኣንፈት ኣሻቓሊ እናኾነ ይመፅእ ኣሎ ክብል ተዛሪቡ።

ወሃቢ ቓል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡"ንዝርዝር እቲ መጥቃዕቲ ክነፃሪ ንፍትን ኣለና፤ ግን ከኣ ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ድሕነት ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩን ዝሰርሑን ሰላማውያን ሰባት ኣዝዩ ኣሻቒሉና'ሎ" ኢሉ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐን ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዝለሓኸን ኵናት ትግራይ ኣስታት ሓደ ዓመት ዘቑፀረ እንትኾን፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ናብ ሱዳን ተሰዲቶም፣ ብዙሓት ህይወቶም ስኢኖም፣ ሚልየናት ንጥሜት ተቓሊዖም፣ ልዕሊ ክልተ ሚልየን ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፡ ህዝባዊ መሰረተ ልምዓታት ዓንዮም’ዮም።

ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ህፁፅ ረድኤት ከምዘድልዮ ይግለፅ።

ማሕበረሰብ ዓለም፡ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ብዘይቅድመ ኩነት እቲ ኵናት ደው ብምባል ክላዘቡን፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብፃሕ መገድታት ብዘይገደብ ክኽፈቱን ብተደጋጋሚ ይፅውዑ ኣለዉ።

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ምስቲ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዝዛመድ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣማራፅታት የናድይ ከምዘሎ ኣፍሊጡ’ዩ።

እታ ሃገር ነቲ ካብ እዋን ናብ እዋን ይጋደድ ዘሎ ቅልውላው ምላሽ ንምሃብ ቁጠባዊ ማዕቐባት ምንባር ሓዊሱ ንዘለዉ ኩሎም ኣማራጽታት ትግምግም ከምዘላ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኔድ ፕራይስ ንጋዜጠኛታት ገሊፁ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ርክብ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ ወገናት እገዳ ክግበር ዘኽእል መምርሒ ምፍራሙ ዝዝከር እዩ።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነዚ ምላሽ ኣብ ዝመስል ቅሉዕ ደብዳበ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ትኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ 'ኣድለኣዊ' ክብል ነቒፍዎ።

መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ቅድም ነቲ ፃውዒት ሰላም ከምዝቕበሉን ንዘተ ቅሩባት ምዃኖምን ምግላፆም ዝዝከር እዩ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዝነበረ ሕዚ ወኪል ህወሓት ፍስሃ ኣስገዶም፡ ሕዚ'ውን ውድቡ ንሰላም ቅሩብ ምዃኑ ንፎከስ ራድዮ ቢቢሲ ገሊፁ ኔሩ።

"እዚ ኲናት ናይታ ሃገር ሓድነት ንሓደጋ ዘሳጥሕ እዩ" ብምባል፡ ብሰላማዊ ዘተ ጥራይ ክውዳእ ከምዝኽእልን እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተኣዊጁ ዘሎ ዕፅዋ ንምኽፋት ተገዲዲም ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ህልውና ኲናት ምዃኑን ሓቢሩ።