ኵናት ሓይልታት ትግራይን ፌዴራልን ኣበይ ከባቢታት እዩ ዝካየድ ዘሎ?

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ናይ 2020 ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ኵናት ዓመቱ ክገብር ክልተ ሰሙን'ዩ ተሪፍዎ ዘሎ።
እቲ ኣብ መጀመርታ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ ተሓጺሩ ዝነበረ ኵናት፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ነታ 28 ሕዳር 2020 ገዲፎማ ዝወጽኡ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ዝኾነት ከተማ መቐለ 28 ሰነ 2021 ዳግማይ ምስ ተቆጻጸርዎ እቲ ኵናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክልሕም ግዜ ኣይወሰደን።
ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ምስ ተቋጻጸርዋ፡ መንግስቲ ፌዴራል በይንኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት እኳ እንተኣወጀ እቶም ካብ ምክልኻል ናብ ናይ ምጥቃዕ ጸብለልታ ከምዝተሰጋገሩ ዝገለጹ ኣዝዝቲ ሰራዊትን ሓልፍቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ግን ኵናት ደው ንኽብል ቅድመ ኩነት ዝሓዙ ነጥብታት ብምቅማጥ ነቲ ኵናት ክቅልስዎ ጀሚሮም።
ገለ ክፋል ምዕራባዊ ክፋል ክልል ዓፋርን ሰፊሕ መሬት ሰሜን ክልል ኣምሓራን ብምቁጽጻር ኸኣ መሓውር ምቁጽጻሮም ክሳብ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላን ወልድያን ክዝርጋሕ ክኢሉ።
እቲ ኵናት ኪኖ ሓድሕድ ምክሳስ ዝግ ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኸኣ ጽባሕ ምምስራት ሓዲሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰፊሕ ኵናት ከምዝጀመረ ብኽልቲኦም ወገናት ክስማዕ ጀሚሩ።

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS
ውሃቢ ቃለ ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ ብ11 ጥቅምቲ 2021 ብትዊተር፡ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከፊትዎ ዘሎ ሓድሽ "ናይ መወዳእታ" መጥቃዕቲ ማሕበረሰብ ዓለም ደው ከብሎ ህወሓት ጻውዒቱ ከምዘቅርብ ገሊጹ።
በዚ መሰረት ኸኣ ሓዲሽን ሰፊሕን ኵናት ከምዝተጀመረ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
እቲ ኵናት፡ ''ብከበድቲ ብረታት፡ ታንክታት፡ ሮኬታት፡ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮናት]ን ነፈርቲ ውግእን" ዝተሰነየ ምዃኑ መግለጺታት ህወሓት ይጠቕሱ።
ብዛዕባ'ዚ ዝተባህለ መጠነ-ሰፊሕ ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ኣብ መጀመርታ ብወገን መንግስቲ ፌድራል ዝተዋህበ ሓበሬታ ኣይነበረን ። ብ15 ጥቅምቲ ግን ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ እቲ መዓልታት ኣቁጺሩ ዝነበረ ኵናት ህወሓት እዩ ጀሚርዊ ክብል መሊሱ ከሲሱ።
እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዕጡቓት ትግራይ ካብ ሰኑይ [11 ጥቅምቲ 2021 ] ጀሚሮም ብኹሉ ግንባራት ከቢድ ጉድኣት ይበጽሖም ኣሎ ይብል።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ኣቐዲሙ "ንመስመር ጅቡቲ ንምቁራጽን፡ ብወልቃይትን ጸገዴን መጥቃዕቲ ብምኽፋት ብሸነኽ ሱዳን መገዲ ንምኽፋት" ብዝብል ዕላማ ተደጋጋሚ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈጺሙ'ዩ" ይብል።
ሕጂ እቲ ኵናት ኣበይ'ዩ ዝካየድ ዘሎ?

እቲ ሕጂ መንግስቲ ፈዴራል [ምስ ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ካልኦት ክልላትን ብምዃን] ሰራዊት ህወሓትን 'ንስኹም ኢኹም ጀሚርክዎሞ፡ ንስኹም'ባ' እናተባሃሃሉ ዝካሰስሉ ዘለዉ ኵናት ኣብ ገለ ክፋል ደቡባዊ ምዕራብ ክልል ዓፋርን ሰሜናዊ ምብራቕ ክልል ኣምሓራን [ሰሜን ወሎ] እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ኣብቲ ከባቢ መስመር መራኸቢታት ብዘይምህላዉ ግን መን ኣበይ ዓሪዱ ኣሎ፡ መንከ በይን ይደፍእ ኣሎ ርግጽ ኮንካ ንምፍላጥ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ።
እንትርፎ ኣብ መጀመርታ ህወሓት ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ፡ እቲ ኩናት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከቡ፡ ገርገራ፡ ወገል ጤና፡ ወርጌሳን ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ዓፋር ኵናት ከምዘሎ ከምኡ'ውን ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ኣቐዲሙ "ንመስመር ጅቡቲ ንምቁራጽን፡ ብወልቃይትን ጸገዴን መጥቃዕቲ ብምኽፋት ብሸነኽ ሱዳን መገዲ ንምኽፋት" ብዝብል ዕላማ ተደጋጋሚ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈጺሙ'ዩ ዝብል መግለጺ ካብ ክልቲኦም ወገናት እቲ ኵናት ኣበየናይ ግንባር ይካየድ ከምዘሎ ዝተውሃበ ሓበሬታ የለን።
ብሓፈሻ ግን እቲ ኵናት ኣብቲ ንከተማ ወልድያ ምስ ከተማ ደሴ ዘራኽብ መስመርን ኣብተን ኣብቲ መስመር ዝርከባ ከተማታት መርሳ፡ ጎረዶ፡ ውጫልን ሃይቅን ብጻዕቂ ይካየድ ምህላዉ ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበሉ ሰባት ይገልጹ።
ካብዚ መስመር እዚ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ እትርከብ፡ ኣቐዲሞም ሓይልታት ህወሓት ኣብ ዝሓዝዋ ከተማ ላሊበላ'ውን ኣብ ከባቢኣ ከቢድ ምልውዋጥ ቶኵሲ ከምዘሎ ምንጭታት ይሕብሩ።
መስመር ወልድያ ደሴ፡ ንክልል ዓፋር ተጎዝጊኡ ዝርከብ መስመር እዩ፡ ካብዚ መስመር ንሸነኽ ምብራቕ ዝርከብ ወረዳ ጪፍራ ናይ ክልል ዓፋር'ውን ክልቶኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ኵናት ዘካይዱላ ዘለዉ ወረዳ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፤ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ብኣርባዕተ ግንባራት ተኸፊትዎም ዝነበረ መጥቃዕቲ ብምክልኻል ብፍላይ ንከተማ ጭፍራ ምቁጽጻሮም ኣፍሊጡ ነይሩ።
ብዛዕባ ምቁጽጻር እዛ ወሳኒት እተብሃለት ከተማ ዓፋር ጪፍራ፡ ካብ መንግስቲ ፌዴራል ኮነ ካብ ክልል ዓፋር ዝተብሃለ ነገር የለን።
ኣብታ ምስ ክልል ትግራይ እትዳወብ ወረዳ መጋሌ ናይ ክልል ዓፋር'ውን 'ውን ብተመሳሳሊ ምልውዋጥ ቶኵሲ ከምዘሎ ምንጭታት ይሕብሩ ።
ውሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ኣቶ ረዳ ትማሊ ምስ ቢቢሲ ፎኮስ ኦን ኣፍሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት እቲ ኵናት ካብ ከተማ ደሴ ንሸነኽ ሰሜን ይካየድ ከምዘሎ ብምሕባር ድሕሪ መዓልታት ናብታ ካብ ከተማ ደሴ ንሸነኽ ደቡባዊ ምብረቕ 21 ኪሎሜተር ርሒቓ ትርከብ ከተማ ኮምቦልቻ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ኣንፊቱ።
ውኪል ዜና ኣብ ኣመሪካ ዝመደበራ ሃገራዊት ራድዮ ኤምፒኣር ኣይዳ ወራልታ፡ ኣብ ኮምቦልቻ ኮይኑ ምስ ቢቢሲ ፎኮስ ኦን ኣፍሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ሓይልታተ ትግራይ ነተን ስተራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለወን ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ንምሓዝ ይፍትኑ ምህላዎምን ሰራዊት ፌድራልን ምስኡ ተላፊኖም ዘለዉ ሓይልታትን ኸኣ ኣብ ምክልኻለን ከምዝርከቡ ሓቢሩ።
ኣይዳ ወራልታ፡ ብመካይን ዝመልኡ ሰራዊት ፌዴራልን፡ ሴፍን ጌራዴን ካልእ መዋግኢ ንዋትን ዝተዓጥቁ ተወለድቲ እቲ ከባብን ብመካይን ተጻዒኖም ናብቲ ናይ ውግእ መስመር ከምርሑ ብዓይኑ ከምዝተዓዘበ ገሊጹ።
ብሰንኪ እዚ ሓዲሽ ዝተወለዐ ኵናት ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው

ምንጪ ስእሊ, Melaku Ambaw
ብተዛማዲ ንሒደት ሳምንታት ሃዲኡ ዝነበረ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ጠንቂ ምምዝባል ሰለማውያን ሰባት ኮይኑ ምህላዉ ሰብመዚ እተን ክልላት ንቢቢሲ ገሊጾም።
ካብ ዝሓለፉ ሰሙናት ጀሚሩ ውግኣት ዝካየደሎም ዘለዉ ኣብ ክልላት ኣምሓራ ኣብ ውጫለን ሃብሩን ዝነበሩ ዝነበሩ ሰለማውያን ሰባት፡ ናብ ደሴን ኮምበልቻን ከምዝሃደሙ ገሊጾም።
ቅድሚ ሕጂ ካብ ወልድያ፣ ሃይቅን ካልኦት ከባብታትን ዝተመዛበሉ ነበርቲ፡ ኣብ ከተማ ደሴ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ካልኦት ግዝያውያን መዕቆቢታትን ከምዝነበሩ ይግለጽ።
ኣብ ክልል ዓፋር ድማ ነበርቲ ወረዳታት ጭፍራን መጋሌን ከምዝተመዛበሉ ሰብመዚ እቲ ክልል ኣፍሊጦም።
"ደቂኣንስትዮ፣ ህጻናትን ኣረጋውያንን ሓዊሱ፡ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ኣስታት 500 ሽሕ ይግመት" ብምባል ምስ ቀጻሊ ዋሕዚ ተመዛበልቲ እቲ ቅኑዕ ቁጽሪ ከምዘይፈልጦ'ውን ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ድማ፤ ኣብ ከተማ መቐለ ብነፈርቲ ደብዳብ ከምዝተኻየደን ሰለስተ ህጻናት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው
ብሰንኪ እቲ ኣስታት ሓደ ዓመት ዝገበረ ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኵናት፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ናብ ሱዳን ከምዝተሰደዱ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ኣሽሓት ሞይቶም፣ ሚልየናት ንኽቱር ጥሜት ተቓሊዖም፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።
ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ተጻበዪ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ኮይኑ ከምዘሎ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።
ብውሕድ 400,000 ሰባት ናብ ዓጸቦ ብዝቀራረብ ጥሜት ይሰቐዩ ከምዘለዉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ሕብረተሰብ ዓለም፡ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ብዘይቅድመ ኩነት እቲ ኵናት ደው ብምባል ክላዘቡን፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ኩሉ መገድታት ብዘይገደብ ክኽፈቱን ብተደጋጋሚ ይጽውዑ ኣለዉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







