ሕቡራት ሃገራት ናብ ከተማ መቐለ ዝገብሮ በረራታት ከምዘቋረጾ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, The Ministry of Foreign Affairs of Ethiopia
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ከተማ መቐለ ዝገብሮ ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት በረራታት ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ከምዘቋረጾ ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል እቲ ውድብ ስቲፈን ዱጅሪክ፡ ትማሊ ዓርቢ 22 ጥቅምቲ ናብ መቐለ ዝተጉዓዘት ነፋሪት እቲ ውድብ ምዕላብ ስኢና ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምምላሳ እዩ፡ እቲ በረራታት ደው ክብል ከምዝተገበረ ዝሓበረ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዓርቢ ቅድሚ ቀትሪ ንራብዓይ መዓልቱ ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፋሪት ክፍጽም እንከሎ በዚ ድማ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ከምኡ’ውን ማእከል እዚ ምንባሩ ዝገለጾ ቦታታት ዕላማ ከም ዝገበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ሕወሃት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ግና እቲ ደብዳብ ኣብ ከባቢ መቐለ ዩኒቨርሰቲ ከምዝተፈጸመ ብትዊተር ገሊጹ።
ሕቡራት ሃገራት ነቲ ናብ መቐለ ዝግበሩ በረራታት ቅድሚ ምእጋዱ እታ 11 ገያሾ ዝሓዘት ነፋሪት ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ ናብ መቐለ እኳ እንተተጓዓዘት፡ ከይትዓልብ ስለዝተኸልከለት ናብቲ ዝተበገሰትሉ ክትምለስ ከምዝተገደደት እቲ ወሃቢ ቃል ምዝራቡ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
እቲ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት በረራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክብገስ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ተዋሂብዋ እኳ እንተነበረ፡ “ካብ ማእከል ምቁጽጻር በረራታት መቐለ፡ ከይትዓልብ ተሓቢራ” ኢሉ ስተፌን ዱጀሪክ።
እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ፡ እታ ኣብ መቐለ ከይትዓልብ ዝተኸልከለት ነፋሪት ሕቡራት ሃገራት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተመለሰት ብምሕባር እንታይ ከምዘጋጠመ “ብጥንቃቐ ክምርመር እዩ” ኢሉ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ንኣሶሽየትድ ፕረስ (ኤፒ) ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት በረራ ኣብቲ ስፍራ ምንባሩ ዝምልከቶም ሰበስልጣን ይፈልጡ ምንባሮም ብምግላጽ፡ እቲ ናይቲ ውድብን እቲ ወተሃደራውን በረራታት “ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ኣንፈትን እዩ ነይሩ” ኢሉ።
ኣብ መንጎ እተን ኣብቲ ዕለት ደብዳብ ዝፈጸማ ነፈርቲ ኲናትን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነፋሪትን ዝነበረ ኩነታት ብዝምልከት ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ ከም ዘየሎ ኤፒ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ድሕሪ እቲ ደብዳብ ነፋሪት ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ እታ ነፋሪት ሕቡራት ሃገራት ኣብ እትበረሉ ሰዓት እቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ነታ ነፋሪት ከምመጋገዪ ብምጥቃም ብጸረ ነፈርቲ ከም እትህረም ንምግባር ዝዓለመ ምንባሩ ከሲሱ።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ንደሓር ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምስፍሑ ስዒቡ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ምብጻሕ ኣጸጋሚ ኮይኑ ምህላው ዝገልጽ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድልዮም ይሕብር።
ተወሳኺ ብነፋሪት ዝግበር ሰብኣዊ ረድኤት ብመገዲ ኣዲስ ኣበባ ናብቲ ክልል ከምዝበጽሕ ይገብር እኳ እንተሎ ሕጂ’ውን እቲ በረራታት ምቁራጹ ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ጸገም ከምዝፈጥር ይግለጽ።
እቲ ሓደ ዓመት ክመልኦ ተቓሪቡ ዘሎ ኲናት ኣብዚ እዋን ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብከቢድ ኩነታት ክቕጽል እንከሎ፡ መንግስቲ ፌደራል ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ከተማ መቐለ ኣካዪዱ ኣሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







