ቅልውላው ትግራይ: ሓይልታት ትግራይ ሲቪላውያን ነፈርቲ ኣብ ኮምቦልቻ ከይዓልባ ኣጠንቂቖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን መላፍንቶምን ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብቲ ‘‘ኣብ ቀለበት ርሕቐት መድፍዕ ኣእቲናዮ’’ ዝበሉዎ መዓርፎ ነፍርቲ ኮምቦልቻ ሲቪላውያን ነፈርቲ ከይዓልባ ኣጠንቂቖም፡፡
እቲ ብሽም ‘ወታሃደራዊ ኮማንድ ፖስት ትግራይ’ ዝወጽአ መግለጺ ነበርቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ካብ ከባቢኦም ከይወጹን ከይፈናቐሉን እውን ጸዊዑ ኣሎ፡፡
ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ኣብ ግንባር ደሴ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ኩታበር እትርከበን ካብ ደሴ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝርከባ ከተማታት ካብ ኢድ ሓይልታት ፌደራል ከም ዝመንዝዑ ገሊጾም ኣለዉ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ዛጊድ ብዛዕባ ግሰጋሰ ሓይልታት ትግራይ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ የለን።
ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ምቁራጽ ተጻብኦታት እቲ ጸብጻብ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይተኻእለን ዘሎ።
ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓያሎ ከባቢታት ተቖጻጺሮም ዘለዉ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት መንግስትን ኣብ ደቡብ ወሎ ከቢድ ውግእ ክቕጽል ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሰብ መዚ ምምሕዳር ደቡብ ወሎ ነቶም ንገስጋስ ሓይልታት ትግራይ ንምዕጋት ናይ ክተት ጻውዒት ኣዊጆም ምንባሮም ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ኵናት ኣብቲ ንከተማ ወልድያ ምስ ከተማ ደሴ ዘራኽብ መስመርን ኣብተን ኣብቲ መስመር ዝርከባ ከተማታት መርሳ፡ ጎረዶ፣ ውጫልን ሃይቅን ብጻዕቂ ይካየድ ምህላዉ ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበሉ ሰባት ይገልጹ።
ካብዚ መስመር እዚ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ እትርከብ፡ ኣቐዲሞም ሓይልታት ህወሓት ብኣንፈት ከተማ ላሊበላ ኣብ ዘለዉ ከባቢታት ከቢድ ምልውዋጥ ቶኵሲ ከምዝነበረ ምንጭታት ይሕብሩ።
መስመር ወልድያ-ደሴ፡ ንክልል ዓፋር ተጎዝጊኡ ዝርከብ መስመር እዩ፡ ካብዚ መስመር ንሸነኽ ምብራቕ ዝርከብ ወረዳ ጭፍራ ናይ ክልል ዓፋር'ውን ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ኵናት ዘካይዱላ ዘለዉ ወረዳ እያ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ፡ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ምስ ሰራዊት ትግራይ ምትሕሓዝ ኣለዎም ኣብ ዝበሎም ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ የካይድ ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ፡፡
መራሕቲ ትግራይን መሰኻኽር ዓይንን ግና ደብዳብ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሰላማውያን ሰባትን ትካላት መሰረተ ልምዓትን ዒላማ ይገብራ ከም ዘለዋ ይኸሱ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝባን መሰቦ ኣብ እትርከብ ቁሸት ሓረና፣ ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ዓዲ ሓቂ፣ ከባቢ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግን ጥቓ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ነፈርቲ ኣርባዕተ ሰባት እንትሞቱ ብዙሓት ከምዝቖሰሉ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም፡፡
ብተመሳሳሊ ትማሊ ሰንበት፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ማይ ጸብርን ኣብ ከተማ ዓድዋ ዝርከብ ፋብሪካ ጨርቃ ጨርቂ ኣልመዳን ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕቲታ ከምዝፈጸመ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ጸብጺበን፡፡
ውደብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ናብታ ብኲናት ዝተሃሰየትን ኣማኢት ኣሻሓት አብ ጫፍ ዓጸቦ ዝርከቡላን ክልል ትግራይ ዝገብሮ ዝነበረ በረራታት ሰብኣዊ ረድኤት ደው ከምዘበለ ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡
ብሰንኪ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተጋፈሐ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ፡፡
ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝቖጻጸሩዎም ከባቢታት ሰሜን ወሎን ዋግ ኽምራን ምብጻሕ ከም ዘይከኣሉን ናይ ምግቢ ጸገም ክህሉ ከም ዝኽእልን ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና ምግብን ክልል ኣምሓራ ብወገኑ ኣፍሊጡ ነይሩ እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







