ባይቶ ኣመሪካ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ዘቕረቦ እማመ ኣጽዲቑ

ምንጪ ስእሊ, Congressmember Karen Bass/FB
ኣብቲ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ዝተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ዘቕረቦ እማመ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ኣጽዲቕዎ።
እዚ ተመሓይሹ ከምዝቐረበ ዝንገረሉ እማመ፡ እቲ ኲናት ፍታሕ ንምርካብ መንግስቲ 'ብዘይ ሕጊ ዝተኣሰሩ መራሕትን ደገፍትን ውድባት ተቓውሞ ከምኡ'ውን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ክፍትሑ" ይሓትት።
ብሰላማዊ መገዲ ምስ ዝንቀሳቐሱ ውድባት ፖለቲካ ሃገራዊ ዘተ ክካየድ'ውን ዝጠልብ'ዩ።
እቲ ዝጸደቐ ውሳነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብምኹናን፡ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካለት ውግእ ጠጠው ከብሉ፣ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩ፣ ከምኡ'ውን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ክሓልፍ ክፈቕዱ ይጠልብ።
ነቶም ዝተፈጸሙ ሰብኣዊ ግህሰት ብዘይሻራዊ ኣካል ክምርመሩ ክተሓባበሩ'ውን ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ።
ኣብቲ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ዝተኻደ ኲናት ትግራይ፡ ሰፊሕ ጾታዊ መጥቃዕታት፣ ጃምላዊ ቅትለት፣ ዝምታን ዕንወትን ከምዝተፈጸመ ጸብጻባት ዓለምለኸ ሚድያታት፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ዝርከብዎም ተሓለቕቲ ጉጅለታትን የመልክቱ።
እዚ 'ኤች-ኣር 445' ብዝብል ዝፍለጥ ውሳነ ብዝምልከት፡ ወካሊት ሓደ ኣብ ክፍለሃገር ካሊፎርንያ ዝርከብ ከባብን፡ ኣካቢት ናይቲ ኣካል ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ዝኾነ ንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ጥዕና ዓለምን ሰብኣዊ መሰላትን ካረን ባስን ሓሳብ ሂባትሉ።
እታ ነቲ እማመ ዝመርሐት ኣባል ኮንግረስ፡ ነዚ 'ብዓሌት፣ ብፖለቲካን ብታሪኽን ዝተሓላለኸ ጎንጺ ብሰላማዊ ድርድርን ልዝብን ፍታሕ ክረክብ ስለ ዝደሊ እየ" ክትብል ተዛሪባ።
"ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ሰራዊት [መንግስቲ] ግብረመልሲ ከምዝሃበ ብምጥቃስ፡ እቲ ግጭት ካልኦት ሓይልታት ዝኣተውዎ ከምዝኾነን፡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምልሓሙን ገሊጻ።
"ለውጢ ከይተገብረን፡ ኣብ ድርድር ዝተመስረተ ምቁራጽ ተጻብኦታት እንተዘይተኻዪዱን እቲ ኲናት ናብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር ክልሕም ከምዝኽእል ስግኣት ኣለኒ" ድማ ትብል።
እቲ እማመ፡ ኣብ መንጎ'ቶም ብሰራዊት መግስቲ ዝምርሑ ሓይልታትን ናይ ትግራይ ሓይልታትን ብህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ዝጽውዕ ምዃኑ'ውን እታ ኣባል ኮንግረስ ጠቒሳ።
"ጃምላዊ ቅትለት፡ ጾታዊን ጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕትታትን፡ ከምኡ'ውን ሰብኣዊ ረዲኤት ምዝማትን ዝርከብዎም ኣዝዮም ብዙሓት በደላትን ዘስካሕክሕ ተግባራትን ንዝፍጽሙ ናይ ኩሎም ወገናት ወተሃደራት፡ ተቓወምቲ ሓይልታትን ካልኦት ኣካላትን ይኹንን። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዘይሻራዊን ግሉጽን መርመራ ክግበር ክተሓባበር ይጽውዕ" ኢላ።
ብዘይካ'ዚ፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ምውጽኡ ከረጋግጹ ጻውዒት ኣቕሪባ።
"ህወሓት ህጻናት ወተሃደራት ምጥቃም ደው ከብልን ሓይልታቱ ካብ ክልል ኣምሓራ ከውጽእ፡ ምስቲ 'ሸኔ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዘለዎ ምትሕብባር ከቋርጽ ኣለዎ" ክትብል'ውን ተዛሪባ። ሓይልታት ትግራይ ግን ኣብቲ ኲናት ትሕቲ ዕድመ ቖልዑት ከም ዘየሰለፉ እዮም ዝገልጹ።
ነቶም ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ዝርከቡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ንምድሓን፡ ትካላት ረዲኤት ብቕልጡፍ ብዘይገደብ ደገፍ ከብጽሑ ክፍቀደሎም'ውን ጸዊዓ'ላ።
ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ንምግጣም ንመዓልቲ 100 መካይን ክኣትዋ ከምዘለወን ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይን መላፍንቶምን መካይን ረዲኤት ይኹና ጽዕነተን ክዘምቱ ኣይግባእን ብምባል፡ ተወሳኺ ረዲኤት ከመላልሳ ምእንታን ኩለን ረዲኤት ዘጓዓዕዛ መካይን ክኣትዋን ክወጻን ውሕስነት ክህቡ ተማሕጺና።
ኩሎም ወገናት ኣብ ምትሕልላፍ ሰብኣዊ ረዲኤት ዕንቅፋት ከምዘይኮኑ ብምግላጽ፡ ብዛዕባ'ቲ ትካላት ረዲኤት ዘቕርብዎ መረረታትን ምግሃስ መሰላትን ንሓድሕዶም ክካሰሱ ይስምዑ።
ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ብምጥላብ ንዘተ ሰላም ኣበርክቶ ክገብሩ ኣተባቢዓ።
"እዚ ግጭት እዚ ወተሃደራዊ ፍታሕ የብሉን ኢለ እኣምን። እታ ሃገር ካብቲ ዘሎ ብሄራዊ ወጥሪ ዝገደደ ጸገም ከጋጥማ ከምዝኽእል እሓስብ። ብዘይካ'ዚ ካብ ምምሕዳር ባይደን ዝመጽእ ናይ ማዕቀብ ሓደጋ ኣንጸላሊይዋ ኣሎ። ከምኡ'ውን እቲ ህውከት እንተቐጺሉ፡ ካብ ናይ 'ኣገዋ' ስምምዕ ክትወጽእ ከምእትኽእል ኣተሓሳሲቡኒ ኣሎ።
"እዚ ግጭትን ሰብኣዊ ሳዕቤናቱን፡ ኢትዮጵያ ናይታ ኣህጉር ዓንዲ ኮይና ናይ ምቕጻል ዓቕማ እናተባሕጎጔ ይኸይድ ብምህላዉ ክንቅይሮ ኣለና" ኢላ።
እቲ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝለሓመን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ሰፊሕ ምፍንቓል ብምስዓብ፡ ሚልዮናት ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ገይሩዎም ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ደቡብ ወሎ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕትታት ሓያሎ ኣገደስቲ ቦታታት ከምዝሓዙ ይገልጹ። መራኸቢታት ኣብቲ ዞባ ተቛሪጾም ብምህላዎም ነቲ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ'ውን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ዝትፈላለዩ ቦታት ክልል ትግራይ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ የካይድ ኣሎ። በቲ ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉን ከምዝቖሰሉን ጸብጻባት ይገልጹ። ኣብ ንብረትን ትሕተ-ቅርጽን'ውን ዕንወት ከምዝወረደ መራሕቲ ህወሓት ይገልጹ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







