ቅልውላው ትግራይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ መብርሂ ክህብ ተሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, HOPR
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዝካየድ ዘሎ ኵናት መብርሂ ክህብ ኣባላት ሰልፊ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ [ኢዜማ] ሓቲቶም።
መንግስቲ፡ ነዚ ካብ ዝጅመር ኣስታት ሓደ ዓመት ቀሪብዎ ዘሎ ኵናት መዓስ ዕልባት ረኺቡ፡ ዜጋታት ናብ ንቡር ናብርኦም ከምዝምለሱ ከፍለጥ ኣርባዕተ ኣባለት ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ሓቲቶም።
ናብ ኣፈጉባኤ እዚ ሓዲሽ ዝቖመ ቤት ምኽሪ ሕቶኦም ዘቕረቡ ኣባላት ሰልፊ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ [ኢዜማ]፡ እቲ ሕቶኦም ህጹጽ መልሲ ዝጥልብ ስለዝኾነ ናይ ኮልኦት ተመሳሳሊ ሕቶ ክህልዎም ዝኽእል ኣባላት ቤት ምኽሪ ከካትቱ ከምዘይክኣሉ ሓደ ካብ ጸሓፍቲ እቲ ደብዳበ ዝኾነ ዶክተር ኣብርሃም ደስታ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ንሃለዋት ኢትዮጵያ ናብ ሓደጋ ኣቃሊዕዎ ኣሎ ዝብልዎ ኵናት፡ ነባሪ ፍታሕ ክግበረሉን እቶም በቲ ኵናት ዝተጎድኡ ዳግማይ ንኽጣየሱን መንግስቲ ዝገበሮ ተበግሶታት እንተሃልዩ ኣብ ቅድሚ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ መብርሂ ክህብ ኣብቲ ደብዳበ ሰፊሩ ኣሎ።
እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ፡ መንግስቲ ሰራዊቱ ካብ ክልል ትግራይ ምስ ኣውጽአ እቲ ኵናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከምዝልሓም ብምግላጽ "ብዘይካ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሰብ ሰላሙ ምስኣኑ፡ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝነብሩ ዜጋታት ክሞቱ፡ ክፈቐሉን ትሕተ ቅርጺ ንኽዓኑን" ምኽንያት ከምዝኾነ ገሊጾም።
እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝጽሓፍዎ ደብዳበ፡ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ እቲ ኵናት ካብ ሰሜን ወሎ ናብ ደቡብ ወሎ ኣስፋሕፊሑ ሓደጋ የብጽሕ ከምዘሎ ገሊጾም።
እዚ ዘሎ ኵናት ንኢትዮጵያ ናብ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ ዝበሉ ኣዞም ኣባላት ኢዜማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ፊት ቤት ምኽሪ ቀሪቡ "እቲ ኵናት መዓስ ከምዝውዳእ ከምኡ'ውን እቶም ብሰንኪ እዚ ኵናት ተፈናቂሎምን ተጸልዮምን ዘለዉ ህዝቢ ናብ ንቡር ስርሖም ንኽምለሱ መንግስቲ እንታይ ይገብር ከምዘሎ ከብርህ ንጽውዕ" ኢሎም።
እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 22 ጥቅምቲ 2021 [12 ጥቅመቲ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ] ናብ ቤት ጽሕፈት ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝተረከበ ደብዳብ፡ እቲ ኲናት ብዝምለከት ጥራይ ሕቶታት ከምዘቕረበ ዶክተር ኣብርሃም ደስታ ገሊጹ።
ዶክተር ኣብርሃም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቅድሚ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ መብርሂ ክህብ ዘቕረብዎ ሕቶ ናይ ቤት ምኽሪ ሕጋጋት ዝተኸተለን ግቡእን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ ሰሙን ወይ ኣብ ዝቅጽል ሰሙን እወታዊ መልሲ ከምዝረኽቡ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓኾን ኵናት፡ ሓደ ዓመት ክገብር ሰሙናት ጥራይ ተሪፍዎ ኣሎ።
ኵናት ትግራይ ጠንቂ ሞት ኣሽሓት፡ ሚልዮናት ክመዛበሉን ልዕሊ 6 ሚልዮን ሰባት ተፀበይቲ ህጹጽ ረድኤትን ክኾኑ ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ።
ኣብ ትግራይ ጥራይ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ኩነታት ዓጸቦ ከምዝርከብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







