ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ተዓጊቶም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ኩባንያ ዕደና ወርቂ ናጻ ተለቒቆም

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝርከብ ቱሉ ኬፒ ንዝተብሃለ ዕደና ወርቂ ዝተዋፈረ ኩባንያ ዝሰርሑ ኣርባዕተ ውልቀ ሰባት ንሰሙናት ተዓጊቶም ድሕሪ ምጽናሕ ነጻ ከምዝተለቐቑ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ቢቢሲ ካብቶም ኣርባዕተ ተዓጊቶም ዝነበሩ ወጻዕተኛታት ዝርከብዎም ከምዝኾነ ሓበሬታ'ኳ እንተረኸበ፡ እቲ ኩባንያ "ንሰራሕተኛታቱ ብማዕረ ዝርኢ" ብምዃኑ ብዛዕባ እዚ ፈልዩ ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ገሊጹ።
ሰራሕተኛታት እቲ ኩባንያ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ዝተዓግቱ ኮይኖም፡ መንነት እቶም ፈጸምቲ'ቲ ተግባር ዛጊድ ኣይተፈልጠን።
ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ፡ መንግስቲ ኦነግ-ሸኔ እናበለ ዝጽወዖን ብግብረ ሽበራዊ ዝበየኖን፡ ንሱ ንባዕሉ ግንባር ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ እናበለ ዝጽውዕ ውድብ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ ቅድም ክብል ሓቢሩ እዩ።
እቲ ኩባንያ ብዝኮነ ምክንያት ኣብ ቀይዲ ዘውዐሎም ዜጋታት እንትህልዉ፡ 'ንዝምልከቶም ኢምባሲታት ከምዘፍልጥን ድሕነቶም ተሓልዩ ናብ ኣዶም ከምዘርክብን' ወሃቢ ቃል እቲ ጉጅለ ንቢቢሲ ብጽሑፍ ዝሃቦ ምላሽ የመልክት።
እቲ ኩባንያ በዚ ፍጻመ ምክንያት ስርሑ ጠጠው ኣቢሉ ምጽንሑ ይዝከር።
ገለ ምንጭታት ቢቢሲ ከምዝገለጽዎ፤ ሓደ ካብቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ኣብቲ ወርቂ ዝወጽአሉ ስፍራ እዩ ተታሒዙ።
እቲ ኩባንያ ሕዚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከምዝሓበሮ ድማ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ጅሆ ዝተትሓዙ ንምዕዳን እቲ ወርቂ ዘገልግሉ መገድታት ኣብ ምሕንጻጽ እንከለዉ እዩ።
ብዛዕባ እቶም ዝተዓግቱ ውልቀሰባት መንነትን ኩነታት ኣተሓሕዘኦምን፡ ዘይተገልጸ ኾይኑ፡ ብሰላም ምስ ስድረኦም ምርኻቦም ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።
ቅድም ኢሉ፤ ዋና ሓላፊ እቲ ኩባንያ፡ ሃሪ ኣናግኖስታራስ-አዳምስን፡ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ካብ ቢቢሲ ተሓቲቱ፡ 'ናይ ጸጥታ ስግኣት' ካብ ምባል ወጻኢ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ነይሩ።
እቲ ኩባንያ ካብ 19 መስከረም 2014 ዓ.ም [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ፡ 'እቲ ኩነታት ጸጥታ ክሳብ ዝመሓየሽ' ብዝብል በቲ ዕገታ ምኽንያት ስርሑ ጠጠው ኣቢሉ ምጽንሑ እቲ ሓላፊ ሓቢሩ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ሚኒስተር መዓድን ኢትዮጵያ፡ ናይ ቱሉ ኬፒ ላዕለዋይ ኩባንያ ንዝኾነ ኩባንያ ዕደና ኬፊ ፍቓድ ኣይነሐድስን ከምዝበሎ ሓደ ናይ ውሽጢ ዓዲ መራኸቢ ብዙሃን ጸብጺቡ።
እቲ ጸብጻብ ከምዝበሎ፤ እቲ ኩነታት ጸጥታ ተማሒሹ እናሃለወ ስርሑ ኣቋሪጹ ምጽንሑን ፍቃዱ ክናወሓሉ ምሕታቱን ተቐባልነት ከምዘይረኸበ እዩ ዘመልክት።
እቲ ፕሮጀክት ስራሕ ንክጅምር 350 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝገበረን፤ ኩነታት ተዓርዮም ንክጅምር ድልው ምዃኑን፡ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ኣታዊ ክረክብ ከምዝጅምር ምዃኑ ወሲኹ ተዛሪቡ።
ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት እቲ ኩባንያ ናብ ስራሕ ዝምለሰሉ ጸብጻብ ከቕርብ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።
እቲ ዕድና ወርቂ ብዝምልከት፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተፈረመ ስምምዕ መሰረት፡ ንዝቕጽል 20 ዓመታት ናይ ስራሕ ውዕል ይርከቦ።
እቲ ኩባንያ ከምዝብሎ ሕዚ ኣብ ከባቢ እቲ ናይ ዕደና ቦታ፡ ገዚፍ ናይ ወርቂን ካልእ ማዕድንን ውህሉል ሃብቲ ይርክበ።
ቅድሚ ሕዚ ዕጡቓት ኦነግ -ሸኔ፤ ክልተ ኣብ ሓደ ኩባንያ ዕደና ዝሰርሑ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ኣብ ቀይዲ ኣውዒሎም ምንባሮም ምግላጾም ይዝከር።
ብተመሳሳሊ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉዎም ዝነበረ፡ ኣብቲ ዓውዲ ንዝተዋፈረ ኩባንያ ዝሰርሑ ቻይናውያን፡ ነቲ ዓለም ለኸ ኩባንያ ዕደና ከምዘረከቡ ምጽብጻብና ዝዝከር እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







