ቅልውላው ትግራይ፡ ኲናት ንኸብቅዕ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምዘድልይ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ

ሓላፊ ዓለምለኸ ትካል ቀይሕ መስቀል (ኣይ ሲ ኣር ሲ) ፒተር ማውረር ኲናት ትግራይ ብፖለቲካዊ ልዝብ ፍታሕ ክግበረሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተላብዐን ኣብዚ እዋን ድማ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ስትራቴጂያዊት ከተማ ደሴ ብኸቢድ ዝካየድ ዘሎን ኲናት ስዒቡ'ዩ እቲ ሓላፊ ነዚ ጻውዒት ኣቕሪቡ ዘሎ።
ምስ ቢቢሲ ቃለ-መሕትት ዘካየደ ፒተር ማውረር፤ እቲ ሓደ ዓመት ክመልኦ ቀሪቡ ዘሎ ቅልውላው እናብኣሰ ይመጽእ ምህላዉም ረድኤት ዘድልዮም ሰባት መዓልታዊ ቁጽሮም ይውስኽ ከምዘሎን ሓቢሩ።
"ኣብዚ እዋን ዝኾነ ዝረኣይ ዋግዋጎ ተስፋ የለን። ናብቶም ኣብቲ ኲናት ዝዋስኡ ዘለዉ ኣካላት ዝቐረብ መልእኽቲ ዝቐየር ኣይኮነን። ካብቲ ኲናት ከውጽእ ዝኽእል ፖለቲካዊ ፍታሕ ምምጻእ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ወሲኹ ድማ "እቲ ኲናት ዋላ ጽባሕ ደው እንተይሉ'ውን ብዙሕ ረድኤት ዝጽበዩ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተፈናቐልቲ ዜጋታት ክህልዉና እዮም" ኢሉ።
እቲ ኣብዚ እዋን ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓዝዎ ከባብታት ክልል ኣምሓራ እናኸበደ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት፡ ንቑጽሪ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ብዝለዓለ መጠን ክብ ከብሎ ከምዝኽእል ዘጠንቀቐ ሓላፊ ዓለምለኸ ትካል ቀይሕ መስቀል፡ ነቶም ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ምብጻሕ ድማ ኣጸጋሚ ከውኸውን ከምዝኽእል ኣረዲኡ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ደሴ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተፈናቐሉ ይግለጽ።
ኲናት ኣብ ጥቓ ደሴን ኮምቦልቻን
ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን መላፍንቶምን ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብቲ ‘‘ኣብ ቀለበት ርሕቐት መድፍዕ ኣእቲናዮ’’ ዝበሉዎ መዓርፎ ነፍርቲ ኮምቦልቻ ሲቪላውያን ነፈርቲ ከይዓልባ ከምዘጠንቀቑ ይዝከር።
እቲ ብሽም ‘ወታሃደራዊ ኮማንድ ፖስት ትግራይ’ ዝወጽአ መግለጺ ነበርቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ካብ ከባቢኦም ከይወጹኡን ከይፈናቐሉን'ውን ጸዊዑ ነይሩ።
ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ኣብ ግንባር ደሴ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ኩታበር እትርከበን ካብ ደሴ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝርከባ ከተማታት ካብ ኢድ ሓይልታት ፌደራል ከም ዝመንዝዑ'ዮም ዝገልጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ዛጊድ ብዛዕባ ግሰጋሰ ሓይልታት ትግራይ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ የለን።

ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓያሎ ከባቢታት ተቖጻጺሮም ዘለዉ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት መንግስትን ኣብ ደቡብ ወሎ ከቢድ ውግእ ክቕጽል ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሰብ መዚ ምምሕዳር ደቡብ ወሎ ነቶም ንገስጋስ ሓይልታት ትግራይ ንምዕጋት ናይ ክተት ጻውዒት ኣዊጆም ምንባሮም ድማ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ኵናት ኣብቲ ንከተማ ወልድያ ምስ ከተማ ደሴ ዘራኽብ መስመርን ኣብተን ኣብቲ መስመር ዝርከባ ከተማታት መርሳ፡ ጎረዶ፣ ውጫልን ሃይቅን ብጻዕቂ ይካየድ ምህላዉ ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበሉ ሰባት ይገልጹ።
ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ትግራይ
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ 18 ጥቅምቲ 2021 ጀሚሩ፡ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ምስ ሰራዊት ትግራይ ምትሕሓዝ ኣለዎም ኣብ ዝበሎም ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ምክያድ ይርከብ።
መራሕቲ ትግራይን መሰኻኽር ዓይንን ግና ደብዳብ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሰላማውያን ሰባትን ትካላት መሰረተ ልምዓትን ዒላማ ይገብራ ከም ዘለዋ ይኸሱ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝባን መሰቦ ኣብ እትርከብ ቁሸት ሓረና፣ ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ዓዲ ሓቂ፣ ከባቢ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግን ጥቓ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ነፈርቲ ኣርባዕተ ሰባት እንትሞቱ ብዙሓት ከምዝቖሰሉ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም፡፡
ብተመሳሳሊ ብሰንበት፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ማይ ጸብርን ኣብ ከተማ ዓድዋ ዝርከብ ፋብሪካ ጨርቃ ጨርቂ ኣልመዳን ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕቲታ ከምዝፈጸመ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ጸብጺበን፡፡
ውደብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ናብታ ብኲናት ዝተሃሰየትን ኣማኢት ኣሻሓት አብ ጫፍ ዓጸቦ ዝርከቡላን ክልል ትግራይ ዝገብሮ ዝነበረ በረራታት ሰብኣዊ ረድኤት ደው ከምዘበለ ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡
ብሰንኪ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተጋፈሐ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ፡፡
ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝቖጻጸሩዎም ከባቢታት ሰሜን ወሎን ዋግ ኽምራን ምብጻሕ ከም ዘይከኣሉን ናይ ምግቢ ጸገም ክህሉ ከም ዝኽእልን ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና ምግብን ክልል ኣምሓራ ብወገኑ ኣፍሊጡ ነይሩ እዩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







