ቅልውላው ትግራይ፡ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት በጺሑ

መቐለ ደብዳብ

ምንጪ ስእሊ, GHG

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ 18 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዘካየደ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ፋና ከምኡ'ውን መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣብታ ከተማ ዝርከብ "ካልእ ክፋል መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግ'ዩ ተፈጺሙ" ክብል እቲ ማዕከን ዜና ይገልጽ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝኾነ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ሓሙስ ኣብታ ከተማ ደብዳብ ከምዘኻየደ ኣረጋጊጹ።

"ኣባላት ክልተ ምሉኣት ስድራቤታት ካብቶም ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን እዮም" ዝበለ ጌታቸው፡ እተን ነፈርቲ ውግእ ኣብቲ መንበሪ ኣባይቲ ዘለዎ ከባቢ ደብዲበን ኢሉ።

መንግስቲ ግን ዒላማ ናይቲ ደብዳብ "ህወሓት ወተሃደራዊ ኣጽዋር ዝጽግነሉ" ትካል ምንባሩ'ዩ ዝገልጽ።

ክልላዊ ቴሌቪዥን ትግራይ ብወገና እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ምምሕዳር ክፍለ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ 05 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቀበሌ ከም ዝተፈጸመን ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይትን ሰላማውያን ሰባትን ጉድኣት ከም ዘብጽሐ ጸብጺባ።

ኣተሓባባሪ ክፍሊ ሃንደበታዊ ሓደጋ ሆስፒታል ዓይደር ነርስ ኣበበ ሃፍቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ጣብያ ኢንዳስትሪ ኣብ ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝተፈጸመ ሓቢሩ።

በዚ ምኽንያት 27 ሰባት ቖሲሎም ሽዱሽተ ድማ ሞይቶም ኢሉ። ካብ መንጎ እቶም ዝሞቱ 2 ህፃናት ይርከብዎም።

ሓንቲ ግዳይ ናይቲ ደብዳብ ሕክምና እናተገብረላ

ምንጪ ስእሊ, AC

እቲ ከባቢ ብልሙድ ቀበሌ 05 ዝበሃል ኮይኑ፡ "ዝኾነ ዓይነት ወታደራዊ ምንቅስቓስ ዘይነበሮ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ ግፍዓዊ ደብዳብ እዩ" ክብል ነርስ ኣበበ ገሊጹ። ኣብቲ ብተለቪዥን ትግራይ ዝቐረበ ጸብጻብ ንምርኣዩ ዘጸግም ሬሳታት ግዳያት ይርአ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓገዝቶምን ከቢድ ውግእ የካይዱ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ የካይዱ ኣለዉ።

እቶም ደብዳባት ነፈርቲ ወተሃደራዊ ዒላማታት ሰራዊት ትግራይ ዒላማ ዝገበሩ ከም ዝኾኑ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገልጽ።

መራሕቲ ትግራይን መሰኻኽር ዓይንን ግና እቶም መጥቃዕቲታት ሰላማውያን ሰባት ዝነበሩሎም ከባቢታትን ህዝቢ ዝግልገለሎም ትካላት መሰረተ ልምዓትን ዒላማ ዝገበሩ እዮም ክብሉ ይኸሱ፡፡

ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ

ምንጪ ስእሊ, Tigray TV

ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ከተማ መቐለ ውጽእ ኢላ ኣብ ዝባን መሰቦ ኣብ እትርከብ ቁሸት ሓረና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከም ዝቐተሉ ተገሊጹ ነይሩ፡፡

ቀጺሉ ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ዓዲ ሓቅን መስፍን ኢንዳሰትርያል ኢንጀነሪንግን ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ብዙሓት ቖሲሎም'ዮም።

ሓደ ካብኦም ብዝበጸሖ ጉድኣት ኣብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ክሕከም ዝጸንሐ ሓደ ሰራሕተኛ ከም ዝሞተን ትማሊ ድማ ኣስክሬን ካልእ ሰራሕተኛ እቲ ትካል ተጸቒጡ ከም ዝተረኸበን ቴሌቪዠን ትግራይ ጸብጺባ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት እውን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማታት ዓድዋን ማይ ጸብርን ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዘካየደ ገሊጹ እዩ፡፡

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ናብታ ብኣማኢት ኣሻሓት ኣብ ጫፍ ዓጸቦ ዝርከቡላ ክልል ዘካይዶም በረራታት ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ከም ዘበለ ይዝከር።

ብካልእ ዜና ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ኣብ ግንባር ደቡብ ወሎን ካልኦት ግንባራትን ከቢድ ውግእ የካይዱ ከም ዘለዉ ይግለጽ፡፡