ቅልውላው ትግራይ፡ ፌስቡክ- 'ጎነጽ ዘለዓዕል' ዝበሎ ጽሑፍ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣልዩ

ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቅልውላው ትግራይ፡ ፌስቡክ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፤ ዜጋታት፡ 'ህወሓት ንምቕባር’ ክለዓሉ ዘቕረቦ ዘነዓዕብ ፃውዒት ኣልዩ።

ፌስቡክ፡ ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተለጠፈ 'ዓመጽ ዘላዕል' ዝበሎ ልጣፍ (ፖስት) ንፖሊስታት እቲ ትካል ዝጥሕስ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።

ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ግስጋሰ ሓይልታት ትግራይ ንምግታእን ንምቕባርን፡ ህዝቢ ካልኦት ዕማማቱ ገዲፉ ዝኾነ ዓይነት ዕጥቅን ዓቕምን ክቃለስ ፀዊዑ’ዩ።

ሓይልታት ትግራይ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ምቁፅፃሮም ስዒቡ’ዩ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እዚ ናይ ክተት ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ሓይልታት ትግራይ፡ ኣንፃር ሰራዊት ኢትዮጵያን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወጊኖም ኣብ ኵናት ትግራይ ንዝተሳተፉ ሰራዊት ኤርትራ፣ ፍሉይ ሓይሊ፡ ምልሻን ፋኖን ኣምሓራን፡ ንሓደ ዓመት ክቃለሱ ዝፀንሑ እንትኾኑ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ድማ ቁልፊ ከተማታት ተቖፃፂሮም’ዮም።

ፌስቡክ፡ መረብኡ ማእኸል ዓመፅ ዝቕስቅሱ ልጣፋት ንከይኾኑ ንምቁፅፃር ብዘይምስርሑ ክንቀፍ ፀኒሑ’ዩ።

ኣብዪ ኣሕመድ ኣብቲ ኣብ መረባ ፌስቡኩ ዘውፀኦ ልጣፍ ፡ "ግስጋሰ ሓይልታት ትግራይ ነታ ሃገር ናብ ሞት እዩ ዝደፍኣ ዘሎ። ህዝቢ ንግዝኡ ካልኦት ጉዳያቱ ገዲፉ እቲ ንጥፍኣት ዝመፅአ ኣሸባሪ ህወሓት ንምቕባር ዝኾነ ዓይነት ዕጥቅን ዓቕምን ሒዙ ብሕጋዊ ኣወዳድባ ክቃለስ ይግባእ" ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ፌስቡክ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዘውፅኦ ፅሑፍ ኣመልኪቱ፡ ፌስቡክ ጥቆማ ምስበፅሖ፡ ነቲ ልጣፍ ከምዝኣለይዎ ንቢቢሲ ገሊፁ።

“ብቐዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዝተለጠፈ ንፖሊስታትና ዝጥሕስ፡ ናዕቢ ዘለዓዕልን ዝድግፍን ልጣፍ (ፖስት) ኣሊናዮ ኣለና” ኢሉ።

ትካሎም ሜታ ናይ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብዘየገድስ፡ መምርሕታትን ሕግታትን ማሕበረሰብ ዝጥሕሱ ትሕዝቶታት ከምዝኣልይ ድማ ኣፈኛ እቲ ትካል ሓቢሩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ፌስቡክ ልሒኹ ዝወፅአ ሰነድ፡ እቲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ጎንፂ ብምቕስቃስን ውሑዳት ብሄራት ንምጥቃዕን ኣብ ረብሓ ከምዝወዓለ ኣቃሊዑ ኔሩ።

ነዚ ሚስጥራዊ ሰነድ ኣብ ሰኔት ኣሜሪካ ቀሪባ ዘቃለዐት ሰራሕተኛ እቲ ትካል ዝነበረት ፍራንሲስ ሃውጌን፡ንኢትዮጵያ ከም ኣብነት ብምልዓል፡ “ፌስቡክ ንዓሌታዊ ጎንፅታት ብቐጥታ የቀፃፅል ኣሎ” ኢላ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ኵናት ትግራይ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ተቐቲሎም፣ ሚልየናት ተመዛቢሎም፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ድማ፡ ኣብ ኣፍ ዓፀቦ ይርከቡ ምባሉ ይፍለጥ።

ኵናት ትግራይ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክውሰድ ምስኣዘዘ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 4 ሕዳር እዩ ተወሊዑ።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ እዚ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ “እዚ ሰሜን ንዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ምላሽ” ከምዝኾነ እዩ ዝገልፅ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህወሓት “ኣሸባሪ ጉጅለ” ብምባል እኳ እንተሰየሞ፡ ህወሓት ግና ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ ምዃኑ ይገልፅ።