ኣብ ትግራይ ገበናት ኲናት ተፈጺሞም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP VIA GETTY IMAGES
ኩሎም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ኣካላት ግህሰት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ብምግላጽ ገሊኦም ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ክብል ሓድሽ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
እቲ ብምትሕብባር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ዝተኻየደ መጽናዕቲ መረዳእታታት ገበናት ኲናት'ውን ረኺበ ይብል።
እቲ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 4 ሕዳር 2020 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ከም ዝተጀመረ ይፍለጥ። ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ስጉምቲ ክውሰድ ወተሃደራዊ መምርሒ ምሃቡ ይዝከር።
ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቻሌት እቲ ጎንጺ ከቢድ ጭካነ ዝተርኣዮ'ዩ ብምባል ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር ጸዊዓ።
ኣካል ናይቲ ኲናት ዝኾኑ መራሕቲ ትግራይ፡ ኤርትራን ፈደራላዊ መንግስቲን ነቲ ዝወጸ ጸብጻብ ዘለዎም ተቓውሞን ነቐፌታታትን ገሊጾ ምኣለዉ።
እቲ ጸብጻብ፡ ዘይሕጋዊ ቕትለትን ጃምላዊ ቕትለትን፣ ምስቓይ፣ ጾታውን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ሓዊሱ ከበድቲ ዝርዝራት ግህሰታትን መጥቃዕታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታትን ከምኡ'ውን ግዱድ ምፍንቓል ሰላማውያን ሰባት ዝሓዘ እዩ።
"ኩሎም ኣብቲ ጎንጺ ዝተሳተፉ ኣካላት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ንብረትን መጥቃዕቲ [ከም ኣባይቲ፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሆስፒታላትን ትካላት እምነትን] ፈጺሞም ወይ ብዘይኣፈላላይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ንብረቶምን ጉድኣት ዘብጽሕ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ዘተኣማምን ነገር ኣሎ" ክብል እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
ኣብዚ፡ ዘይሕጋዊ ወይ ጃምላዊ ቕትለታትን ከም ዝተፈጸሙ ተመዝጊቡ ኣሎ።
'ሳምሪ' ብዝብል ዝፍለጥ ጉጅለ ተጋሩ መናእሰይ፡ ልዕሊ 200 ኣብ ማይካድራ ዝነበሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ከም ዝቐተሉ ብምግላጽ፡ ኣብታ ከተማ ናይዚ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ መጥቃዕቲ ቅትለት ከም ዝተፈጸመ ይገልጽ።
ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ድማ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ልዕሊ 100 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ሓቢሩ ኣሎ።
"ኣብቲ ጎንጺ ቀጥታዊ ተሳትፎ ዘይብሎም ሰባት በቶም ኣብቲ ጎንጺ ዝተሳተፉ ኣካላት ስለ ዝተቐትሉ ገበናት ኲናት ተፈጺሞም ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም" ክብል እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ኲናት ብጉጅለ ዝርከቦም ጾታዊ ዓመጻት ተፈጺሞም'ዮም ብምባል መንግስቲ ኢትዮጵያ "ነዞም ክስታት ብናጻ ኣካል ዘይሻራዊ ምጽራይ ብምክያድ ገበነኛታት ተሓተትቲ ክገብር" ጸዊዑ።
ግብረመልሲ እቶም ወገናት
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰተር ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ረፋድ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ "ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን ኮይንኩም ዝሰራሕኽምዎ ሞያውን ተኣማንን መርመራ ሰብኣዊ ሰብኣዊ መሰላት ከድንቕ ይፎቱ" ክብል ንሰራሕተኛታት ክልቲኦም ትካት ኣመስጊኑ።
እቲ ብስም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ዝወጽአ ምላሽ፡ ወሲኹ ድማ፡ "ገለ ዘይንቕበሎ ክፋል እንተሎ'ኳ፡ ኣብ ቀጻሊ ንዝተበደሉ ፍትሒ ክረኽቡን ገበነኛታት ተሓተትቲ ንምግባርን ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ፡ እቲ ጸብጻብ ኣዝዩ ጠቓሚ ሰነድ ኮይኑ ከገልግል እዩ" ይብል።
መራሕቲ ትግራይ ብወገን 'ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ' ኣቢሎም ኣብ ዝሃበዎ መግለጺ እቲ ጸብጻብ ብዙሓት ጸገማት ከምዘለዉዎ ብምሕባር ተቓዊሞምዎ፡፡
እቲ ምርመራ ንኹሎም ግፍዒ ዝተፈጸመሎም ከባቢታት ዘይሸፈነ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ ንኹሎም ወገናት ዘይምስታፉ እውን ካልእ ጸገም ከምዝኾነ ጠቒሱ፡፡
''ንመንግስቲ ትግራይ ንምርካብ ዝተገበረ ጻዕሪ የለን፤ ኣብ ከም ናይ ማይ ካድራ ዝበሉ ከባቢታት እውን ንኹሉ እቲ ሰብመዚ ኣምሓራ ዝተዛረብዎ ጥራሕ ዝወሰደ እዩ'' ኢሉ፡፡
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብቶም ምርመራታት ምስታፉ ከም ተወሳኺ ጸገም ዘቐመጠ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ፡ እዚ ንመትከል ዘይሻራውነት ከምዝጻባእ እውን ሓቢሩ፡፡
ኤርትራ ብወገና ኣብ ዝሃበቶ ግብረመልሲ፡ ዘይሻራዊነትን ሕጋውነትን ናይቲ መጽናዕቲ ኣብ ምልክት ሕቶ ብምእታው፡ እቲ ጸብጻብ "ተቐባልነት የብሉን" ክትብል ተቓዊማቶ'ላ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ብዛዕባ "ጃምላዊ ቅትለት ኣክሱም" ዝወጸ ጸብጻብ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ እናተቐያየረ ዝመጸ'ዩ ብምባል ኣብቲ ጸብጻብ ወጺኡ ዘሎ "መደምደምታ ክቐውም ዘይክእል'ዩ"ኢሉ። ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ ግን የለን።
ንጉዳይ ጾታዊ ዓመጽ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ'ውን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ንደቂ-ተባዕትዮን ቆልዑን ከይተረፈ ዕርቃኖም ብምውጻእ ይላገጽሎም ነይሮም ዝብል ጸብጻብ "ባዕዳዊ" ባህሊ'ዩ ክብል ብትሪ ተቓዊሙ።
"ከምዚ ዝበለ ኣረሜናዊ ተግባራት ንባህሊን ልምድን ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ንመትከላትን ክብርታትን ሓይልታት ምክልኻል ባዕዳዊ እዩ" ይብል እቲ መግለጺ።
ሓይልታት ኤርትራ ስደተኛታት ቀቲሎም ንዝብል ክሲ'ውን "ውጹእ ሓሶት'ዩ" ክብል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ነጺግዎ'ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ኣብጺሖም ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ መምርሒ ሂቡ።
እዚ፡ ብድሕሪ እቲ ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ህወሓትን መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድን ንኣዋርሕ ክርኣይ ዝጸንሐ ወጥርን ፖለቲካዊ ዘይምቅዳውን ዝስዓበ እዩ።
እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህወሓት ኣብ መዝገብ ሽበራ ብምስፋር ምስ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ዝኾነ ዓይነት ልዝብ ከም ዘይካየድ ኣፍሊጡ።
ድሕሪ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝልሓመ እዚ ኲናት፡ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብዝተጀመረ ሓድሽ መጥቃዕቲ ሓይልታት ትግራይ ንደሴን ኮምቦልቻን ዝኣመሰላ ስትራቴጂካዊ ከተማታት ኣምሓራ ክቆጻጸሩን ክደፍኡን ክኢሎም።
በዚ ምኽንያት ኣብዪ ኣሕመድ ግስጋሰ እዚ ሓይሊ ንምዕጋት ኩሉ ሰብ ዝኾነ ዓይነት 'ዕጥቅን ዓቕምን' ሒዙ ክኸትት ጸዊዑ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







