ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ 'ጃምላዊ ማእሰርቲ ይፍጸመና ኣሎ' ኢሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ሰሙን፡ ኣካላት ጸጥታ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓድሽ ስጉምቲ ጃምላዊ ማእሰርትን ተፍትሽ ገዛ ንገዛን የካይድ ብምህላዩ ግዳያት ጃምላዊ ማእሰርትን ምፍርራሕን ንኸውን ኣለና ክብሉ ተጋሩ ነበርቲ እታ ከተማ ገሊጾም።
እቶም 'ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለና' ብምባል ቃሎም ንቢቢሲ ዝሃቡ ውልቀሰባት፡ ድሮ ኣባላት ስድራቤቶም፣ መሓዙቶምን መቕርባቶምን ካብ ዝነበርሉ ናይ ስራሕ ቦታ፣ ቤት ብልዒ፣ መዘናግዒ ቦታን መጓዓዝያን ተገፊፎም ተወሲዶም ይብሉ።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካ ፈንታ፡ "ኣብቲ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ዝተኣሰሩ ተወለድቲ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮኑን፤ ግን ከኣ ብቐንዱ ንሳቶም'ዮም" ክብል ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ንድሓር ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ማሕበራዊ መነባብሮ ዝርከቡ ነበርቲ እታ ከተማ ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ 'ብሰንኪ መንነት' ግዳያት ማእሰርቲ ከም ዝኾኑን ትካላት ንግዶም ከም ዝተዓጽወን ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።
እዚ ሓድሽ ዙርያ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ድሕሪ እቲ ሓይልታት ትግራይ ንዓበይቲ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ዝኾና ደሴን ኮምቦልቻን ምቁጽጻሮምን፡ መንግስቲ "ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዝተሓብኡ ዕሱባት ህወሓት ኣለው'ዮም" ምባሉን ስዒቡ ዘጋጥም ዘሎ እዩ።
ብሰኑይ ምሸት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልእ ከባብን ኮይኖም ኣፍ ጸላኢ ብምዃን ንህዝብና ዕጥቂ ዘፍትሑ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰዶም ይግባእ" ብምባል ፈጸምቲ ኣካላት ከተግብሩዎ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።
ብኻልእ ወገን ብርክት ዝበሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝነጥፉ ደገፍቲ መንግስቲ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ኩርናዓት እታ ሃገር ዝርከቡ ተጋሩ 'ንሓይልታት ትግራይ ሓበሬታ የቐብሉ እዮም' ብዝብል ጥርጣረ ናብ ሓደ መጽንሒ መዓስከር ክኣትው ኣለዎም ዝብሉ ጎስጓሳት ምጅማሮም፡ ስግኣት ፈጢሩ ጸኒሑ'ዩ።
እዚኦም፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ትግራይ ወጻእ ዘለው ተወላዲ፡ ሓያል ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ክፈጥሩ እንከለው፡ ናይ ድሕነት ስግኣት ክዓስሎም ከም ዝገበሩ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይዛረቡ።
'ተፍትሽን ጃምላዊ ማእሰርትን'
ኣብተን ዝሓለፋ መዓልታት፡ ኣብ ሓደ ቤት ብልዒ ምስ መሓዙቱ ድራር ይበልዕ ዝነበረ ሓው ብፖሊስ ድሕሪ ምውሳዱ ንገዛእ ድሕነቱ ብምስጋእ ምንቅስቓሳቱ ከም ዝገደበ ዝዛረብ ሽሙ ክርቋሕ ዘየፍቀደ ወሃቢ ርኢይቶ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነበርቲ እታ ከተማ ዘነጻጸረ ማእሰርቲ ኣሎ ይብል።
"ሕዚ ትኸዶ መንገዲ ንባዕሉ መፍርሒ'ዩ ኮይኑ፤ ብሰንኪ እቶም ዝውሃቡ ዘለው ርኢይቶታት ትግራዋይ ምዃን ከም ሰይጣን የቑጽረና ስለ ዘሎ ስነ ልቦናኻ እዩ ዝጉዳእ። ኣብ ደገ ብድሕረይ መጺኦም ትግራዋይ ኢሎም ዝሕዙኒ ስለ ዝመስለኒ ኣብ ደገ ብትግርኛ ክዛረብ ኣይክእልን" ክብል ስግኣቱ ገሊጹ።
እቲ ማእሰርቲ ብጥቆማ ውልቀሰባት፣ ገዛ ንገዛ ብምፍታሽ፣ ኣብ ካፌን ቤት ብልዕን ከምኡ'ውን ናይ ስራሕ ቦታ መለለዪ መንነት ብምሕታት'ዩ ዝፍጸም ዘሎ ብምባል፡ ኣብዚ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ጃምላዊ ማእሰርቲ ይኾኑ ኣለው ኢሉ።
ካልእ ነባሪት እታ ከተማ ዝኾነት ለታይ* ትማሊ ኣብ ስራሕ ቦታ ዝነበሩ ኣባላት ስድራቤታ ከም ዝተኣሰሩን ዘለውሉ ኩነታት ከም ዘይትፈልጥን ገሊጻ።
"ሰለስተ ኣባላት ስድራይ ሓዊሱ ልዕሊ 25 ዝፈልጦም ሰባት ተኣሲሮም። ምኽንያት መእሰሪኦም እዚ'ዩ ዝብለካ የለን። ሰብ ከካብ ዝተረኸበሉ ይሕፈስ ኣሎ። ነቶም ዝተኣሰሩ'ውን ክትሓትት ኣይትኽእልን፤ ክሓቱ ዝኸዱ'ውን ይእሰሩ ኣለው" ኢላ።
እዚ፡ ብተጋሩ ዝንቀሳቐሱ ትካላት ንግዲ ብብዝሒ ኣብ ዝርከበሉ ከባቢ ሃያ ሁለት ከምኡ'ውን ካራማራ፣ ሲኤምሲ፣ ራጉኤል፣ ኣያት፣ ቦሌ ቡልቡላ ዝበሉ ከባቢታት ብረት ኣለኩም ብዝብል ፖሊስ ኣብ መንበሪ ገዛን ትካላት ንግድን ተፍትሽ ይካየድ ከም ዘሎን ብዙሓት ካብቲ ከባቢ ከም ዝተወስዱን ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ።
"እቲ ሃንደበታዊ ማእሰርቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት እዩ ዝፍጸም ዘሎ፤ ብቐዳም ፖሊስ ኣብ 22 ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ መስተ ብዙሓት ብጃምላ ኣሲሮም። እቲ ሕብረተሰብ'ውን ብጥርጣረ ስለ ዝርእየካ ዓᎁቕ ስግኣት ኣሎ። ኣነ ዝተወለድኩሉ ከተማ'ውን ኣይመስልን" ክትብል ሽማ ክርቋሕ ዘየፍቀደት በዓልቲ ሞያ ሕጊ ተዛሪባ።
ንሳ፡ ሲኤምሲ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ካብ ካፌ፣ እንዳ ፑልን መንበሪ ገዝኦምን ዝተወስዱ ሰላማውያን ሰባት ከም ዘለዉ ሓቢራ።
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ እታ ከተማ፡ ኣብ ከባቢ 22 ኣባላት ስርኡ ዝርከቡዎም ብርክት ዝበሉ ሰባት ብጃምላ ተኣሲሮም ክውሰዱ ከም ዝተዓዘበ ገሊጹ።
"ፖሊስ ኣብ 22 ናብ ዝርከብ ናይ ስራሕ ቦታ መጺኦም'ዮም ወሲዶምዎም፤ ሕዚ ኩሎም ኣበይ ከም ዘለው ኣይፈልጥን" ይብል።
እቲ ምምሕዳርከ እንታይ ኢሉ?
ትማሊ ሰላምን ጸጥታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምሕላው ተባሂሉ ዝተጣየሸ ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ድሕነትን ጸጥታን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ልዕሊ ደገፍትን ናፈቕትን ህወሓት ዝውሰድ ዘሎ ሕጋዊ ስጉምቲ" ተጠናኺሩ ክቕጽል'ዩ" ኢሉ።
እቲ ግብረ ሓይሊ፡ መንበሪ ገዛ ተኻርዮም ብሓባር ዝንቀሳቐሱ፣ ስውር ቦታ ሓርዮም ምስቲ ጉጅለ ርክብ ዘለዎም ደገፍቲ ከም ዘለው ብምግንዛብ መንበሪ ገዛ፣ ናይ ንግዲ ቦታ፣ መኽዝንን ተሽከርከርትን ዘካረዩ ውልቀሰባትን ትካላትን መንነት እቶም ተኻረይቲ ብምጽራይ ንፖሊስ ሓበሬታ ክህቡ ኣተሓሳሲቡ።
ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ሰላምን እታ ከተማ ቀነኣ ያደታ [ዶክተር] ብወገኑ ሰላም እታ ከተማ ንምርግጋጽ ብረት ዘለዎም ውልቀሰባት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከብ መደብር ፖሊስ ብምኻድ ከመዝግቡ ኣለዎም ኢሉ።
ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መንበሪ ኣባይትን ትካላት ንግድን ሃንደበታዊ ተፍትሽ ከም ዝካየድ ብምግላጽ ነዚ ሕብረተሰብ ኣድላዩ ምትሕብባር ክገብር ኣለዎ ከም ዝበለ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
ትማሊ ምሸት፡ ፖሊስ ኣብ መካኒሳ ቆሬ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ [ኮንደሚንየም] ድሕሪ ዘካየዶ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ክልተ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ነጋዶ ከም ዝተኣሰሩ ሓደ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጹ።
"ክልቲኦም ናይ ዱባይ ነጋዶ'ዮም። እቲ ሓደ ካብቲ ዝሰርሐሉ ቦታ ተኣሲሩ ክመጽእ እንከሎ፡ ፖሊስ ናብቲ ከባቢ መጺኦም ገዛ ክፍትሹ ከለው ብዙሕ ሰብ ተኣኪቡ ይርኢ ነይሩ። እቶም ሰባት ኣብ ገዝኦም ብረት ኣሎ ብዝብል ከም ዝተጠቆሙ ይዛረቡ ነይሮም" ኢሉ።
ካልእ፡ ብሰኑይ ሓደ ሓውን ካልኦት መሓዙቱን ከም ዝተኣሰሩዎ ዝዛረብ ውልቀሰብ ቅድም ኢሉ ኣብ 22፣ ሰሚትን ቡልቡላን ዝብሃሉ ከባቢታት ተመሳሳሊ ተርእዮታት ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር፡ ሕዚ'ውን ዳግም ኣብዞም ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ዝነብሩን ዝሰርሑን ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ውልቀሰባትን ትካላት ንግዶምን ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ ክብል ተዛሪቡ።
"ብሰኑይ ዝጀመረ ሓድሽ ተፍትሽ ኣሎ። ኣነ ንባዕለይ ሎሚ'ዶ ጽባሕ ክእሰር ይኸውን ብዝብል ብፍርሒ ተዋሒጠ'የ ዘለኹ። እቲ ጅምላ ማእሰርቲ ስለ ዘስግአኒ ተዘይረኸቡኒ፣ ተዘይርኣዩኒ እናበልኹ ይሕባእ" ብምባል ነቲ ዘለወሉ ኩነታት ይገልጽ።
'ጎረቤት ከይሰምዑኒ'የ ድምጸይ ኣትሒተ'
ዶክተር ቀነኣ ያደታ፡ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተወዲቦም ከባቢኦም ንክሕልው ተፈቒዱ'ዩ ብምባል ምስ ትካላት ጸጥታ ብምትሕብባር ከባቢኦም ክሕልዉ ይግባእ ኢሉ'ዩ።
በብኸባቢኡ ብፖሊስ ተዓጂቦም ስቪል ተኸዲኖም ዝተወደቡ መናእሰይ ከም ዘለው ዝዛረብ ገብረመድን ብርሃነ፡ "ከም ሰብ ርግጸኛ ዘይኮነ ህይወት የሕልፍ ኣለኹ' ይብል።
"ሎሚ ኣማስየ [ትማሊ] ባኒ ክገዝእ ወጺአ ኣጋጣሚ ቴሌፎን ተደዊሉኒ ብትግርኛ እናውጋዕኹ ክልተ ሰባት ንድሕሪት ግልጽ ኢሎም ምስርኣዩኒ ሰንቢደ ናብ ገዛይ ኣትየ። ኣብ ታክስን ካልእ ቦታን ድማ ተፍትሽ ስለ ዘሎ ስለ ዝሰግእ ካልኣይ መዓልተይ ታክሲ ኣይተጠቐምኩን፤ ምኽንያቱ ኣብቲ መለለዪ መንነትና ሽምና ርእዮም ስለ ዝኣስሩና ነዊሕ መንገዲ ብእግረይ'የ ዝኸይድ" ኢሉ።
"ክፍትሹ ከለው መለለዪ መንነት ርእዮም ሽምኻ ናይ ትግራዋይ እንተኾይኑ ተጸጋዕ እዮም ዝብሉኻ" ዝብል ካልእ ነባሪ ድማ፡ እዚ ብዝፈጠሮ ስግኣት ካብ ስራሕ ይቦኹሩን ካብ ገዛ ምውጻእ ከወግዱ ከም ዝተገደዱን ይዛረብ።
ንሱ፡ ኣብ ከባቢ 22 ሓንቲ እንዳ ቡን ዝነበራ ትግራወይቲ ሰበይቲ "እዚ ደገፍቲ ጁንታ ዝመኻኸርሉ እምበር ቡን እትሸጥሉ ኣይኮነን ኢሎም ከንገላትዑዋ ገጢሙኒ'ዩ" ኢሉ።
ብሰንኪ እቲ ዝሓደሮ ስግኣት ስራሕ ጠጠው ከም ዘበለን ገለ ሰባት እናጠቆምኻ ምእሳር ብምህላዩ "ርግጸኛ ዘይኮነ ህይወት ኢና ነሕልፍ ዘለና" ብምባል "ሕዚ ንባዕሉ ጎረባብተይ ከይሰምዑኒ'የ ድምጸይ ኣትሒተ ዘዋግዕ ዘለኹ። ብዙሕ'ውን ክዛረበኩም ኣይኽእልን" ኢሉ እቲ ስልኪ ክቋረጽ ገይሩ።
ነዞም ክስታት ኣመልኪቱ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካ ፈንታ፡ ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ኣይኮኑን ክብል እንከሎ፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት እታ ከተማ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝፍጽሙ ሰባት ብሰፊሑ ይንቀሳቐሱ'ዮም ክብል ከሲሱ።
ብሽሞም ዘይረቑሖም ግን ድማ ልኡኽ "ናታቶም" ብዝብል ናይ ዝገልጾም ሓይልታት ዘፈጽሙ ብዙሓት ሰባት'ዮም ዘለዉ ብምባል፡ ፖሊስ እታ ከተማ፣ ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታት ድሕነትን፣ ፖሊስ ፌደራልን ካልኦት ኣካላትን ብምትሕብባር ስጉምቲ ይወስዱ ምህላዎም ሓቢሩ።
"ሰባት ንሕዝ ኣለና፤ ብቐጻሊ'ውን ክንሕዞም ኢና። ተወለድቲ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮኑን ግን ከኣ ብቐንዱ ንሳቶም'ዮም። ኣብዚ ተግባር ብቐጥታት ዝሳተፉን መረዳእታ ዝቀያየሩን ኣለዉ። ብዘይካ ንሳቶም ተወለድቲ ካልኦት ብሄራት'ውን ኣለዉ። ኣብ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ዝርከቡ ሰባት'ውን ይርከብዎም'ዮም። ብቐንዱ ግን ተወለድቲ ትግራይ እዮም" ኢሉ።
እዞም ኣብ ቀይዲ ዝውዕሉ ዘለው ውልቀሰባት፡ "እኹል መረዳእታ ዝተረኸቦም'ዮም" ክብል እውን ኮማንደር ፋሲካ ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ "ግዳያት መንነት መሰረት ዝገበረ ምንግልታዕን ንኸውን ኣለና" ክብሉ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
ኣብቲ ግዜ፡ መንግስቲ ዋላ ሓደ መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን ምንግልታዕን ከም ዘይተፈጸመ ብምግላጽ፡ ነቶም ጸብጻባትን ክስታትን ነጺጉዎም'ዩ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ምንክልባትን ማእሰርትን፣ ምዕጻው ትካላት ንግዲ ከምኡ'ውን መጥቃዕቲ ተፈጺሙ'ዩ ዝብሉ ጸብፋባት ኣውጺኦም ነይሮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







