ቅልውላው ትግራይ፡ ጀነራል ጻድቃን 'እቲ ኲናት ይዛዘም ብምህላዩ ኣድላይነት ልዝብ ኣይርኣየንን' ኢሉ

ኣባል ማእከላይ እዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ እቲ ኣንጻር ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ጎኑ ዝተሰለፉ ሓይልታትን ዘካየድዎ ዘሎ ኲናት ይዛዘም'ዩ ዘሎ ኢሉ።
እቲ ዓመቱ ዝገበረ ኲናት ትግራይ፡ ናብ ክልላት ኣመሓራን ዓፋርን ካብ ዝልሕም ኣዋርሕ ኮይኑ'ሎ። ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ንስትራቴጂካዊ ከተማታት ኣምሓራ ደሴን ኮምቦልቻን ከም ዝተቖጻጸሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብድሕርዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ኲናት ንምቕልባስ ህዝባዊ ጻውዒት ክተት ከመሓላልፍ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ ኣብቲ ክልል ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ኣሎ።
ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ እቲ ኲናት ፖለቲካዊ ፍታሕ ተገይርሉ ብሰላማዊ ዘተ ንክውዳእ ጠሊቡ ነይሩ።
ትማሊ ንክልላዊ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ግን፡ "ካብ [ፈደራል መንግስቲ] ተመሳሰሊ ናይ ሰላም ድሌት ስለ ዘየለ ብዘይካ ምውጋእ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረናን፤ ስለዚ ብኲናት ክንውደኦ ኢና" ኢሉ።
ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ተጻብኦታት ብምቁራጽ ፍልልያቶም ብልዝብ ክፈትሑዎን ንኹሉ ዝሓቖፈ ሃገራዊ ዘተ ክካየድን ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት ክቐርብ ጸኒሑ'ዩ።
ጀነራል ጻድቃን ሕጂ እቲ ኲናት 'ይዛዘም ስለ ዘሎ፡ ኣድላይነት ልዝብ ኣይርኣየንን' ክብል ንክልላዊ ቴሌቪዥን ተዛሪቡ።
ድሕሪ ምትሓዝ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ንፈለማ እዋን ንላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ መብርሂ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ "ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ኵናት ጌጋ ከጋጥም ይኽእል እዩ፤ ኣብ መወዳእታ ግን ኢትዮጵያ ክትስዕር እያ" ክብል ተዛሪቡ።
ኣቢይ፡ "ሕጂ'ውን ነዚ ሓይሊ ንምስዓር ኩሉ ክኸትት ኣለዎ" ብምባል እቲ ቅድሚ ኣዋርሕ መንግስቲ ብዘቕረቦ ጻውዒት ናብ ምክልኻል ዝውሓዘ መንእሰይ ብግቡእ ምሕደራ ከም ዘይተተሓዘ ሓቢሩ።
ጀነራል ጻድቃን ግን፡ መንግስቲ ፌደራል፡ ሓረስቶት ናብ ኲናት ከሳትፉ ይጽዕሩ ኣለዉ ክብል ብምንቃፍ ስሩዕ ሰራዊት ዘይከኣሎ ኵናት ሓረስቶት ኣኽቲትካ ህዝባዊ ክትገብሮ ከምዘይከኣል ኣረዱኡ። " ህዝባውነት ናይ ገዛእ ርእሱ ረቛሒታት ኣለዎ፡ [ኣብ ትግራይ ስለዝተገብረ] ኮፒ -ፔስት ጌርካ ከምዝደለኻ ትጥቀመሉ ነገር ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ቅኑዕነት የድሊ፡ እቲ ዝግበር ኵናት ፍትሓዊ ክኸውን ይግባእ" ብማለት፡ ብግጉይ ፖሊቲካዊ መገዲ ህዝባዊ ንኲናት ህዝባዊ ክትገብሮ ከምዘይከኣል ሓቢሩ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብቲ ናይ ትማል መግለጺኡ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ልዕሊ 100 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ'ኳ እንተገለጸ፡ ሓይልታት ትግራይ ግን ዝኾነ ዝተቐተለ ሰላማዊ ሰብ ከም ዘየለ ገሊጾም ነይሮም።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ'ውን እዚ ክሲ "ውጹእ ሓሶት'ዩ" ብምባል ነጺጉዎ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ፡ ሓይልታት ትግራይ ንኣብዝሓ ከባቢታት ትግራይ ምስተቖጻጸሩ መንግስቲ ፈደራል በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣዊጁ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ምስሓቡ ይዝክር።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም "ተስዒሩ'ምበር ፈትዩ ኣይወጽአን" ይብሉ።
ነቲ መንግስቲ ኣዊጁዎ ዝነበረ 'በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ' ንምቕባል ድማ ሰፊሕ ቅድመ-ኩነት ኣቕሚጦም ምንባሮም ይዝከር።
ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ኢሉ?
ጀኔራል ጻድቃን እቲ ዘተን ልዝብን ምስ ካልኦት ደሞክራሲያውያን ሓይልታት ፍትሓዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሩ'ሎ።
ምስ ኣየኖት ፖለቲካዊ ውድባት መሰጋጋሪ መንግስቲ ከም ዘቑሙ ግና ኣይነጸረን። እቲ ውድብ፡ ዛጊድ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ስምምዕ ከም ዝገበረ ይፍለጥ።
"ፖለቲካዊ ቅልውላው እዛ ሃገር ንበይንና ክንፈትሖ ሓሲብና ኣይንፈልጥን ኢና" ዝበለ ጀነራል ጻድቃን፡ ምስ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ፖለቲካዊ ውድባት ናይ ሓባር መድረኻትን ምድላው ከም ዘድሊ ብምግላጽ ማሕበረሰብ ዓለም ነታ ሃገር ንምርግጋእ ክሕግዞም ጸዊዑ።
ንመጻኢ ዕጫ ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ ከኣ፡ ዕጫ እቲ ህዝቢ ብሓደ ውድብ ወይ ድማ ብውልቀ ሰባት ዝውሰን ስለዘይኮነ፡ ኩሉ ዜጋ እታ ክልል ዝሳተፎን ርእይትኡ ዘቐምጠሉን ብሓባራዊ ድምጺ ህዝቢ ብልቦና ብስለትን ክውሰን ይግባእ ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ብምኽንያት እዚ ኲናት፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ብዝተገብረ ውግኣት ካብ ክልቲኡ ወገን ዛጊት ቁጽሮም ዘይተገልጸ ኣሽሓት መንእሰያት ተቐቲሎም፡ ሚልዮናት ተመዛቢሎም ልዕሊ 60ሽሕ ንሱዳን ተሰዲዶም፡ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ከኣ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮም ይግለጽ ኣሎ።
ኣብ ትግራይ ጥራይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህይወቶም ንሓደጋ ጥሜት ዝተቓለዐ ሰባት ከምዘለው ጸብጻባት የረድኡ።
ማሕበረሰብ ዓለም፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን መንግስቲ ኣመሪካን፡ እቲ ኲናት ብዘተ ክውዳእን ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዕንቅፋት ክሓልፍን ከምኡ እንተዘይተገይሩ ግን ከቢድ ማዕቀብ ከም ዘንብር ከጠንቅቕ እኳ እንተጸንሐ እቲ ኵናት ግን ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ።ቅልውላው ትግራይ፡ ጀነራል ጻድቃን 'እቲ ኲናት ይዛዘም ብምህላው ኣድላይነት ልዝብ ኣይርኣየንን' ኢሉ






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







