ቅልውላዉ ኢትዮጵያ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ኣዊጁ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ አሕመድ

ምንጪ ስእሊ, FBC

ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ: ኣብታ ሃገር ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ከም ዝኣወጀ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኣፍሊጠን። ኣብ ርእሲኡ ኣብ ኣዲስ አበባ ዝርከቡ ነበርቲ ኣጽዋሮም ከመዝግቡን ከባቢኦም ክሕልውን እውን ጻውዒት ቀሪቡ'ሎ።

እቲ ስጉምቲ፡ ሓይልታት ትግራይ ነተን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ኣገደስቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ብምቁጽጻር ንቕድሚት ይግስግሱ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላጾም'ዩ ዝውሰድ ዘሎ።

ትማሊ ሰኑይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሰብ መዚ ክልል ኣምሓራ ንገስጋስ ናይቶም ዕጡቓት ተቓወምቲ ንምግታእ ኩሉ ሰብ ክኸትት ጸውዑ ነይሩ።

እቲ ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕልን: ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ብፓርላማ ክጸድቕ ምዃኑን ሚኒስተር ፍትሕን ሚኒስተር ኮሚኒኬሽንን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሶም።

እቲ ኣዋጅ ብላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊ ትኢትዮጵያ፡ ኢታማጆር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ዝመሓደር ኮይኑ፡ ተሓታትነቱ ንቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝኸውን ሚኒስተር ፍትሒ ዶ/ር ጌዴዮን ጢሞቲዎስ ኣብሪሁ።

እቲ ውሳነ፡ ሰብ መዚ መንግስቲ ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ፍቓድ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከእትዉን፡ እገዳታትን ገደባትን ከንብሩ ስልጣን ዝህብ'ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፈልትማን "ሰራዊት ትግራይ ናብታ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ኣዲስ ኣበባ ከይኣትው ብምምሕጻን፡ ገስጋስ ህወሓት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣጥቢቑ ከምዝቃወም ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ትማሊ ሰኑይ ንላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ኣኪቡ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ ኣብ ግንባር ወሎ ኢትዮጵያውን ዘይኮኑ ወታሃደራት ንሓይልታት ትግራይ ብምሕጋዝ ተዋጊኦም ክብል ከሲሱ።

''ኣብቲ ኲናት ናይ ኢትዮጵያ ዘርኢ ዘይብሎም ጸዓዱን ጸለምትን ምስቲ ግብረ ሽበራዊ ጉጀለ ተሰሊፎም መስዋእቲ ከምዝኸፈሉ ኣረጋጊጽና'' ኢሉ።

እንተኾነ ብዛዕባ መንነት እቶም ኣብ ጎኒ ሓይልታት ትግራይ ተሰሊፎም ተዋጊኦም ዝተባህሉ ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑ ዕጡቓት ኣይገለጸን።

ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሓይልታቶም ትግራይን መሻርኽቶምን ንስርዓት ኣቢይ እንተደኣ ዓልዮሞ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቑሙ ምዃኖም ሓቢሩ።

''እንተደኣ እቲ መንግስቲ ወዲቑ ናይ ግድን መሰጋገሪ መንግስቲ ከነቕውም ኢና" ድሕሪ ምባል ሃገራዊ ዘተ ከምዝህሉን ኣቢይን ምኒስተራቱን ግን ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርቡ ንሮይተርስ ሓቢሩ ።

ጌታቸው ረዳ፡ ሓይልታት ትግራይ ምስቶም ኣብ ክልል ኦሮምያ ኮይኖም ኣንጻር መንግስቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዘለዉ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA) ከም ዝተራኸቡ ንቢቢሲ ገሊጹ። ግን ሓቢሮም እንታይ ከምዝገብሩ ኣየነጸረን።

ብሰኑይ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮም (OLA) ኩምሳ ዲሪባ [ጃል ማሮ] ክልቲኦም ሓይልታት [ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን]፡ ብርሕቀት ተቐራሪቦም ስለ ዘለዉ ኣብ ቀረባ መዓልታት ሓደ ግንባር ፈጢሮም ብሓባር ኮይኖም ከም ዝቃለሱ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ክልቲኦም እዞም ኣንጻር መንግስቲ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት: ካብቲ 'ግብረሽበራውያን እዮም' ኢሉ ዝገልጾም መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣዲስ ኣበባ ንምምንዛዕ ዓላማ ከም ዘለዎም ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኩምሳ ድሪባ ሓይልታቱ ኣብ ምዕራብ፣ ማእከላይን ደቡብን ኦሮምያ ብዙሓት ከተማታት ከም ዝተቖጻጸሩ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምልሓም፡ ከቢድ ጸጥታውን ሰብኣውን ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።

መንግስትን ሰራዊት ትግራይን ተዅሲ ደው ኣቢሎም ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ክግበር ዝጸንሐ ጻውዒት ሰማዒ ኣይረኸበን።

ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ንኢትዮጵያ ካብ ዝርዝር ናይተን ኣብ ትሕቲ ናይ ኣፍሪቃ ናይ ዕቤትን ዕድላትን ካብ ዕዳጋታት ኣመሪካ ተጠቃምነት ዝረኽባ ሃገራት ከውጽኣ መደብ ከምዘለዎ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ውሳነ ናይ ሓደ ሚልዮን ሰባት ናይ ስራሕ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ስለዝኽእል መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ ከይትወስዶ ተማሕጺኑ ነይሩ።