ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ፡ "ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ጎኒ ህወሓት ኮይኖም ይዋግኡና ኣለዉ"

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ንላዕለዎት ሰብ መዚ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሓይልታት ትግራይ ሰፊሕ ቦታታትን ዓበይቲ ከተማታትን ክልል ኣምሓራ ዝሕዙሉ ዘለዉ ኵናት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ጎኒ ሓይልታት ትግራይ ኮይኖም ይዋግኡና ኣለዉ ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ምትሓዝ ከተማታት ደሴን ኮምቦልሻን ንመጀመርታ ግዜ እዩ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣብ ብቴሌቪዥን ቀሪቡ መብርሂ ሂቡ።

ንሱ ኣብ ዘረብኡ "ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑ ኣብቲ ኩናት ተሳቲፎም'ዮም" ኢሉ።

ብምስዓብ "ጸለምትን ጸዓዱን ኣብ ጎኒ ህወሓት ኮይኖም ኣብቲ ኵናት ተሳቲፎም'ዮም" እኳ እንተበለ እቶም ኣብቲ ኵናት ተሳተፎም ዝበሎም ዘይኢትዮጵያውያን ደቂ ኣበይ ሃገር ምዃኖም ኣየነጸረን።

ህወሓት ነቲ ዘይኢትዮጵያውያን ሓይልታት ኣብ ምትሓዝ ከተማታት ኮምቦልቻን ደሴን ተሳቲፎም ዝብል ክሲ ነጺግዎ'ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ቅድሚ ኣዋርሕ መንግስቲ ብዘቅረቦ ጻውዒት ናብቲ ሰራዊት ዝውሓዘ መንእሰይ ብግቡእ ምሕደራ ከም ዘይተተሓዘ ጠቒሱ።

ብዛዕባ እቲ ዝቅጽል ዘሎ ኵናት ኣመልኪቱ ኸኣ "ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ኵናት ጌጋ ከጋጥም ይኽእል እዩ፤ ኣብ መወዳእታ ግን ሃገር እያ ትስዕር" ክብል ተዛሪቡ።

ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይ ዳግማይ ናብ ስልጣን ናይ ምምላስን ንሓደ ክፋል ጉጅል 'ቀዳማይ ዜጋ' ናይ ምግባር ጥሙሕ ኣለዎም'ውን ክብል ተዛሪቡ።

ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ናይ ትማሊ መግለጺኡ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ልዕሊ 100 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ'ኳ እንተገለጸ፡ ሓይልታት ትግራይ ግን ኣቐዲሚም ዝኾነ ዝተቐተለ ሰላማዊ ሰብ ከም ዘየለ ገሊጾም ነይሮም እዮም።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ'ውን እዚ ክሲ "ውጹእ ሓሶት'ዩ" ብምባል ነጺጉዎ።

ቅድሚ ሰሙን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ክህብ ብዛዕባ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ መብርሂ ክህብ ኣባላት ሰልፊ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ [ኢዜማ] ሓቲቶም ምንባሮም ይዝከር።

መንግስቲ፡ ነዚ ካብ ዝጅመር ዓመት ገይሩ ዘሎ ኵናት መዓስ መዓልቦ ረኺቡ፡ ዜጋታት ናብ ንቡር ናብርኦም ከም ዝምለሱ ከፍልጥ ኣርባዕተ ኣባላት እቲ ባይቶ ሓቲቶም።

እዚ ትማሊ ንላዕለዎት ሰብ መዚ ዝተዋህበ መብርሂ ብመሰረት ኣቐዲሙ ቀሪቡ ዝነበረ ጠለብ ድዩ ግን ዝተሓበረ ነገር የለን።

ኵናት ትግራይ ጠንቂ ሞት ኣሽሓት፡ ሚልዮናት ክመዛበሉን ልዕሊ 6 ሚልዮን ሰባት ተፀበይቲ ህጹጽ ረድኤትን ክኾኑ ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ።

ኣብ ትግራይ ጥራይ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ኩነታት ዓጸቦ ከም ዝርከብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።