ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ከቢድ ጥምየት ዝነብሩ ሰባት እንታይ ይብሉ?

ምንጪ ስእሊ, Filmon
ህይወት በርሀ በዓልቲ ሓዳርን ኣዶ ሰለስተ ቆልዑትን እያ፡፡ ክልቲኦም ደቃ እንትተዕቢ ዝኾነ ዓይነት ጸገም ጥዕና ኣጋጢምዋ ኣይፈልጥን፡፡
ጓል ሓደ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ጓላ ኤደን ገብረጻድቕ ግን ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ደቂሳ ሕክምና ትከታተል ኣላ፡፡
ህይወት፡ ነታ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር ትሕከም ዘላ ጓላ ዓይኒ ዓይና እናረኣየት ብህይወት ከትርፈላ ንእትኣምኖ ኣምላኻ ትምሕጸኖ እያ ዘላ፡፡ ህጻን ኤደን ብከቢድ ጥምየት ተጠቒዓ እያ ናብ ሆስፒታል መጺኣ፡፡
ኣቶ ግደይ መረሳ፡ ነባሪ ቆላ ተምቤል ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ጣብያ እንዳባና እዮም። እቲ ከባቢ ከቢድ ኲናት ካብ ዝተኻየደሎም ከባቢታት ትግራይ ሓደ እዩ፡፡
እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኻየደን ማዕበል ኲናት ትግራይ ዝቐየረን ‘ወፍሪ ኣሉላ ኣብ ነጋ’ እውን ኣብዚ ከባቢ እዩ ተጀሚሩ፡፡
መብዛሕትኦም ነበርቲ ገጠር ከባቢኦም ገዝኦምን ንብረቶምን ገዲፎም፡ ናብረኦም ኣብ ዱርን ገደልን እዩ ነይሩ፡፡
ኣቶ ግደይ ዋላ'ኳ ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ገዝኦም እንተተመለሱ፡ ተምሃሪት ሻድሻይ ክፍሊ ዝኾነት ጓሎም ግን ሓሚማቶም፡፡
‘‘ኣብ በረኻ ጸኒሕና ኣብ ወርሒ ሰነ ምስ ተመለስና ኣብ ጸገም ወዲቕና፡፡ ጓለይ ሓሚማትኒ፤ ቅድሚኡ ጥዕይቲ እያ ነይራ’’ ይብሉ፡፡
መጀመርታ ናብቲ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ሕክምና'ኳ እንተወሰዱዋ መድሓኒት ግን ክርከብ ኣይተኽኣለን፡፡
ቀጺላ ኣብ ሆሰፒታል ዓብዪ ዓዲ ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረላ ነይሩ፡፡
ዋላ'ኳ ቀንዲ ሕማማ ካብ ሕጽረት ምግቢ ዝብገስ እንተኾነ፡ ብተወሳኺ ግን ናይ ልቢ ጸገም ከም ዘለዋ ተነጊሩዎም ኣሎ፡፡
ሕጽረት ምግብን መድሓኒትን ፈተና ዝኾኖም ነበርቲ
ህይወት፡ ዋላ'ኳ ጓላ ንሰሙናት ሕክምና እንተተዋህባ እቲ ዘጋጠማ ጸገም ጥዕና እንታይ ምዃኑ ከይተነግራ'ዩ ጸኒሑ፡፡
"ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ዝመጽአ ሕማም ከም ዝኾነ ነጊሮምኒ እዮም፡፡ ኣይፈለጥኩን፤ ንሳቶም ግን ብዘለዎም ዓቕሚ ይሕግዙና ኣለዉ’’ ትብል፡፡
ብተወሳኺ ‘‘ደቅና ብጽቡቕ ኢና ነዕብዮም ኔርና፤ ናብራና ጽቡቕ ዝበሃል እዩ ነይሩ፡፡ ሕዚ ግን እንበልዖ እውን የብልናን፡፡ ጓልና ድማ በዚ ምኽንያት እያ ኣብዚ ወዲቓ" ትብል፡፡
"ሐዚ እውን መድሓኒት ምርካብ ኣይተኽኣለን፤ ካብ ሆስፒታል ወጻኢ ንእልሽ ኣለና’’ ዝብሉ ኣቶ ግደይ ብወገኖም መድሓኒት እንትርከብ'ውን ንምግዛእ ዓቕሚ ከም ዘይብሎም ይዛረቡ፡፡
ነባሪት ተማ መቐለ ዝኾነት ህይወት እውን ‘‘ሰሪሕና ከይንበልዕ ስራሕ ዝበሃል የለን፤ ኩሉ ተዓጽዩ። ከፍ ኢለ እየ ዝውዕል፤ በዓል ቤተይ እውን ከምኡ። እንታይ ክነብልዖም?’’ ብምባል ተደራራቢ ቁጠባውን ማህበራውን ጸገም ከም ዘጋጠሞም ትገልጽ፡፡
ብሰንኪ እቲ ካብ ዝጅመር ሓደ ዓመት መሊእዎ ዘሎ ኲናት፡ ነበርቲ እቲ ክልል ብዙሕ ሰብኣዊ ጉዳኣት በጺሕዎም እዩ፡፡
ጸብጻባት ዓለም ለኻዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝሕብርዎ፡ ሰባት ብጃምላ ተቐቲሎም እዮም፤ ነፍሰ ጾር ኣደታት ዝርከብአን ኣማኢት ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኮይነን እየን፤ ኣብያተ ክርስትያናትን ታሪኻዊ ቦታታትን'ውን ጉድኣት በጺሑዎም።
ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብርዎ ድማ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ኮይኑ ፍርቂ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ንከቢድ ሓደጋ ጥምየት ተቓሊዑ ይርከብ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ንጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀመሉ ኣሎ’ ተባሂሉ እውን ይኽሰስ፡፡
ጥምየትን ሕጽረት መድሓኒትን
ህይወት ጓላ በቲ ዝግበረላ ዘሎ ሓገዝ ሕክምና ክትድሕን እያ ዝብል ተስፋ ኣለዋ፡፡
ይኹን እምበር እቲ ሆስፒታል ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሕጽረት መድሓኒት ከም ዘጋጠሞ ተገሊጹ እዩ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Filmon
ነታ ኣብ ሆስፒታል ኮይና ጓላ እተላዕል ዘላ ህይወት ዘጨንቓ እውን ንሱ እዩ፡፡
‘‘መድሓኒት የብልናን፤ ካብ ደገ ግዝኡ ኢሎምና፡፡ ዓቕሚ የብልናን፤ ካበይ ኣምጺእና ክንገዝኦ?’’ ትብል፡፡
ህይወት፡ ኤደን ጓላ ሓደ መዓልቲ መድሓኒት እናወሰደት ካልእ ግዜ ከይወሰደት ዛጊድ ብህይወት ከም ዘላ ትዛረብ፡፡
ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ትግራይ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ኮይኑ፡ ሰራሕተኛታቱ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ደሞዝ ከም ዘይተኸፈሉ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም እዮም፡፡
እቲ ሆስፒታል ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ንዝመጹ ተሓከምቲ ኣገልግሎት ክህብ'ኳ እንተጸንሐ ኣብዚ እዋን ግና ዝተፈላለዩ መሰረታዊ መድሓኒታትን ኣቑሑትን ከም ዝወድኡ ቢቢሲ ካብ ሰራሕተኛታት እቲ ማእከል ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ቀረባ ከም ዝሓበሮ ኣብቲ ሆስፒታል ጥራሕ ዝወሃብ ዝነበረ ሕጽበት ኩላት ብምኽንያት ሕጽረት መድሓኒት ተቛሪጹ እዩ፡፡
በዚ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ሆስፒታል ሕጽበት ዝግበረሎም ዝነበሩ 32 ተሓከምቲ ህይወቶም ንሓደጋ ክቃላዕ ከም ዝኽእል ጠቒሱ፡፡
ኣብ ትግራይ ካብ ዝነበሩ ማእከላት ጥዕና ኣስታት 75 ሚኢታዊት ኮነ ተባሂሉ ክዓንዉ ከም ዝተገበረ ማሕበር ዶብ ኣልቦ ሓካይም (ኤምኤስኤፍ) ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ ወርሒ መጋቢት ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡
‘ቁርሲ ምብላዕ ገይጺ ኮይኑና’
ቅድም ከብል ኣብ ናይ ውልቀ ኮሌጅ መምህር ዝነበረ ገብረኤደን፡ ኣብዚ እዋን ስራሕ ብምፍትሑ ኣዲኡ፣ ሓዉን ሓፍቱን ሓዊሱ ኣርባዕተ ኣባላት ቤተሰቡ ንጸገም ከም ዝተቓልዑ ይዛረብ፡፡
ኣብ መቐለ ብዛዕባ ዘሎ ምኽባር ናብራ እንትገልጽ ድማ ‘‘ዕንጸይቲ እኳ ብኽባር እዩ ዝግዛእ’’ ይብል፡፡
ኣብ ባንኪ ዝነበሮ ገንዘብ ኣውጺኡ ከይጥቀም ባንኪታት ኣገልግሎት ምሃብ ስለ ዘቋረጻ ተጸጊሙ ከም ዘሎ ይዛረብ፡፡
ኣብ ሓደ ናይ ፌደራል ቤት ጽሕፈት እትሰርሕ ዝነበረት ሓፍቱ እውን ደሞዝ ካብ ዘይክፈላ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከም ዝሓለፉ ይገልጽ፡፡
‘‘ኣደይ እውን ገዛ ተካሪ ነይራ፤ ሐዚ ግና እቶም ተኻረይቲ ክኸፍሉ ስለ ዘይክእሉ (ገንዘብ) ተቐቢላቶም ኣይትፈልጥን’’ ዝብል ገብረኤደን ንህይወት ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ዋግኦም ዓሪጉ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣይርከቡን እውን ኢሉ፡፡
‘‘ብዘይ በርበረን ዘይትን ዝተሰርሐ ጸብሒ ምብላዕ ካብ እንጅምር ልዕሊ ክልተ ወርሒ ጌርና፡፡ ቁርሲ ምብላዕ እውን ከም ገይጺ ኢና ንርእዮ’’ ይብል፡፡

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA
መብዛሕትኡ እዋን እውን ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዘ ጥራሕ ከም ዝምገቡ ይገልጽ፡፡
ብተወሳኺ ኣዲኡን ሓዉን ብሰንኪ ዘለዎም ሕዱር ሕማም ዝወስዱዎ ዝነበሩ መድሓኒት ስለ ዘቋረጹ፡ ኣብ ከቢድ ጸገም ጥዕና ምውዳቖም የሻቕሎ፡፡
‘‘እቲ ናትና ናብራ እቲ ዝሓሸ ዝበሃል እዩ፤ ናይ ብዙሕ ሰብ ናብራ ካብዚ ዝገደደ እዩ፡፡ ብዙሕ ሰብ ኣብ መንገዲ ኢዱ ንልመና ዘርጊሑ ኢኻ እትረኽቦ፡፡ እቲ ኩነታት በዚ እንተቐጺሉ ብዙሕ ሰብ ብጥምየትን ሕጽረት መድሓኒትን ክሃልቕ ይኽእል እዩ’’ ይብል፡፡
ዋላ'ኳ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ መላእ እታ ሃገር ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ዓብዪ እንተኾነ፡ ኣብ ትግራይ ግን ሓሙሽተ ሽዱሽተ ዕጽፊ ከም ዝኾነ እዩ ዝግለጽ፡፡
ዋጋ ሓደ ኪሎ በርበረ 800 ብር፣ ዋጋ ሓደ ኪሎ ሽሮ 180፣ ዋጋ ሓደ ኩንታል ጣፍ ክሳብ ሸውዓተ ሽሕ፣ ዋጋ ሓደ ሊትሮ ዘይቲ 250 ከም ዝበጸሐ ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት፡፡
ፍትሓዊ ሕሩይ ኣብ ኣመሪካ ዝነብር መንእሰይ እዩ፡፡ ቅድም ክብል ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ንዝተጸገሙ ብ‘ጎ ፈንድሚ’ ሓገዝ ብምትእኽሓብ ይፍለጥ ነይሩ፡፡
ብተመሳሳሊ ኣብዚ እዋን እውን ነቲ ሰናይ ተግባር ናይ ምስራሕ ድልየት'ኳ እንተሃለዎ እቶም ቅድሚ ሕዚ ዝሕግዞም ዝነበሩ ሰባት፣ ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝነብሩ ቤተሰቡን ኣዝማዱን ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ዘለዉዎ ኩነታት ክፈልጥ ኣይከኣለን፡፡
ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ስልክን ባንክን ካብ ዝቋረጽ ኣርባዕተ ወርሒ ስለ ዝገበረ "ብፍላይ ቀጻሊ መድሓኒት ዘድልዮም ኣዝማደይ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዝርከቡ ኣይፈልጥን፤ ብህይወት ይሃልዉ ኣይሃልዉ እውን ኣይፈልጥን’’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዝልሓመ ኲናት
ሓይልታት ትግራይ ንብዙሕ ከባቢታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ ኣዊጁ ካብ ከተማ መቐለ ምስ ወጽአ፡ መልክዕ እቲ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ዝተጀመረ ኲናት ተቐዪሩ እዩ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቲ ክልል እንትወጽእ፡ እዋን ክረምቲ ስለ ዝኾነ ሓረስቶት ተረጋጊዖም ክሓርሱ ኢለ እየ ዝብል ምኽንያት ኣቕሪቡ ነይሩ፡፡
ኮይኑ ግና እቲ ጎንጺ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተስፋሕፊሑ፡፡
ነዚ ስዒቡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣስታት 7 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ምግቢ ከም ዘድልዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ እዩ፡፡
ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ከም ብሓድሽ ተፈናቒሎም እዮም፡፡
ገለ ትካላት እቲ ኲናት ምስ ተወለዐ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ከምቲ ኣብ 1977 ዓ.ም ዘጋጠመ ዓይነት ጥምየት ከጋጥም ከም ዝኽእል ስግኣቶም ገሊጾም ነይሮም፡፡
ኣብ ቤልጅየም ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ገንት ምስ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ብምትሕብባር ኣብ ዘዳለዉዎ ‘Ploughing in the Tigray War’ ዝብል ብካርታ ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ መጽናዕቲ፡ ምስ ዝሓለፉ ዓመታት እንትነጻጸር ኣብ ገለ ከባቢታት ዘይተሓረሰ መሬት ይረኣይ ነይሩ ኢሎም፡፡
መብዛሕትኦም ሓረስቶት ንብረቶምን ኣዝርእቶምን ከም ዝተቓጸለን ከምኡ ድማ ከብቶም ከም ዝተሓረዱን ጥራይ ኢዶም ከም ዝተረፉን እቲ መጽናዕቲ ይሕብር፡፡
ወርሒ ሰነ መብዘሕተኦም ሓረስቶት ናብ ግራቶም ከይዶም ክሓርሱ ይግበኦም ነይሩ፡፡
ብፍላይ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኤርትራ ሰባት ከይሓርሱ ይኽልክሉዎም ከም ዝነበሩ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓረስቶት ገሊጾም ነይሮም፡፡
መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ምንጻጉ ይዝከር፡፡
ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈ ተምሃራይ ሳልሳይ ዲግሪ እምነት ነጋሽ ከም ዝገልጾ፡ እቶም ሓረስቶት ዝተፈላለዩ ጸገማት እኳ እንተጋጥሙዎም፡ ናይ ባዕልቶም ባህላዊ ፍልጠትን ሜላን ተጠቒሞም እቲ ናይ ክረምቲ እዋን ከየምልጦም ንምሕራስ ፈቲኖም እዮም ኢሉ፡፡
እቶም ሓረስቶት ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ድኹዕን መሩጽ ዘርእን ከም ዘይረኸቡ እውን ንቢቢሲ ሓቢሩ፡፡
እቲ ኩናት ምስ ተወለዐ መብዛሕትኡ መንእሰይ ናብ ኲናት ከም ዝወፈረ ዝገልጽ እምነት፡ በዚ ምኽንያት ካብ 20 – 30 ምኢታዊት ዝሕረስ መሬት እዋኑ ሓሊፍዎ እዩ ክብል የረድእ፡፡
ንሱ ከም ዝሕብሮ ሎም ዘበን ብሓፈሻ ካብ 20 ክሳብ 50 ሚኢታዊት ምህርቲ ክሕፈስ እዩ ትጽቢት ዝግበር፡፡
ዝበዝሕ እቲ ዘይተሓረሰ መሬት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከም ዝርከብ ዝሓበረ እቲ መጻናዕቲ ብፍላይ ኣብ ገማግም ተከዘ ዝነበረ ስራሕቲ መስኖ ሙሉእ ብዝበሃል ደረጃ ከም ዝተቛረጸ ኣረጋጊጹ፡፡
ኣብዚ እዋን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ሚልሻታትን ወታሃደራት ኢትዮጵያን እዩ ዝርከብ፡፡
ምላሽ ማሕበረሰብ ዓለም
መንግስታት ዓለም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መንገድታት ሰብኣዊ ሓገዝ ሙሉእ ብሙሉእ ክፋት ክገብር ክጽውዑ እዮም ዝስምዑ፡፡
ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቶ፡ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ናብ ትግራይ መዓልታዊ 100 ረድኤት ዝጸዓና መካይን ክኣትዋ እኳ እንተወሰነ፡ ዛጊድ ግን 10 ሚኢታዊት ጥራሕ እዩ ምሕላፍ ተኻኢሉ፡፡
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት እንድሕር ዘይተመሓይሹ ኣብ ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ጎንጺ ማዕቀብ ክግበር ዘኽእል ትእዛዝ ፈሪሙ እዩ፡፡
ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ እታ ሃገር ኢዶም ኣእትዮም ዝበሎም ሸውዓተ ላዕለዎት ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምብራሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ስጉምቲ ከይዲ ምሃብ ሓገዝ ከም ዘተዓናቕፍ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣፍሊጡ እዩ፡፡
ቀረብ ሓገዝ እንድሕር ዘይተመሓይሹ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት እናተጋደደ ክኸይድ ከምዝኽእል እውን እቲ ዋና ጸሓፊ ኣጠንቂቑ እዩ፡፡
ብተወሳኺ "ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ሕዚ እንወስዶ ስጉምቲ ኣብ ናይ ብዙሓት ሰባት ህይወት ዓብዪ ለውጢ ዝፈጥር እዩ’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡
ሓላፊ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ በቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ቁጽሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝደልዩ ሰባት መዓልታዊ እናወሰኸ እዩ፡፡
‘‘ኣብቲ ኲናት ተሳተፍቲ ንዝኾኑ ኣካላት እቲ መልእኽቲ ተመሳሳሊ እዩ፡፡ ነቲ ጸገም ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ምፍትሒ ምሃብ ካብቲ ጎንጺ ከውጸአና እዩ’’ ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡
ምክትል ሓላፊት ኤጀንሲ ትሕብብር ልምዓት ኣመሪካ ሳራ ቻርለስ ብወገና ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ብዘይ ዝኾነ ገደብ ክሓልፋን ቁጽሪ ሰብኣዊ በረራ ክውስኽን ሓቲታ እያ፡፡ በረራ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ቀረባ እዋን ምቁራጹ ዝዝከር እዩ፡፡
‘‘ነዳዲ፣ ገንዘብን መድሓኒትን ንኣዋርሕ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምእጋዱ ምኽንያት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህቡ ትካላት ዝህብዎ ሓገዝ ክቕንሱ ተገዲዶም እዮም፡፡ ሆስፒታላትን ትካላት ጥዕናን መድሓኒት ወዲኦም እዮም’’ ኢላ፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







