ቅልውላው ትግራይ፡ ፌልትማን ኲናት ደው ኣብ ዝብለሉ ጉዳይ ምስ ደመቀ መኮንን ዘትዩ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተርን ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያትን ደመቀ መኮነን፡ ኲናት ደው ኣብ ዝብለሉ ኩነታት ከም ዝዘተዩ ተገሊጹ።
ዝርዝር እቲ ዘካየድዎ ዘተ ዝገልጽ ሓበሬታ’ኳ እንተዘይወጽአ፡ ኣብ ምቁራጽ ተኹስን ኲናት ደው ክብል ኣብ ዘኽእሉ ካልኦት መገድታትን ከም ዝተዘራረቡ ጸብጻብ ሮይተርስ ኣመልኪቱ።
ፌልትማን ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሕ ኮይኑ ምስ ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ክዘራረብ ትጽቢት ይግበር።
ካብ 9 ክሳብ 11 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ኢትዮጵያ ብምጽናሕ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃን ወኪላት ማሕበረሰብ ዓለምን ክዘራረብ ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ።
ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዘውጽኦ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ድማ ፌልትማን ኲናት ደው ዝብለሉ መገዲ ኣብ ምድላይ ዘድሃበ ዝርርባት ከካይድ ትጽቢት ይግበር።
እቲ መግለጺ “ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንኽዓስልን መድሕን ህይወት ሰባት ዝኾነ ሰብኣዊ ረድኤት ብእኹል ኽበጽሕ ምግባርን ድልየት ኣሜሪካ እዩ” ይብል።
ትማሊ መግለጺ ዝሃበ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምበሳደር ዲና ሙፍቲ “ጄፍሪ ፌልትማን ነቲ ኲናት ደው ኣቢልካ ሰላም ንምምጻእ ዝግበር ጻዕሪ ኣዛይዱ ቀጺሉሉ ኣሎ” ክብል ተዛሪቡ’ሎ።
ኢትዮጵያ፡ እቲ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድን ኣቦመንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ዝተራኸበ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሌሴጉን ኦባሳንጆ ዘምጽኦ ኲናት ደው ዝብለሉ ምኽረ-ሓሳብ ትጽበይ ምህላዋ ኣምባሳደር ዲና ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናይ ኦባሳንጆ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምላስ
ሕብረት ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገይሩ ዝሾሞ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ናብታ ሃገር ኣትዩ ኣሎ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ምስ ተዘራረበ፡ ብወገን ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ንዘሎ ድልየት ንምግንዛብ ዘኽእል መረዳእታ ከም ዝረኸበ ገሊጹ ነይሩ።
ነቲ ኲናት ፖለቲካዊ ፍታሕ ክወሃብ ከም ዘለዎ’ውን ተዛሪቡ'ዩ።
ሚኒስትሪ ኮሚዩኒኬሽን ትማሊ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኦባሳንጆ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተመለሰ ብምሕባር ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ተራኺቡ ፍታሕ ንምምጻእ ዝግበር ጻዕሪ ዝበጽሐሉ ደረጃ ከቕርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኣምባሳደራት ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ መብርሂ ክህብ ትጽቢት ይግበር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







