ብሊንከን ብዛዕባ ሓደጋ ኲናት ኢትዮጵያን ምእጋድ ኢትዮጵያ ካብ ኣጎዋን እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምርግጋእ ቀንዲ ትኹረት ሃገሩ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ብሊንከን እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሊዑ ናብ ካልኦት ከባብታት ዝላባዕ ዘሎ ኲናት ዘስዓቦ ሓደጋን ኢትዮጵያ ካብ ተጠቃምነት ዕድል ኣጎዋ ክትወጽእ ዝተወሰነ ውሳነ መንግስቲ ኣሜሪካን ብዝምልከት ንቢቢሲ መብርሂ ሂቡ’ሎ።
‘ኲናት ንኢትዮጵያ ናይ ምብትታን ዓቕሚ ኣለዎ’
ኣንቶኒ ብሊንከን እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት እናሰፍሐ ዝቕጽል እንተኾይኑ እታ ሃገር ሓደጋ ምብትታን ከንጸላልዋ ዝገብር ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።
“ክልቲኦም ወገናት ንጸገማትና ፍታሕ ዝኸውን ወተሃደራዊ ስጉምቲ እዩ ኢሎም እንተሓሲቦም ኲናት ዝሰፍሐሉ ኩነታት ኢና ክንርእይ” ዝበለ ብሊንከን “እዚ ከኣ ንኢትዮጵያ ናይ ምብትታን ሓይሊ ኣለዎ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እዚ ኲናት ብዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ክፍታሕ’ዶ ይኽእል? ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ፡ “ብዲፕሎማሲያዊ መገዲ ነቲ ኲናት ብዘተ ደው ክብል ምግባር ከም ዝከኣል ዘርእዩ ምልክታት ኣለዉ” ኢሉ።
ነዚ ድማ ሃገሩ ነቶም ብፍሉይ ልኡክ ሕብረት ኣፍሪካ ኦሌሴጉን ኦባሳንጆን ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን ዝግበሩ ዘለው ጻዕርታት ዘተ ትድግፍ ምህላዋ ኣመልኪቱ።
“ምስ ኦባሳንጆ፣ ፕረዚደንት ኬንያታን ካልኦት ነቶም ክልተ ወገናት ንምቅርራብ ምስ ዝሰርሑ ኣካላትን ርክብ ኣለና” ክብል’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ኦባሳንጆ ምስቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ትግራይ ምዝርራቡ ይዝከር።
ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ተዘራሪቡ ነይሩ።
ምስ ቢቢሲ ሓጺር ጻንሒት ዝነበሮ ሚንስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቶም ኣብ ኲናት ዝርከቡ ክልቲኦም ወገናት ተኹሲ ደው ብምባል ኣፈላላዮም ብዘተ ክፈትሑ’ዮም ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ።
ዕድል ኣጎዋ
ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ካብቲ ኣሜሪካ ንዝተወሰና ሃገራት ኣፍሪቃ እትህበን ዕድል ‘ኣጎዋ’ [ፍርያት እተን ሃገራት ካብ ቀረጻ ነጻ ብዝኾነ መገዲ ናብ ኣሜሪካ ዝኣትወሉ ዕድል] ከም ዝተኣገደት ይፍለጥ።
እታ ሃገር በዚ ዕድል ኣቢላ ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቑጸሩ ዜጋታት ዝኸውን ዕድል ስራሕ ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ፡ ኣዝዩ ልዑል ሸርፊ ወጻኢ ትረክብ ምንባራ ይግለጽ።
ይኹን’ምበር ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ብዝተሓሓዝ “ኣብ ኢትዮጵያ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሞም” ብዝብል’ዩ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ጀሚራ ካብ ዕድል ኣጎዋ ክትስረዝ ዝተወሰነ።
ብሊንከን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እትፍጽም ሃገር ካብ ስምምዕ ኣጎዋ ተረባሒት ክትኸውን ከም ዘይትኽእል ብምግላጽ፡ እቲ ውሳነ ትኽክለኛ ከም ዝኾነ ኣረዲኡ።
“ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓታቲት ዝኾነት ሃገር ተረባሒት እቲ ዕድል ክትኸውን ከም ዘይትኽእል ኣብ ስምምዕ ኣጎዋ ተነጺሩ’ሎ” ክብል ዘዘኻኸረ ብሊንከን፡ በዚ መሰረት ንኢትዮጵያ’ውን ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ካብቲ ዕድል ከም እትወጽእ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
እዞም ረብሓታት ክሳብ 2025 ዝቕጽሉ'ዮም። ኣመሪካ በቶም ብቐጥታ በዚ ውሳነ ዝጽለው ሰባት ከም እትሓዝን ብሊንከን ተዛሪቡ።
"ንዕኡ ኢና ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሐሉ ዝኽእል ነገር ክፍጠር ኣለዎ እናበልና ንመሰሎም ጠጠው ንብል ዘለና። ብቐንዱ ግን ንመራሕቲ እታ ሃገር'ዩ ዝምልከት። ኩሎም ወገናት ኣፈላላዮም ፖለቲካዊ ፍታሕ ክረኽብሉ ኣለዎም፤ ንህዝቦም ሓላፍነት ዝወስዱ ንሳቶም'ዮም" ኢሉ።
ኣሜሪካ ንኹነታት ኢትዯጵያ ብቕርበት ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ ሸይማ ጻዕርታት ክትገብር ምጽንሓ ይፍለጥ።
ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተስፋፈሐ ኲናት ድማ ኣብታ ሃገር ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ብምስዓቡ፡ እቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦትን ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ፡።
ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ናብ ዘተ ንምምጻእ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ናብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን መቐለን ተጓዒዙ ምስ መራሕቲ ክልቲኦም ወገናት ከም ዝዘተየ ዝዝከር እዩ።
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ብተመሳሳሊ እቲ ጎንጺ ብዘተ ንምፍታሕ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬንያን ዘትዩ እዩ።
ፌልትማን ናብቲ ዞባ ብተደጋጋሚ ዝተመላለሰ ኮይኑ ክሳብ ሕዚ ዝበጽሓሉ ደረጃ ግን ኣይተነጸረን።
እንተኾነ ዛጊድ ነቲ ሓደ ዓመት ዘቑጸረን ከቢድ ዕንወት ዘውረደን ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምሃብ ኣፋፍኖት ዘይተረኸበ ኮይኑ፡ ንሰፊሕ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ይግስግሱ ከም ዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







