ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ብኸመይ እዩ ንሰራዊት መንግስቲ ጸብለል ኢሉዎ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሓደ እዋን፡ ብኣመሪካ ዝኽበር ዝነበረ ዘይድፈር ሓይሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ብዝተኸስተ ቅልውላው፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ከቢድ ክሳራ ስለዘጋጠሞ፡ መንግስቲ፡ ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ዘበለ ዜጋ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ንክዋጋእ ክኸትት ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ካብ ስልጣን ተኣልዩ ናብ ጎቦታት ትግራይ ዝተደፍአ ኣብ ሰሜናዊ ክልል ትግራይ ዝርከብ ገዛኢ ሰልፊ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ዳግማይ ተወዲቡ ንመቐለ ድሕሪ ምእታው ኣብ መስመር ኣዲስ ኣበባን ምስ ጂቡቲ ዝዳወባን ከተማታት ይቆጻጸር ኣሎ።
"ተጋደልቲ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ፡ ብደባያዊ ቅዲ ኵናት፡ ኣጥቂዖም እናተሰወሩ ንሰራዊት ፈደራል ድሕሪ ምድኻም፡ መሊኦም ንክስዕሩዎ ጸረ መጥቃዕቲ ፈንዮም" ይብል ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፋይዛል ሮብለ።
ተንታኒ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ናይ ቁጠባ ምሁርን ኣቻምየለህ ታምሩ ግና፡ ገስጋስ ህወሓት "ግዝያዊ" ምዃኑ ይገልጽ።
"ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ንሃገሩ ክከላኸልን ከድሕንን ይበራበር ኣሎ" ከኣ ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሰናዳኢ ቢቢሲ ትግርኛ ነበር ሳሙኤል ገብረሂወት፡ እዚ ሕጂ ሓይልታት ትግራይ ዘርእዩዎ ዘለው ወኒ፡ ምስ ደባይ ተዋጋእቲ ኤርትራ ንዘሕለፎ ህይወትን ንስርዓት መንግስቱ ሃይለማሪያም (ደርግ) ንምውዳቕ ክሳብ 1991 ሓቢሮም ዝተቓለስሉ እዋንን የዘኻኽሮ።
"ብፈኲስ ብረት፡ ግን ከኣ ሓያል ቅልጣፈ፡ ብውሑድ መግቢ ግን ከኣ ሓያል ወንን ቈራጽነትን እዮም ዝምክቱ" ይብል።
ኤርትራ [ኣብ ግንቦት 1991] ናጽነታ ክትጎናጸፍ እንከላ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝሓዘ ህወሓት ኣብ 2018 ብህዝባዊ ናዕቢ ናብ መቐለ ክሳብ ዝድፋእ ንልዕሊ 25 ዓመታት ገዚኡ።
ኣብ መጀመርያ ሕዳር 2020፡ ብምትሕብባር ላዕለዎትን ታሕተዎትን ተጋሩ መኮንናት፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፈደራላዊ ወተሃደራዊ መደበር [ሰሜን እዝ] መጥቃዕቲ ከፊቱ፡ ተደፊኡ ናብ ኣኽራናት ትግራይ ክሳብ ዘንሳሕብ ኣብ ደጀኑ ትግራይ እዩ ጸኒሑ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ብዙሕ ኣጽዋር ተታሒዙ፡ ጸኒዖም ዝተዋግኡ ገለ ላዕለዎት ሓለፍትን ወተሃደራትን ሰሜን እዝ እውን ተቐቲሎም ወይ ከኣ ብኣሽሓት ተማሪኾም።
"እቲ ኣብ ከውታ ለይቲ፡ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት [ሰሜን እዝ] ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣብ ዓቕሚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሃጓፍ ፈጢሩ'ዩ" ይብል ኣቻምየለህ።
እቲ ሓደጋ ዘጋጠሞ ሰራዊት ፈደራል፡ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን [ፍሉይ ሓይልን ምልሻን] ክልል ኣምሓራን ሓገዝ ረኺቡ፡ ብኣየርን ኣጋርን መጥቃዕቲ ብምክያድ ነቲ ዘጋጠሞ ዕንቅፋት ሰጊሩ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ወርሒ ንህወሓት ካብ ስልጣን ኣልዩዎ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ እቶም ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከም ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለትን ምዕናው ዘራእትን ዝኣመሰለ ግፍዕታት ምስ ፈጸሙ፡ "ትግራዎት ካብ ኵሉ ክፋላት ሕብረተሰብ፡ ክብሮም ንምሕላው ምስ ህወሓት ናብ ቃልሲ ውሒዞም" ይብል ሳሙኤል ።
"ወለዲ ንደቆም፡ 'ኣብ ገዛ ካብ እትሞቱ፡ ኬድኩም ተቓለሱ' ኢሎም ኣተባቢዖሞም። እቲ ኲናት ኣብ መንጎ ህወሓትን እቲ ሰራዊትን ዘይኮነስ፤ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊትን ኮይኑ " ከኣ ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣቶ ሮብሌ፡ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘገልገሉ ጀነራላት ተጋደልቲ ህወሓት ነበር ጥሮተኛታት ኣብ ኣኽራንን በዓትን ትግራይ[መኺሮም] ነቶም ኣሸሓት ሓደሽቲ ሰልጠንቲ መናእሰይ፤ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ [TDF] ብዝብል ሓድሽ ወተሃደራዊ ክንፊ ብጽፈት ወዲቦሞ።
"እዞም ንህዝቢ ትግራይ ክከላኸልሉ ግዴታ ዝተሰመዖም ጀነራላት ነቲ ውሽጡን ውሻጥኡን ዝፈልጡዎ ሰራዊት መንግስቲ ንኪስዕርዎ መደብ ኣውጺኦም" ይብል ኣቶ ሮቤል።
ኣብዚ እዋን ሓይልታት ትግራይ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር 300 ኪ.ሜ. ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ካብቶም ዝሓየሉ ሰራዊት ዝነበረ ሓይሊ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ኢድ ሒዞም ይዋግኡ ኣለው።
"ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ኲናት፡ ቀንዲ መሻርኽቲ ኣመሪካ እያ። ነቲ ሰራዊት ኣመሪካ ንሳ እያ ትምውሎን ክሳብ ኣስናኑ እተዕጥቖን። ነቶም ወተሃደራት ድሉው መግቢ እተቕርበሎም እውን ንሳ ኣመሪካ እያ ።
"ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ እውን ተልእኾ ሰላም ንምኽባር ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ እዩ ዝምርኮስ ነይሩ። ሕጂ ግን ኢትዮጵያ ርግኣት የብላን። ወተሃደራዊ ሓይላ እውን ጽላሎት ሕሉፍ ምስሉ እዩ፡ ከም ቀደሙ የሎን" ይብል ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ጥልመትን ሞራል ምስኣንን
መንእሰያት እተን ኣብ ኢትዮጵያ ዝዓበያ ክልተ ብሄራት ኦሮሞን ኣምሓራን ኣንጻር'ቲ ን27 ዓመታት ዝገዝአ ህወሓት ዝቆጻጸሮ ስርዓት ህዝባዊ ናዕቢ ድሕሪ ምክያዶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሚያዝያ 2018 ስልጣን ተረኪቡ።
ዶር ኣቢዪ፡ ክገብሮ ብዝፈተነ ጽገናዊ ለውጥታት ከኣ ምስ ህወሓት ኣብ ወጥሪ ኣተወ።
"ኣስታት 6% ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘቕውም ህዝቢ ትግራይ። ህወሓት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብሄራት ናይ ገዛእ ርእሰን ክልላዊ ስልጣን ንክህልወን ዘፍቅድ ፌደራላዊ ስርዓት'ዩ ፈጢሩ" ይብል ኣቶ ሮብሌ ።
"ህወሓት፡ ዶር ኣብዪ [ኦሮሞ] ኣሃዱኣዊ ስልጣን ክፈጥር ከም ዝደለየ ኮይኑ ስለዝተሰመዖም ኣብ መንጎኦም ሓያል ወጥሩ ተፈጢሩ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ ናብ ውግእ ኣምሪሑ" ይብል።
ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝመደበሩ ዓለም-ለኸ ትካል ሰላም ፈጻሚ ዳይረክተር፡ ኣሌክስ ዱ ዋል ፡ ዶር ኣቢይ፡ ብዛዕባ ዕብለላ ትግራይ ንዝነበረ ስክፍታ ክኣልን ንዕኡ ዝእመን ወተሃደራዊ ሓይሊ ንምፍጣር ከምዝተንቀሳቐሰን ይገልጽ።
"ተጋሩ፡ ዳርጋ 18% ሰራዊት ኢትዮጵያ የቑሙ ነይሮም። እቲ ቍጽሮም ምስ ብዝሒ ህዝቦም ክነጻጸር እንከሎ ሚዛናዊ ኣይነበረን። ስለዝኾነ ኣቢዪ ኣሕመድ [ዶ/ር] ኣብ ሰራዊት ሓያል ለውጥታት ብምግባር ብኢማራት ዝሰልጠኑ ንዕኡ ተኣመንቲ ዝኾኑ ሪፐብሊካዊ ሓለዋ ፈጢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ኣሕመድ እቲ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ነቲ ሰራዊት ክሃንጾን ከበራብሮን ግዜ ስለዘይረኸበ፡ እቲ ለውጢ፡ ንሞራልን ሓድነትን እቲ ሰራዊትን ተንኪፉዎ " ይብል ፕሮፌሰር ዲ ዋል ።
ካብቶም ዝርካቦም 20 ክፋላተ ሰራዊት፡ እቶም 50,000 ዝዀኑ ዓቕሚ ወተሃደራት ዝነበሩዎ 10 ክፋላተ ሰራዊት፡ 10,000 ካብኦም ኣብ ወርሒ ሰነ ተቐቲሎምን ተማሪኾምን።
ቢቢሲ ካብ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ኢትዮጵያ ርእይቶ ንምርካብ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን።
ህዝባዊ ማዕበል
ሰራዊት ህወሓት ንዝበዝሐ ክፋል ትገራይ ኣብ ወርሒ ሰነ ምስተቆጻጸሮ፡ ሓዲሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ጀሚሩ። መንግስቲ ድማ ንገስጋስ ሰራዊት ትግራይ ንምግታእ ዝርካቡ ሰራዊትን፡ ሓረስቶት ተማሃሮን መንእሰያት ንሰራዊት ህወሓት ክስዕሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
''ንገስጋስ ሰራዊት ትግራይ ንምግታእ ሰራዊትን፡ ሓረስቶት ተማሃሮን መንእሰያት ከይተረፉ ብሰባዊ ማዕበል መጥቃዕትታት ኣካዪዶም። ናይ ሒደት ሳምንታት መባእታ ስልጠና ዝወሰዱ ወተሃደራት እዮም ንሓይልታት ትግራይ ከጥቅዑ ዝፍትኑ። ንሓንሳብ እቶም ኣብቲ ካልኣይ ማዕበል ዝስለፉ ጠበንጃ እውን የብሎምን። ብኣሽሓት ምናልባት እውን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብቲ ውግእ ተቐቲሎም እዮም "ይብል ኣሌክስ ዲ ዋል።
"[እዚ ኩነታት] ነቲ ኣብ መንጎ ወተሃደራትን ሲቪልን ዘሎ ፍልልይ ስለዝሓወሶ ዝተሓላለኸ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኩነታት እዩ ዝፈጥር። ኣብ ርእሲኡ ኣብ ህዝቢ ኣምሓራን ህዝቢ ትግራይን ከቢድ ጽልኢ ብምሕዳር ሰላምን ዕርቅን ንምርካብ ዝያዳ ኣጸጋሚ ይገብሮ " ኢሉ።
አቻምየለህ ግን ኣብ ልዕሊ ህወሓት "ናይ ሰብ ማዕበል" መጥቃዕቲ ኣይተገብረን ይብል። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ እቲ ህዝቢ ኣብ ጥቐኦም ዝከላኸለሎም ሰራዊት ፈደራል ኣብ ዘይነበረሉ ግዜ ነቲ ሕብረተሰብ ኣንጻር መጥቃዕቲ ሰራዊት ህወሓት ተኸላኺሉሉ እዩ" ይብል።
"ሰራዊት ህወሓት ንህዝቢ ኣምሓራ ገዛ ገዛ ከይዶም እናሃደኑዎ፡ ነዴታቶም እናጋፍዑን ንኣዋልዶም እናደፈሩን ኣብ ገዛ ኮፍ ክብሉ ኣይክእሉን እዮም" ይብል ኣቶ አቻምየለህ ህወሓት በቲ ዝፈጸምዎ ግፍዒ ክሕተቱ ከምዝግባእ ብምግላጽ።
ኣብዚ ቀረባ ዕለታት ፈደራላዊ መንግስቲ ንገስጋስ እቲ ኵናት ንምግታእ፡ "ዝኾነ ወተሃደራዊ ዕድመ ዘለዎ ዜጋ" ንክኸትት ብምጽዋዕ [ንዝምልከቶም ሰብ መዚ]ፍሉይ ስልጣን ዝህብ ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋገ ኣዊጁ ኣሎ።
ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ እውን ኩሎም ናይ መንግስቲ ኣብያተ-ጽሕፈታት ክዕጸዉን ዜጋታት መካይንኦም ከዳልዉን ትእዛዝ ብምትሕልላፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ስጉምቲ ወሲዱ ኣሎ።
ፕሮፈሰር ዲ ዋል እቲ ስጉምቲ ብዙሕ ክቕይሮ ዝኽእል ነገር ዝህሉ ኣይመስለንን ይብል።
"ብዙሕ ቍጽሪ ሰብ ክእክቡ ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ ግን እቲ ናይ እዝን ቁጽጽርን ናይቲ ሰራዊት ቅርጺ መንሚኑ እዩ። ሓደ ሰራዊት ከኣ፡ ናይ ሓባር ዕላማን ሰረተ እምነታትን ሓባራዊ ተግባራትን ንከጥሪ ሓያሎ ዓመታት እዩ ዘድልዮ። [ሰራዊት] ብዓመታት እተሃንጾ ትካል እዩ " ይብል ።
ኣን ፊዝጀራልድ ዝተባህለት ኣብ ካናዳ ዝመደበራ ተንታኒት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ተስፋ ዝቖረጸ ህወሓት ኣንጻር ሰራዊት ኣምሓራን ዓፋርን ሓያል "ሰብኣዊ ማዕበል" የሰልፍ ከምዘሎን፡ ተዋጋእቲ ህወሓት ካብ ሰራዊት ፈደራል ንላዕሊ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረዶምን ብዙሓት ኣዘዝቶም ከምዝተማረኹን ትገልጽ።
ብምቕጻል፡ ሰራዊት ህወሓት ነታ ናብ ዶብ ጅቡቲ እትወስድ ሚለ እትብሃል ከተማ ንምሓዝ ዝገበሮ 12 ተደጋጋሚ ፈተነታት ከም ዝፈሸለ ትሕብር።
ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ንዝኾነ እታውን ሰደድን ኣቝሑን መግብን ኣብ ወደብ ጅቡቲ እያ ትምርኮስ። ህወሓት ድማ ነቲ መስመር ብምቁጽጻር ነቲ ድሮ ተሃስዩ ዘሎ ቁጠባ ኢትዮጵያ ዝያዳ ንምድኻም እዩ ዝጽዕር ዘሎ።
ኣብ ርእሲኡ ህወሓት ነታ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ከበባ ንምእታው ዝዓለመ መጥቃዕቲ የካይድ ኣሎ።
"ህወሓት፡ ኣብቲ መንግስቲ ጸቕጢ ብምግባር ንክላዘብ እዮም ከገድዱዎ ዝደልዩ። ካብኡ ወጻኢ ንኣዲስ ኣበባ ዝኣትዉ ኣይመስለንን። ኣብኡ ብዙሕ ተቐባልነት የብሎምን" ይብል ኣቶ ሳሙኤል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዘለዎ ፕሮፈሰር ዲ ዋል እውን፡ "መንግስቲ፡ ወተሃደራዊ ስዕረት እውን እንተጋጠሞ፡ ህወሓት፡ ተዓዊተ ክብል ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ መወዳእታ፡ ፖለቲካዊ ዓወት ክኸውን ኣለዎ" ይብል።
"ዛጊት [ህወሓት] ዘይብሎም፡ ናይ ብዙሓት ፖለቲካውያን ተዋሳእቲ ደገፍ የድልዮም ኣሎ፤ ስለዚ ዘተ ክህሉ ኣለዎ፡ ኣተኩሮ ህወሓት ከኣ ንመጻኢ ትግራይ ውሑስ ኣብ ምግባር ክኸውን እዩ" ከኣ ይብል ኣሌክስ ዲ ዋል።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







