ኢትዮጵያ፡ ክልተ ፍሉጣት መምህራን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተኣሰሩ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, The Reporter/Facebook
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትምህርቲ ሕግን መጽናዕትን ፍሉጣት ዝኾኑ መምህራን፡ ፕሮፌሰር ኣሰፋ ፍሰሃን ሓጋዚ ፕሮፌሰር መሓሪ ረዳእን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ምንጭታት ቢቢሲ ኣረጋጊጾም፡፡
ፕሮፌሰር ኣሰፋ ፍሰሃ ኣብ ትምህርቲ ሕገ መንግስቲ ዓብዪ ኣበርክቶ ዝገበረ ክኸውን እንከሎ: ሓጋዚ ፕሮፌሰር መሓሪ ረዳኢ ድማ ኣብ ዓውዲ ሕጊ ሰራሕተኛን ኣስራሕን ብዝገበሮ ኣበርክቶ ዝለዓለ ክብሪ ዝወሃቦ እዩ፡፡
ክልቲኦም ምሁራት ምስቲ አብ ኢትዮጵያ ዝተኣወጀ ህጹጽ እዋን ብዝተሓሓዝ ከም ዝተኣሰሩ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም፡፡
ሓጋዚ ፕሮፌሰር መሓሪ ቅድሚ ሒደት መዓልቲታት ተኣሲሩ ከም ዝተፈተሐን እዚ ናይ ሕዚ ንካልኣይ እዋን ከም ዝኾነን ተገሊጹ ኣሎ፡፡
ቢቢሲ ማእሰርቲ ክልቲኦም ምሁራት ሽሞም ክጥቀስ ካብ ዘይደለዩ ናይ ቀረባ ቤተሰቦም ኣረጋጊጹ፡፡
ቢቢሲ ኩነታት እቶም ዝተኣሰሩ ምሁራት ብዝምልከት ዝፈልጦ ነገር እንተሃልዩ ንሓላፊ ክፍሊ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዶ/ር ብሩክ ሃይሌ ብስልኪ ዝሓተተ እንትኾን ‘‘ገና ካባኹም እየ ዝሰምዕ ዘለኹ፡፡ ክሳብ ሕዚ ዝፈልጦ ነገር የለን’’ ዝብል ምለሽ ሂቡ፡፡
ብተወሳኺ ንቐጻሊ ሃለዋት እቶም ምሁራት ብዝምልከት ከጻርዩ እንተኾይኖም ንዝቐረበሉ ሕቶ ‘‘ኣብዚ ብርኪ እዚ እዩ ኢለ ክዛረብ ኣይክእልን፡፡ ዝምልከቶ ኣካል እምበር ኣነ እዚ ኣይፈልጥን’’ ኢሉ፡፡
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካው ፈንታ ብወገኑ ብዛዕባ እቶም ተኣሲሮም ዝተብሃሉ ምሁራት ሓበሬታ ከም ዘይብሉን ኣጻርዩ መልሲ ከም ዝህብን ንቢቢሲ ሓቢሩ፡፡
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምስቲ ህጹጽ እዋን ብዝተሓሓዝ ሰባት ኣብ ቀይዲ ዝኣትዉሉ ኩነታትን ኣተሓሕዛ እሱራትን ትኹረት ከምዘድልዮ ኣብዚ ሰሙን ሓቢሩ ነይሩ፡፡
እቲ ኮሚሽን ዋላኳ ድሕሪ እቲ ህጹጽ ኣዋጅ ዝተኣሰሩ ብዝሒ ሰባት ብንጹር ከም ዘይፈልጥ አንተገለጸ: ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ጥራሕ ምስቲ ኣዋጅ ብዝተሓሓዝ 714 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ገሊጹ እዩ፡፡
ኣብቲ እቲ ኮምሽን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተኣሲሮም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ዝሓበረሉ መግለጺ፡ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ እውን 300 ሰባት ከምዝተኣሰሩ ሓቢሩ፡፡
ብተወሳኺ ዝተወሰኑ ሰባት ኣካላት ጸጥታ ብዝረኸብዎ መረዳእታ ዝተኣሰሩ እንትኾን መብዛሕተኦም ግና ካብ ሕብረተሰብ ተረኺቡ ብዝተባህለ ጥቆማ ኣብ ቀይዲ ከም ዝውዕሉን ካብቶም እሱራት በዝሒ ተወለድቲ ትግራይ ዝለዓለ ቁጽሪ ከም ዝሕዝን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ የረድእ፡፡
ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ዝተትሓዙ ሰባት ተወለድቲ ትግራይ ዘይምዃኖም እናረጋገጹ ካብ ማእሰርቲ እንትፍትሑ ሰራሕተኛታቱ ከም ዝረኣዩ መግለጺ እቲ ኮሚሽን የመልክት፡፡
ብተመሳሳሊ ዕድሚኦም ካብ 80 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ሽማግለታት ሓዊሱ ዘጥብዋ ኣዴታት፣ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም፣ ክትትል ሕክምና ከምዘድልዮም ዝተገለጹ ሰባትን ከምዝተኣሰሩ ኣባላት ክትትል እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጦም፡፡
ኤጀንሲ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ድሕሪ እቲ ኣዋጅ መብዛሕተኦም ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ከምዝተኣሰሩ ገሊጹ ኣሎ፡፡
"ብውሑድ ካብ ሓደ ሽሕ ንላዕሊ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወይ ልዕሊኡ ተኣሲሮም ተባሂሉ እዩ ዝእመን፡፡ ገለ ጸብጻባት እውን እቲ ቑጽሪ ኣዝዩ ዝበዝሐ ከም ዝኾነ ይሕብሩ" ክብል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት እቲ ውድብ ተዛሪቡ፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







