ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣስሩ ሰራሕተኛታቱ ብቕልጡፍ ክፍትሑ ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታቱ ክፈትሖም ሓቲቱ።
ወሃቢ ቃል ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፡ ዛጊት ኣብ ልዕሊ እቶም ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመስረተ ክሲ ከምዘየለን ስለምንታይ ከምዝተኣስሩን መግለጺ ሓቲቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ካብ 72 መራሕቲ መኪና ፍርቆም ከምዝተፈትሑ ትማሊ እቲ ውድብ ሓቢሩ ነይሩ።
ብሰብ ስልጣን ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዘለዉ ዝተረፉ 36 ግን ዛጊድ ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ወሃቢ ቃል እቲ ዋና ጸሓፊ ኣረዲኡ።
ብተወሳኺ፡ ካልኦት 10 ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዛጊድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዮም ዝርከቡ።
ጉተሬዝ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ወሳንን ዘይሻራውን ሰራሕቲ ከምዘሳልጥን፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ ዝፍጽሞ ማእሰርቲ ጠጠው ከብልን ሓቲቱ።
እቶም ሰራሕተኛታት እቲ ውድብ፡ ሰብ ስልጣን እታ ሃገር መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ጠጠው ከብሉን ክኹንኑን'ውን ሓቲቱ ኣሎ።
መንግስቲ ንተወለድቲ ትግራይ እናሃደነ ይኣስር ኣሎ ዝብል ነቐፌታ ዝቐርቦ ዘሎ ኾይኑ፡ ሰበ ስልጣናት ብወገኖም 'ሰባት ዝእሰሩ ዘለዉ ብመንነቶም ኣይኮነን" ይብሉ።
"ወተሃደራዊ ጎንጺ ንኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ኣየምጽእን" ዝበለ እቲ ዋና ጸሐፊ፤ ናይቲ ጎንጺ ተሳታተፍቲ ዝኾኑ ኣካላት ኲናት ጠጠው ኣቢሎም ክላዘቡ ምዒዱ።
ከምኡ'ውን ድሕነቱ ዝተረጋገጸን ዘይተገደበን ሰብኣዊ ረድኤት ዝሓልፈሉ ኩናታት ክፍጠር ኣለዎ ብምባል ደጊሙ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ሓይልታት ትግራይ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ኣብታ ሃገር ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ምህላዉ ይፍለጥ።
ካብ ዝሓለፉ ሰሙናት ጀሚሩ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ጎንደርን ባህርዳርን ካልኦት ከባብታትን ዝፍጸም ማእሰርቲ ምቕጻሉ ከምዘሻቐሎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።
ነቲ ኣብታ ሃገር ካብ 2 ሕዳር 2021 ጀሚሩ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ስዒቡ ፖሊስ ሰፊሕ ፈተሻን ማእሰርትን የካይድ ምህላዉ እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ’ሎ።
ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ተወለድቲ ትግራይ ምዃኖም ዘተሓስስብ ምዃኑ እቲ ኮሚሽን ጠቒሱ'ሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







