ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ደቡብ ጎንደር ጾታዊ ዓመጻት ከምዝፈጸሙ ኣምነስቲ ገሊጹ

ሓይልታት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንፋስ መውጫ ኣብ ትብሃል ከተማ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸምሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ጸታዊ ዓመጽ፣ ስርቅን ኣካላዊ መጥቃዕትን ከም ዝፈጸሙ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከሲሱ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ናብታ ከተማ ብምኻድ ካብ ዘዘራረበን ደቂ ኣንሰትዮ እተን 16 ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተጸፈመን ሓቢሩ።

እተን ግዳያት ብብረት ኣፈራሪሖም ከም ዝዓመጽወንን ንብረተን ከም ዝሰረቕወንን ከምኡ'ውን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከም ዘውረዱለን ንኣምነስቲ ይጠቅስ።

ካብተን 16 ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ እተን 14 ብጉጅለ ዝተዓመጻ እየን ክብል እቲ ትካል ተሓላቒ መሰላት ይገልጽ።

ሓይልታት ትግራይ ግን ነቲ ዝተባህለ ክሲ ከምዘይፈጸሙን እቲ ትካል ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደሉ መገዲ ''ብርሑቕ ኣብ ዝተገበረ ናይ ቪድዮ ቃለ መሕተትን ንባዕሎም ዝረብሕ ኣብ ዝዛረቡ ናይ ክልልን ፌደራልን ሰበስልጣን ምስክርነት'' ዝመስረተ ግጉያ ኣካይዳ ክብል ገሊጽዎ፡፡

ሓይልታት ህወሓት፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መደበር ሕክምና ብምእታው'ውን ንብረት ከም ዝሰረቑን ዝተረፈ ከም ዘዕነውዎ'ውን ምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣምነስቲ ገሊጹ።

መራሕቲ ህወሓት ግን ''ኣምነስቲ ኢንተርናሽል ነቲ ሰብ መዚ ክልልን ፌደራልን ዝቕረብዎ ክሲ ከም ሓቂ ገይሩ ዝወሰዶ እዩ ዝመስል'' ብምባል ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት ናብቲ ከባቢ ዘይለኣኸሉ ምኽንያት ምስ ስግኣት ጸጥታ ዝተሓሓዝ እዩ እኳ እንተተብሃለ ''ሰበስልጣን ክልልን ፌደራልን እቲ ገበን ተፈጺሙሉ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ቁጽጽሮም ስለዘሎ ናይ ጸጥታ ውሕስና ክህብዎም ይግባእ ነይሩ'' ክብሉ ገሊጾም፡፡

ኣብቲ ኣማስዩ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታ ትግራይ ኣቢሉ ዝወጸ መግለጺ: መንነት እቲ ፈጻሚ ብዘየገድስ ተግባራት ጾታዊ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጠቑ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም በደልን ከምዝቃወሙ ብምግላጽ ''በቲ እነካይዶ መጽናዕቲ ሓይልታት ትግራይ ከምዚ ዓይነት ገበን ከምዝፈጸሙ እንድሕር ኣረጋጊጽና፡ መንግስቲ ትግራይ ነቶም ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ከቕርቦም እዩ'' ኢሉ፡፡

''ዘይሻራዊ ዓለም ለኻዊ ኣካል ብዘካይዶ ነጻ ምርመራ ጥራሕ እዩ እቲ መጽነታይ ኲናት ካብ ዝጅመር ሓትሒዙ ዝተፈጸሙ ከበድቲ ገበናት ክፍለጡ ዝኽእሉ'' ኢሉ፡፡

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ትርከብ ንፋስ መውጫ ሓይልታት ህወሓት ካብ 6 ክሳብ 15 ነሓሰ 2013 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] እዮም ን10 መዓልታት ተቆጻጺሮምዋ ነይሮም።

ኣብዘን መዓልታት ልዕሊ 70 ደቂ ኣንሰትዮ ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺሙና ኢለን ከም ዝሓበራ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን እቲ ክልል ገሊጹ።

ዋና ጽሓፊት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣግነስ ካላማርድ "ካብተን ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸመን ዝሰማዕናዮ ናይ ቃል ምስክርነት፡ ኣጸያፊ ተግባራት ህወሓት፡ ምስ ገበናት ኵናትን ምስ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ገበናትን ዝመጣጠን እዩ" ኢላ።

ብምስዓብ፡ ሓይልታት ህወሓት ጾታዊ ዓመጽ፡ ካልእ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ካብ ምጥሓስ ደው ብምባል ኣብ ልዕሊ ነዚ ተግባራት ዝፈጸሙ ሰባት ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስዱ ጸዊዓ።

እቲ ትካል፡ ኣብቲ ካበቢ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናትን መንእያትን ብምዝርራብ እተን ብሓይልታት ህወሓት ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸመን ደቂ ኣንስትዮ 71 ምዃነን ክሕበሮ እንከሎ፡ ቤት ጽሕፈት ሚኒሰትሪ ፍትሒ ፌዴራል ግን እቲ ቁጽሪ 73 ምዃኑ'ዩ ዝሕብር።

እተን ግዳያት፡ ዓመጽተን ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ምዃኖም ዝፈለጣሉ፡ ብላህጀኦምን ብሄር መሰረት ዝገበረ ጸርፎምን ከምኡ'ውን ብግልጺ ህወሓት ምዃኖም ይገልጹለን ብምንባሮም ምዃነን ንኣምነስቲ ገሊጸን።

ገለ ገለ ካብቶም ዓመጽቲ'ውን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ሕነ ይፈድዩ ምህላዎም ይገልጹ ምንባሮም እተን ግዳያት ገሊጸን።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ካልኦት ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ናይ መንግስትን መላፍንቲ መንግስትን ዝኾኑ ሓይልታትን ምልሻታትን ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝፈጸምዎ ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጻትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣመልኪቶም ጸብጻባት የውጽኡ ነይሮም'ዮም።

እተን ብሓይልታት ህወሓት ከም ዝተዓመጻ ናይ ቃል ምስክርነት ዝሃባ 16 ደቂ ኣንስትዮ፡ ንኣካላውን ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ከም ዝተቓልዓ ብምሕባር፡ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ሕክምና ስለ ዝዓነወ ሕክናዊ ሓገዛት ንምርካብ ከም ዝተሸገራ ገሊጸን።

ብመንግስቲ ፌደራል ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ዝሰፈረ ህወሓት፡ ብዛዕባ እዚ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝወጽአ ጸብጻብ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ መልሲ የለን።