ቅልውላዉ ኢትዮጵያ፡ ኦባሳንጆ ከም ኣተዓራቒ ኢትዮጵያ ዝነጸጎ ኣካል ከምዘየለ ተዛሪቡ

ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ

ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መፍትሒ ንምርካብ ኣሸማጋሊ ኮይኑ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘዘ ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ፡ እቶም ተጻባእቲ ኣይተቐበሉዎን ዝብል ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ኢሉ፡፡

ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዙ ነቶም ወገናት ዘዘራርብ ዘሎ ኦባሳንጆ ምስ ቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ‘‘ኣይንቕበለካን ዝበለኒ ኣካል የለን’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡

‘‘እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር [ኣብዪ ኣሕመድ] እቲ ኣነ ዝጠልቦ ኣቓልቦ ሂቡኒ እዩ፡፡ ዝግባእ ክብሪ ሂቡ ኣተኣናጊዱኒ እዩ፡፡’’

ብዛዕባ እቲ ትማሊ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ዝገበሮ ምብጻሕ ድማ ‘‘ ፕረዚደንት ትግራይ ልክዕ ከምቲ ዝኾነ ኣፍሪቃዊ መራሒ ክቕበለኒ ዝኽእል ገይሩ እዩ ተቐቢሉኒ፡፡ ስለዚ እቲ ፈንፊኖምዎ እዮም፤ ኣይተቐበሉዎን ዝብል ወረ ሓቂ ኣይኮነን’’ ይብል እቲ ፍሉጥ ኣፍሪቃዊ መራሒ፡፡

‘‘ኩሎም ‘ስለዝተሓረኻ ንንእደካ ኢና፤ እቲ መንገዲ ከምኡ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡፡ ቅኑዕ ዝኾነ ማእከላይ ኢና እንደሊ፤ ካባኻ ዝበልጽ እውን ኣይረክብን ኢሎምኒ ’’ ክብል እውን ወሲኹ ገሊጹ፡፡

ነቲ ሓደ ዓመት ዘቑጸረን ንሚልዮናት ኣብ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘውደቐን ጎንጺ መፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል ዘተ እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ ግን እቲ ልኡኽ ብዙሕ መብርሂ ክህብ ኣይደለየን፡፡

ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆ ምስ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, TTV

ንሱ እዚ ደረጃ መደራደሪ ኣርእስቲ ዝዝተየሉ ዘይኮነስ ‘‘ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዝግደሱሎም ጉዳያት እንታይ እዮም ዝብል ንምርዳእ’’ ይፍትን ከምዘሎ ገሊጹ፡፡

ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር ስእሊ ኣሰንዩ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ኦባሳንጆ ምስ መራሒ ህወሓት ደብረጽዮም ገብረሚካኤል ተራኺቦም ‘‘ዕዉት’’ ዘተ ከምዘካየዱ ገሊጹ ነይሩ፡፡