ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኣንጻር መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ኪዳን ከምዝመስረቱ ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, Reuters/Facebook
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ዝርከብዎም 9 ተቓወምቲ ጉጅለታት ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኪዳን ከምዝመስረቱ ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ብዓርቢ ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ ኣኼባ "ፈደራላውያንን ኮንፈደራላውያንን ሓይልታት" ሓደ ዝጥርንፎም ስምምዕ ከምዝፈረሙ ገሊጾም ኣለዉ።
እቲ ኪዳን፡ ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ተቓወምቲ ትግራይን፡ እቶም ብ"ሸኔ" ዝፍለጡ ዕጡቓት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ናብ ኣንፈት ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝግስግስሉ ዘለዉ እዋን'ዩ ዝምስረት ዘሎ።
እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት መበገሲ ከምዝኸውን ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈ ወኪል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝምስረት መሰጋገሪ መንግስቲ ነዚኦም ጥራይ ዝሓቖፈ ክኸውን'ዩ ዝብል እምነት የብልናን። ካልኦት ኣገደስቲ መዳርግቲ ኣካላት ክሳተፉ ምዃኖም ተስፋ ኣለና" ይብል ኣቶ ኦዳ ተርቢ።
ምስ ካልኦት ናብቲ ኪዳን ክኣትዉ ዝድለዩ ጉጅለታት ልዝብ ይካየድ ከምዘሎ'ውን ኣቶ ኦዳ ጠቒሱ።
እንተኾነ ግን፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ፡ ኣንጻር'ቶም ኣገደስቲ ቦታታት ዝተቖጻጸሩ ሓይልታት ህዝባዊ ክተት ብምእዋጅ ክሳብ መወዳእታ ክዋጋእ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ ዘሎ።
በቲ ገስጋስ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ስግኣት ዝወደቐ መንግስቲ፡ ኣብታ ሃገር ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ'ሎ።
ኣፈኛ መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ ግብረመለሲ፡ ከበደ ደሲሳ፡ "እዞም ተቓወምቲ ጉጅለታት መሰረት ዘይብሎም'ዮም" ክብል ብምንእኣስ፡ ምትእኽኻብ "ልሙድ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ" ክብል ገሊጽዎ።
"ኣብታ ሃገር ናይ ምርግጋእ ጸገም ኣብ ዝህልወሉ፡ መንግስቲ ተዳኺሙ'ዩ ኣብ ስልጣን ኣይጸንሕን'ዩ ብምባል፡ ዲያስፖራ ኢትዮጵያውያን ኪዳን ንምምስራት ይተኣኻኸቡ" ኢሉ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ኣብ መስከረም ሓድሽ መንግስቲ ምምስራቱ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, FBC
ብሰንኪ'ቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ሃገራዊ ምርጫ ኣይተኻየደን። ንምንዋሕ ናይቲ ምርጫ ኣቐዲሙ ዝተቓወመ ህወሓት ኣብ መስከረም 2020 ፈደራላዊ መንግስቲ "ዘይሕጋዊ" ዝበሎ በይናዊ ምርጫ ትግራይ ብምክያድ ተዓዊቱ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ ስምምዕ ንህዝብታት ጋምቤላ፡ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ማሕበረኮማት ቅማንትን ኣገውን፡ ከምኡ'ውን ክልላት ዓፋርን ሶማሊን ከምዝውክሉ ዝዛረቡ ጉጅለታት ተሳቲፎም ነይሮም።
ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈ ሓደ ካብ ላዕለዎት ነባራት መራሕቲ ህወሓት ዝኾነ ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብታ ሃገር ዘይምርግጋእ ከምዝፈጠረ ብምኽሳስ "ኩላትና ርእስና ንምክልኻል ተገዲድና" ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ግን፡ እቲ ዘይምርግጋእ ብሰንኪ ህወሓት ከምዝተፈጥረ'ዩ ክኸስስ ጸኒሑ።
ህወሓት፡ ቅድሚ'ቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ መቐለ ተመሳሳሊ ኣኼባታት ወዲቡ ምንባሩ ይዝከር።
ገለ ካብ መራሕቲ እቶም ውድባት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ዝውክልዎም ብብሄር መሰረት ዝተመስረቱ ክልላት ልዑል ናጽነት ክህልዎምን፡ ንጸጥትኦም ዘውሕስ ሓያል ናይ ምክልኻል ሓይሊ ክሃንጹ ከምዝደልዩን ተዛሪቦም።
"ዝበዝሑ [ካብቶም ነቲ ስምምዕ ዝፈረሙ] ኣብ ኮንፈደረሽን ዝኣምኑ" ምዃኖም ኣቶ ኦዳ ጠቒሱ።
ዋላ'ኳ እቲ ዝድለ ዘሎ ዝያዳ ናጽነት ንምርግጋጽ ቅዋማዊ ምምሕያሽ ከምዘድሊ እንተተዘርበሉ፡ ንግዚኡ ነቲ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ከምዝቕበልዎ ኣቶ ኦዳ ገሊጹ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቶም ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ብሓደ ክቃለሱ ኣብ ዝምምዕ ዝበጽሑ ሓይልታት ህወሓትን ሰራዊት ናጽነት ኦነግን፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለ ሰሙን ኣብ መስመር ደሴ-ካሚሰ ብኣካል ከምዝተራኸቡ ኣፈኛ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ ነይሩ።
ህወሓት ንልዕሊ 27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ንኣባል ውድባት ኢሂወደግን፡ ነቶም ብብሄር ዝተመስረታ ክልላት ዝውክሉ "ኣጋር" ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ኣብ ዙርያኡ ብምስላፍ ንኢትዮጵያ የመሓድር ምንባሩ ይግለጽ።
ኣብ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ህወሓት ዝነበሮ ጽልዋ እንዳጎደለ ከምዝኸደን፡ ኢህወደግ ናብ ሓደ ውሁድ ሰልፊ ብልጽግና ምስ ተቐየረ፡ ኣካሉ ከምዘይከውን ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝቐጸሉ ክልተ ዓመታት ድማ፡ ኣብ መንጎ'ቲ ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዝነበረ ህወሓትን፡ ብኣብዪ ዝምራሕ ማእከላይ መንግስትን ናብ ግጭት ዘምርሐ ፖለቲካዊን ሕገ-መንግስታውን ምትፍናን ቀጺሉ።
ብ3 ሕዳር 2020 ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ገዚፍ ኣካል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝኾነ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ንመዓስከራቱ ተቖጻጺሮሞ።
ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንጽባሒቱ ዕለት 4 ሕዳር ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህወሓት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክካየድ ድሕሪ ምእእዛዙ ኲናት ትግራይ ብወግዒ ተወሊዑ።
መራሕቲ ህወሓት ግን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ ዝወሰድዎ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊኦም ክውሰድ ዝጥጃእ ዝነበረ ዝብልዎ ስጉምቲ ቅድመ-ምክልኻል ንምግባር ዝዓለመ ምንባሩ'ዮም ዝምጉቱ።
እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ቀጺሉ ዘሎ ኲናት: ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ጥምየት፡ ኩነታት ዓጸቦ፡ ሞት፡ ምግሃስ መሰላትን ዕንወት ንብረትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ'ሎ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት ሃገራት ዞባዊ ውድብ ኢጋድን ኣመሪካን ዝርከብዎም ወገናት እቲ ደማዊ ኲናት ብህጹጽ ደው ኢሉ፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበርን ብልዝብ ክፍታሕን ይጽውዑ ኣለዉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







