ኩናት ኢትዮጵያ ኣብ ዓመቱ፡ እቲ መከራ ብኸመይ ደው ክብል ይኽእል?

መበል ሓደ ዓመት ምጅማር ኩናት ንምዝካር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረ ጽንበል እናነበዐት ዝተሰኣለት ጓል ኣንስተይቲ 3 ሕዳር 2021

ምንጪ ስእሊ, EPA

    • Author, ብካትሪን ብያሩሃንጋን የማነ ናግሽን
    • Role, ቢቢሲ ኒውስ፡ ቢቢሲ ትግርኛ

ኣብዚ እዋን'ዚ ሓይልታት ትግራይ ቅድሚ ዓመት ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ [ትግራይ] ኣብ ዝተወለዐ ኲናት ላዕለዋይ ኢድ ሒዞም ኣለው።

ስልጣን ተረኪቡ ፖለቲካዊ ዕረያ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን ምስ ኣመሓደርቲ ፓርቲ ትግራይ ኣብ ግጭት ዝኣተወ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብደረጃ ሃገር ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ - ፍርሕን ሻቕሎትን ሰፊኑ ኣሎ።

ሓይልታት ትግራይ ናብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝግስግሱሉ ዘለው እዋን መንግስቲ ንነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ነብሶምን ኣከባቢኦም ንክሕልው ክውደቡ ሓቲቱ ኣሎ።

ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝርከባ ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ 400 ኪ.ሜ. ርሒቐን ዝርከባ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ተቖጻጺሮም ኣለው።

ከተማ ደሴ ብደቡብ ናብ ኣዲስ ኣበባን ብምብራቕ ከኣ ናብ ጅቡቱ እተእቱ ኣገዳሲት ኣፍደገ ብምዃና ኣብቲ ከባቢ ኣዝዩ ብርቱዕ ውግእ ከም ዝነበረ ይእመን።

ከተማ ደሴ ኣብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ቅድሚ ምውዳቓ ኣብ ቀንዲ ሆስፒታል ደሴ ዝዓዪ ዝነበረ ሓደ ሰብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ኣብቲ ዞባ ውግእ ስለ እተባለዐ እታ ከተማ፡ ብዘደንቕ መገዲ ከም እተቐየረት ሓቢሩ ።

ስሙ ዓቂቡ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ደሴ ብዙሕ ዓሌታትን ማሕበረሰብን ዝነብሩላ፡ ዝተፈላለየ ባህላዊ ብዙሕነት ዘለዋ "ናይ ፍቕሪ ርእሲ ከተማ" ብምዃና ማእከል ቊጠባዊ ሕምብርታ እያ ክብል ይገልጻ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ ግን፡ ምስ ገስጋስ ሓይልታት ትግራይ ሃዲሞም ናብታ ከተማ ዝኣተው ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት አዕቍባ ጸኒሓ ኣላ።

ኣብ ደባርቅ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ሰባት ርድኤት እናወሰዱ ጥቅምቲ 2021

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ናብ ስራሕ ክኸይድን ንገዛይ ክምለስን፡ ንኣሽቱ ቘልዑ ብስረይ ሖዞም ኣብ እግረይ ወዲቖም እንጌራ ንኽዕድጉ ገንዘብ ይልምኑኒ ነይሮም" ይብል።

እዚ ወሃቢ ርኢይቶ፡ ንሱን ልዕሊ 10 መሳርሕቱን፡ ወተሃደራት መንግስቲ ከንሳሕቡ ምስ ረኣዩ፡ ካብቲ ሆስፒታልን ከተማን ሃዲሞም ሕጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከቡ።

ላዕለዋይ ኣባል ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ቴዎድሮሰ ሃይለማርያም፡ ነቲ ሕብረተሰብ ብውዳብ ንገስጋስ ሓይልታት ትግራይ ደው ዘብሉ ተዋጋእትን ነቶም ካብ መንበሪ ገዝኦም እተመዛበሉ ረድኤት ንምዕዳልን ሰባት ንምውዳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከብ።

ሰልፊ [ኣብን] ናይ ህወሓት ዕላማ ዳግም ናብ ስልጣን ምምላስ ከም ዝኾነ ይኣምን።

ውድብ ህወሓት ብ2018 ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ክሳብ ዝእለ ንኢትዮጵያ ን27 ዓመታት መሪሑዋ እዩ። -

" [ሕጂ] ክልተ ኣማራጺታት'ዩ ዘሎ - ወይ ወያነ ተሳዒሩ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክድሕን እዩ፤ ወይ ከኣ ወያነ ንኣዲስ ኣበባ ተቐጻጺሩ ንኢትዮጵያ ምግዛእ እዩ። ብድሕሪኡ ኣብ መላእ እታ ሃገርን ህዝብን ውግእ ሓድሕድ ክውላዕ'ዩ "ይብል።

ደቂ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 'ይግፈፉ ኣለው'

ድሕሪ ምትሓዝ ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ ዓሌታዊ ውጥረት ፈጢሩ ይርከብ።

ነባሪት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነት ትግራወይቲ በዓልቲ ሞያ ሕጊ "ተወሊደ ዝዓበኹላ ከተማ ከም ቀደማ የላን" ድሕሪ ምባል፡ ፖሊስ ንተወለድቲ ትግራይ ካብ ኣባይቶም፣ ኣብያተ ሻህን ባራትን ከምኡ'ውን ኣብ ታክሲታትን ኣውቶቡሳትን ወረቐት መንነት እናሓተተ ገፊፎም ይወስዱዎም ከም ዘለው ሓቢራ።

ካልእ ሽሙ ክዕቀብ ዝደለየ ነባሪ'ውን ኣብዚ ሰሙን እዚ ቢቢሲ፡ ሓው ካብ ሓደ ድራር ይበልዐሉ ዝነበረ ቤት መግቢ ምስ ኣዕርኽቱ ከም ዝተገፉ ሓቢሩ።

"ትግራዋይ እንተዄንካ ብዓሌትካ ጥራሕ ብዘይ ሕቶ ትእሰር። እቲ ማእሰርቲ ብስም ብሄር እዩ ዝካየድ ዘሎ" ኢሉ።

ኣፈኛ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ግን፡ መብዛሕቶም እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ዜጋታት ተጋሩ ምዃኖም እኳ እንተረጋገጸ ዘይሕጋዊ ተግባራት ከም ዝተፈጸመ ዘርኢ ጭብጢ ምስተረኽበ ከምዝተታሕዙን፡ ኣባላት ካልኦት ብሄራት እውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለው ገሊጹ ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኣፍደገ ዝተዓጸወ ኣብያተ ንግዲ ዝሓልፉ ሰባት 21 ጥቅምቲ 2021

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ከበባን ዕጽዋን ክሳብ ዝለዓልን፡ ረድኤት ክሳብ ዝኣቱን ኣገልግሎት ባንክን ጸዓትን ክሳብ ናብ ንቡር ዝምለስ ገስጋሶም ከምዘየቋርጹ ይገልጹ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ግንቦት ጀሚሩ ኣስታት 400,000 ሰባት ኣብ ትግራይ ጥሜት የንጸላልዎም ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ሓይልታት ትግራይ ንሰራዊት መንግስቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ካብ መቐለ ምስ ደፍኡዎ፡ ትካላት ረዲኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ናብ ግዳያት ረድኤት ነዳድን ገንዘብን ኸየብጽሑ ዝተፈለላየ ቀይድታት ከምዘጋጠሞምን፡ እቲ ዕንቅፋትን ንልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ረድኤት ከብጽሕ ከምዘይከኣላ ይገልጽ።

ኣብ ፈለማ ምስ ዶክተር ኣቢዪ ክዛተዩ ዝጽውዑ ዝነበሩ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዝረኸቡዎ ወተሃደራዊ ዓብላልነት ስዒቡ ምስ ኣቢዪ ኣይንዘራረብን ኢና ይብሉ ኣለው።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊትን ዝነበረ ሕዚ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ፡ ጄነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ "እቲ ውግእ ዳርጋ ተወዲኡ እዩ። እቲ ዝቕጽል ስጉምቲ ድማ ድሕሪ ምእላይ ኣብዪ ዘሎ ሃገራዊ ዘተ እዩ ክኸውን" ኢሉ።

"ንፖለቲካዊ ሕልኽላኻት [ኢትዮጵያ] ብናትና ድሌት ክንፈትሖ ሓሊንና ኣይንፈልጥን ኢና። ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዘሰጉሙ ዅሎም ፖለቲካዊ ውድባት ኣኪብና ብዛዕባ መጻኢ ሃገር እንመያየጠሉ መድረኽ ክንፈጥር ኢና " ክብል ንተለቪዥን ንትግራይ ተዛሪቡ።

ናይ ወለዲ ስንባደ

ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከቢድ እዩ።

ኣብ መቐለ ኣብ ማእከል መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ዝተቐርጸ ምስ ናይ መግቢ ቱቦ ዝተተሓሓዘ፡ ብኽያት ጓል ዓመት ኤደን ገብረጻድቕ ኣብ ቪድዮታት ብግልጺ'ዩ ዝረአ።

"ኣብ ፈለማ፡ ብሕጽረት ምግቢ ከምዝሓመመት ኣይፈለጥኩን ነይረ። ሕዚ ግን ጉድለት ዝተመጣጠነ ምግቢ ከም ዘለዋ ሓካይም ነጊሮምኒ" ትብል ወላዲታ ህይወት በርሀ ።

"በዓል ቤተር ሰሪሑ ይኣቱ፡ ኣነ ከኣ ንደቅና እኣልዮም ነይረ። ንደቅና ጽቡቕ ጌርና ኢና ነዕብዮም ኔርና። ብሉጽ ምግቢ ይረኽቡን ወትሩ ጽቡቕ ክዳን ይኽደኑን ነይሮም" ትብል።

ኣብ ካልእ ዓራት መዋ ዝደኸመ መብሪሂት ግደይ ደቂሳ ትርአ። ወላዲኣ ግደይ መረሳ ባናና ንከብልዓ ቀስ ኢሉ ኮፍ ከብላ ይፍትን።

ንሱ ካብ ገጠር ቆላ ተምቤን ልዕሊ 100 ኪ.ሜ ተጓዒዞም ናብ ሆስፒታል ከምዝመጽኡ ይገልጽ።

ወተሃደራት መንግስቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እቲ ዝኸበደ ኲናት ከም ዝረኣየ ከኣ ይዛረብ።

ብዙሓት ነበርቲ ናብ ኣኽራናት ክሃድሙ ተገዲዶም። ሰራዊት ኣቢዪን ደገፍቱን ምስ ከዱ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ኣባይቶም ሓሪሩ፡ ኣብዑሮምን ኣእዱጎምን ተዘሪፎም ጸኒሖሞም።

ጓል 11 ዓመት መብርሂት ጊደይ ኣብ ዓይደር ሆስፒታል

ምንጪ ስእሊ, Ayder Referral Hospital medic

መግለጺ ስእሊ, ጓል 11 ዓመት መብርሂት ጊደይ ኣብ ዓይደር ሆስፒታል

"እዚ ኵሉ ኣጋጢሙና፡ ተቐቢልናዮ ነይርና። ሕጂ ግን ጓለይ ከቢድ ሕማም ሓሚማ: ቅድሚኡ ጥዕይቲ እያ ነይራ"ይብል ። ሓካይም ነታ ጓል 11 ዓመት ቖልዓ ብዋሕዲ መኣዛታት ዝሰዓበ ናይ ልቢ ሽግር ከምዘጋጠማ ነጊሮምዎ።

እዚ ድምጺ ብሞያውያን ሓካይም ብምስጢር ናብ ቢቢሲ ዝበጽሐ ድምጺ እዩ።

ኣገልግሎታት ቴለኮሚኒኬሽንን ኢንተርነትን ስለእተዓጽወ እቲ ዝርካቡ መርበብ ሓበሬታ እውን ስለዝጥለፍ ምስቶም ኣብኡ ዘለዉ ሰባት ምዝራብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

ቢቢሲ እውን ከም ካልኦት ማዕከናት ዜናታት ናብቲ ዞባ ንኸይኣቱ ብመንግስቲ ፈደራል ተኸልኪሉ እዩ።

ዘይዕዉት ምፍርራሕ

ኣህጉራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ፕረዚደንት ፒተር ማውሬር ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተወ ናብቲ ግጭት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታታት ክኸይድ ኣይከኣለን ።

"ኣብዚ እዋን እዚ ዝኾነ ናይ ተስፋ ብርሃን ኣይረኣየናን ዘሎ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ካብቲ ግጭት ዘውጽኣና ኣቐድም ኣቢልና ፖለቲካዊ ፍታሕ እንተ ንረክብ ዝሓሸ እዩ። ንነብስና ከነዐሽዋ የብልናን። ምኽንያቱ፡ ዋላ እውን ጽባሕ እቲ ግጭት እንተተቋረጸ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ መነባብሮኦም እተመዛበሉሉን ብዙሕ ዘድልዮምን ነገራትን ኸጋጥመና እዩ ።"

ኣመሪካ፡ ው.ሕ.ሃ. ከምኡ'ውን ሕብረት ኣፍሪቃ ኩሎም ቀጥታዊ ዘተ ክጅመር ምሕጽንታ ከቕርቡ ጸኒሖም ኣለው።

ኣመሪካ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ቀንዲ ናይ ንግዲ ስምምዕ ምውጽኣን እቲ ብቐጻሊ ዝንገር ናይ ማዕቀብን ምፍርራሕን፡ ነቲ ግጭት ከህድኦ ኣይከኣለን ።

ኣብ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ላዕለዋይ ተንታኒ ዊልያም ዳቪሰን፡ መንግስቲ ሕድገታት ብምግባር ናብ ትግራይ ረድኤትን ኣገዳሲ ኣገልግሎታት ከምዝጅምር እንተዝገብር ናብ ዘተ ናይ ምምላስን ድርኺት ክፈጥር ከምዝኽእል ይኣምን።

"ኣህጉራውያን ተዋሳእቲ እውን፡ ንቀዳማይ ሚንስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ናይ መወዳእታ ዕድል ንምሃብ ጥራይ ዘይኮነ፡ [ህወሓት] ብቕልጡፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንተኣትዩ ናብ ዝበኣሰ ጎንጽን ህልቂትን ከምርሕ ይኽእል እዩ" ብምባል፡ መሪሕነት ትግራይ ዝለዓለ ግትኣት ከርኢ ይጽውዕ ።

ይኹን እምበር ምስ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ዝተወልዐ ኲናትን ወጥርን ንከብቅዕ ብዝተጻወቶ ተራ ኣብ 2019 ናይ ሰላም ኖቤል ዝተሸለመ ዶክተር ኣቢዪ ግን፡ ኣብ'ዚ ጉዳይ' ዚ ናይ ምልስላስ ስምዒት ኣየርኣየን።

ኢትዮጵያ ዓመት ዝገበረ ግጭት ከተብዕል እንከላ እቲ ወዲ 45 ዓመት መራሒ ዜጋታቱ ናብ ኵናት ክኸዱን ክዋግኡን ብምምሕጻን "ንጸላኢና ብደምናን ብኣዕጽምትናን ክንቐብሮ፡ ክብሪ ኢትዮጵያ እውን መሊሱ ልዕል ከነብሎ ኢና ።" ይብል።