ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዘትዩ

ምንጪ ስእሊ, @AUC_MOUSSAFAKI
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ዘትዩ፡፡
ሙሳ ፋቂ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምስቲ ፍሉይ ልኡኽ ከምዝዘተየ፡ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ፡፡
ንሱ "ምስ ሃገራውን ኣህጉራውን ኣካላት ብምዃን ዘተን ፖለቲካዊ መፍትሕን ንምምጻእ ክንገብሮ ብዛዕባ እንኽእል ጻዕሪ ተዘራሪብና" ኢሉ፡፡
ሎሚ ቐትሪ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ኣምባሳደር ፌልትማን፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ እናተጋደደ ዝመጸ ኲናት መፍትሒ ንምንዳይ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ፡፡
ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ከምዝሓበሮ ስፍሓት እቲ ኲናት ኣብ ዘሻቕል ደረጃ በጺሑ ኣሎ፡፡
ደሴን ኮምቦልቻን ተቖጻጺሮም ዝቐነዩ ሓይልታት ትግራይ፡ ትማሊ ንከተማ ደሴ ከምዝተቖጻጸሩ ገሊጾም ኣለዉ፡፡
መንግስቲ ግና ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን፡፡ ከሚሴ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣዲስ ኣበባ ንኣንፈት ሰሜን 330 ኪሜ ርሒቓ እትርከብ ከተማ እያ፡፡
ብዙሓት ሃገራት እቲ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ከምዘሻቐለን ዝገልጻ ዘለዋ ኮይነን፡ ኣመሪካ ብወገና ዘተ ክጅመር እትገብሮ ጻዕሪ ኣጠናኺራ ቀጺላቶ ኣላ፡፡
ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብስልኪ ከምዝተዛተየ ዝገለጸ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ እውን ፡ ናብ ዘተ ዝወስድ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ከምዝገብር ነቲ መራሒ ከምዝለጸሉ ብትዊተር ሓቢሩ፡፡
እንተኾነ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ነቲ ዘተ ዕሽሽ ዝበሉዎ እዮም ዝመስሉ፡፡
ኣብ ዓውደ ኲናት ጸብለልታ ከምዝረኸቡ ዝገልጹ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ‘ኣብ ኣፍ ምውዳቕ’ ኣሎ ምስዝብልዎ መንግስቲ ዘተ ምጅማር ኣድላዪ ከምዘይኮነ ይሕብሩ ኣለዉ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ናብ ዓውደ ኲናት ክኸትት ኣብ ምጽዋዕ እምበር ንዘተ ክለሳለስ ኣይተርኣየን፡፡
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ልዕሊ 7 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ገሊጹ እዩ፡፡ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ኣስታት 400 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ጫፍ ዓጸቦ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ተሓቢሩ እዩ፡፡
ኮይኑ ግና ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን መንግስቲ ዘንበሮ ገደባትን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ፈታኒ ከምዝገበሮ ትካላት ረድኤት ይገልጹ፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







