ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሎሚ ጀሚሩ መለለዪ መንነት (ታሴራ) ምሃብ ተቛሪጹ

ከተማ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ከተማ ኣዲስ አበባ ካብ ሎምመዓልቲ ጀሚሩ ናይ ነባርነት መለለዪ ወረቐት (ታሴራ) ምሃብ ደው ከምዝበለ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ፡፡

በዚ መሰረት ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ኩሎም ናይ ወረዳ ምምሕዳራት፡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ብዝተሓሓዝ ወረቐት መለለዪ መንነት ምሃብ ደው ከምዘበሉ ተገሊጹ፡፡

ምኽንያት እቲ ውሳነ ድማ ብዝተፈላለየ መገዲ ናታ ከተማ ዝኣትዉ ‘‘ጸጉረ ለወጥን ሰሊኾም ዝኣትዉን ንምክልኻል’’ ከምኡ ድማ ድሕነት ንምሕላውን ከምዝኾነ ካብ ፕረስ ሰክረተሪ ምምሕዳር እታ ከተማ ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ፡፡

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ካብ 23 ጥቅምቲ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝኸውንን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕን ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ምእዋጁ ይዝከር፡፡

እቲ‘‘ኣብ ልዕሊ ሃለዋትን ሉእላውነትን ሃገር ንዘጋጠመ ሓደጋ ንምክልኻል ዝወጸ ኣዋጅ ቁጽሪ 5/2014’’ ብዝብል ዝወጸ ድንጋገታት ህጹጽ እዋን፡ ዝተፈላለዩ ክልከላታትን ግዴታታትን ዝሓዘ ኮይኑ፡ ካብዚኦም እቲ ሓደ ኩሎም ዜጋታት መንነቶም ዝገልጽ ሕጋዊ ወረቐት ክሕዙ የገድድ፡፡

በዚ መሰረት ኩሉ ዜጋ ኣብ ዝኾነ ቦታ ናይ ቀበሌ መለለዪ መንነት፣ መዘወሪ ፍቓድ፣ ናይ ስራሕ መለለዪ፣ ፓስፖርት ወይ ምስዚኦም ዝመሳሰል መለለዪ ወረቐት ሒዙ ክንቀሳቐስ የገድድ፡፡

እቲ ኣዋጅ ወረቐት መለለዪ መንነት ዘይብሎም ሰባት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቀበሌ፣ ወረዳ፣ ምምሕዳር ወይ ጣብያ ፖሊስ ተመዝጊቦም ጊዝያዊ ወረቐት መንነት ናይ ምሓዝ ግዴታ ከምዘለዎም ደንጊጉ፡፡

ካብ ሎምመዓልቲ ጀሚሩ ወረቐት መለለዪ መንነት ምሃብ ደው ዘበለ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት መለለዪ መንነት ዘይወሰዱ ሰባት፡ ብፍሉይ ኣገባብ ብዝምልከቶ ኣካል ተጻርዩን ተረጋጊጹን ጊዝያዊ መለለዪ መንነት ከምዝዳለወሎም ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እናሓየለ ምምጽኡ ስዒቡ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ናይ ድሕነት ስጉምቲታት ይወስድ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ፡፡

ናይ ውልቀ ዕጥቂ ዘለዎም ሰባት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ከመዝግቡ፡ መሳርሒ ኲናት ዘየመዝገቡ ግና ስጉምቲ ከምዝውሰዶም ሰብመዚ እታ ከተማ ትማሊ ምግላጾም ይዝከር፡፡