ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ብካቢነ ሚኒስትራት ዝቐረበ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ኣፅዲቑ

ምንጪ ስእሊ, HPR FDRE
ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝቕፅሉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ መላእ እታ ሃገር ክትግበር ዝቐረበ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ኣፅዲቑ።
እቲ ቤት-ምኽሪ ሎሚመዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ዓመት ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ እዩ፡ ነቲ ብካቢኔ ሚኒስትራት ዝቐረበ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ኣፅዲቑ።
ካቢነ ሚኒስትራት ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ፡ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ንክእወጅ ወሲኑ’ዩ።
ሓይልታት ትግራይ ነተን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ኣገደስቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ብምቁፅፃር ንቕድሚት ይግስግሱ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፆም'ዩ፡ ካቢነ ሚኒስትራት ነዚ ውሳነ ዝወሰነ።
እቲ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ኣዋጅ፡ ካብቲ ዝሓለፈ ሰሉስ ጀሚሩ ተግባራዊ ኮይኑ’ዩ፤ ኣድላይነቱ ተራእዩ ድማ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ይኽእል።
እቲ ውሳነ፡ ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ናይ ቤት-ፍርዲ ፍቓድ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከእትዉን፡ እገዳታትን ገደባትን ከንብሩን ስልጣን ዝህብ'ዩ።
ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣፈፃፅማ እቲ ኣዋጅ ኣባላት ቦርድ ምርመራ ንምስያም ንዝቐረበ ሓሳብ መርሚሩ ንምፅዳቕ ይዝትይ ከምዘሎ ተገሊፁ።
ነዚ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ዘፈፅምን ብላዕላዋይነት ዝመርሕን ኣካል ከምዝጣየሽ’ውን ተሓቢሩ።
እቲ ኣዋጅ ብላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊ ትኢትዮጵያ፡ ኢታማጆር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ዝመሓደር ኮይኑ፡ ተሓታትነቱ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እዩ ዝኸውን።
ነዚ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ዝጠሓሰ ሰብ፡ ካብ ሰለስተ ክሳብ 10 ዓመት ማእሰርቲ ከምዝቕፃዕ ተገሊፁ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







