ቅልውላው ትግራይ፡ ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ምስ መራሕቲ ትግራይ ተዘራሪቦም

ምንጪ ስእሊ, TTV
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን [ኦቻ] ትማሊ ሰንበት ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከም ዝተዘረራቡ ተገሊጹ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ኣብቲ ዞባ ሰላም፣ ድሕነትን ፖለቲካዊ ዘተን ንምምጻእ ብዝብል ንፕሬዝደንት ናይጄሪያ ነበር ኦባሳንጆ ላዕለዋይ ወኪል ቐርኒ ኣፍሪቃ ገይሩ ከም ዝሸሞ ይዝከር።
ንሱ፡ ብዙሕ ፖለቲካዊ ተሞኩሮን ኣብ ፓን ኣፍሪቃ ዝተመስረተ ኣተሓሳስባ ከም ዘለዎን ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብቲ ዞባ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ድማ ልዑል ግንዛበ ኣለዎ ተባሂሉ ይግመት።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊትስ'ውን ትማሊ ኣብ መቐለ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ ኣሎ።
ክልቲኦም ወኪላት ናብ መቐለ ከም ዝተጉዓዙ ምንጭታቱ ጠቒሱ ሮይተርስ ጸብጺቡ እዩ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብትዊተርን ፌስቡክን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ክልቲኦም ልኡኻት ኣብ መቐለ ከም ዝኣተውን ምስ ዶክተር ደብረጽዮን ተራኺቦም ዘካየዱዎ ዘተ "ውጽኢታዊ" ከምዝነበረን ገሊጹ።
ዶክተር ደብረጽዮን ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣመልኪቱ መርገጺ ትግራይ ንኽልቲኦም ልኡኻት ከም ዘብረሃሎም ክሕብር እንከሎ፡ ዝርዝር ዝተዘራረብሉ ጉዳይ ግን ኣይገለጸን።
ክልላዊ ቴሌቭዥኝ ትግራይ ብወገኑ ኦሊሶንጎን ኦባሳንጆን ማርቲን ግሪፊትን ምስ ዶክተር ደብረጽዮን ተራኺቦም "ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ሰብኣዊ ረድኤትን ከምኡ'ውን ዞባዊ ጉዳያት ዘትዮም" ክትብል ኣቃሊሓ።
እቶም ልኡኻት ትማሊ ኣማስዮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተመልሱ'ውን ተጠቒሱ።
ማርቲን ግሪፊትስ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ገይሩ ነይሩ'ዩ፤ ናብ ትግራይ ድማ ሎሚ ንኻልኣይ ግዝኡ ከም ዝተጉዓዘ ይፍለጥ።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ናይ ክልተ መዓልቲ ምብጻሕ ዝገበረ ኮይኑ በቲ ኲናት ህይወቶም ዝተሃሰየ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝርኣየን ኣዝዩ ዘሰክፍ ሰብኣዊ ቅልውላው ብኣካል ከም ዝተዓዘበን ኣብሪሁ።
ግሪፊትስ ኣብ ናይ ትግራይ ጻንሒት ትዕዝብቱ እንትገልጽ፡ "ኣብ ትግራይ ካብቲ ኲናት ንርእሶም ከድሕኑ ክብሉ መረበቶም ገዲፎም ምስ ዝሃደሙን ኩሉ ነገሮም ዝሰኣኑን ሰባት ተራኺበ ኣውጊዐ እየ" ብምባል ኣብ ትግራይ 'ዝበልዑዎን ዝሓድርሉን ዘይብሎም ስድራቤታት ርእየ' ምባሉ ይዝከር።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ሚሊዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ እንከለው መብዛሕትኦም ንዝተፈላለዩ ማሕበራውን ቁጠባውን ጸገማት ከም ዝተቓልዑ ይዝረብ።
ኣብቲ ክልል ጥራይ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ከም ዝርከቡን ሚሊዮናት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮምን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ኲናት ትግራይ ካብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዙ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋራን ክልሕም እንከሎ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንብዙሓት ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዝተቖጻጸሩ ሓይልታት ትግራይ ኣዲስ ኣበባ ንምቁጽጻር ይግስግሱ ከም ዘለው ይግለጽ።
ኣብዘን ክልላት ድማ፡ ብዙሓት ንሰብኣዊ ቅልውላው ከቃልዑ እንከለዉ፡ ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም'ዮም።
እቲ ኲናት ጠጠው ክብልን ፖለቲካዊ ዝርርብ ብምግባር ኣፈላላያት ክፍትሑን ማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት እኳ እንተኣቕረበ፡ ዛጊድ ፍረ ኣይተረኽቦን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







