ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ምንጪ ስእሊ, Addis Ababa Press Secretariat
ሎሚ ሰንበት 28 ጥቅምቲ 2014 ብግእዝ፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ንመንግስትን ሰራዊት ምክልኻልን ብምድጋፍ ካብ ንግሆ ኣትሒዞም ኣብ መስቀል ኣደባባይ ሰፊሕ ሰልፊ ኣካይዶም።
ኣብኢ ሰልፊ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት እታ ከተማ ዝመጽኡ ነበርትን ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ዝርከቡዎም ሓለፍትን ተረኺቦም።
ኣብቲ መድረኽ ተጽቢት ዘይተገብረሉ 'ኲናት ይኣክል' ዝብል ድምጺ እውን ተቓሊሑ።
እታ ከንቲባ ኣብቲ መድረኽ "ኢትዮጵያ ንዘቕረበቶ ጻውዒት ብሓድነትን ፍጹም ኢትዮጵያዊነትን ንዝሃብኩሞ ዓብዪ ሃገራዊ ፍቕርን ወንን ዝተራእየሉ ግብረ መልሲ ዝኸበረ ምስጋናይ የቕርብ" ኢላ፡፡
እቶም ሰብ መዚ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ሰራዊት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ዝተጋደደሉን ማሕረሰብ ዓለም ተዅሲ ደው ኢሉ ሰላማዊ ፍታሕ ክግበር ጸቕጢ ኣብ ዝገብረሉን ዘሎ እዋን እዮም እቲ ሰልፊ ተኻይዱ።
ኣብ ካልኦት ከባቢታት እውን ከምቲ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፊታት ክካየዱ ቐንዮም። ሰልፈኛታት መንግስቲ ዘካይዶ ወታሃደራዊ ወፍሪ ዝድግፉን ዓለም ለኻዊ ጸቕጢ ዝቃወሙን ጭርሖታት ሒዞም ተራእዮም።
ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ተቖጻጺሮም ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 300 ኪሜ ርሒቐንኣ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ድሕሪ ምብጸሖም ናብታ ርእሰ ከተማ እውን ከምዝቕጽሉ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ነበርቲ እታ ከተማ ንዘለዎም መሳርሒታ ኲናት ከመዝግቡ ብምእዛዝ፡ ጥቡቕ ክትትል ጸጥታ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ኣሎ፡፡
ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦትን ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብልን ዘተ ክግበርን ተደጋጋሚ ጻውዒት እኳ እንተገበሩ ዛጊድ ግን ፍረ ኣይተረኸበን።
'ኲናት ይኣኽለና'
በታ "ዲሽታ ጊና" እትብል ምስ ኤኮን ደጊሙ ዘወሃሃዳ ሓዳሽ ዜምኡ ዝፍለጥ ኣርቲስት ታሪኩ ጋንካሲ፡ ኣብቲ ኣሸሓት ዝተረኽብሉ ሰልፊ ንክደርፍ ናብ መድረኽ ምስ ወጽአ ሃንደበት ተቓውሞ ኣስሚዑ ።
ንሱ፡ "እንታይ ኣሎ ኢለ እየ ክደርፍ? ኩሉ ግዜ ጸሊም ምኽዳን ኣየጥዕመልናን'ዩ። ጸሊም ምኽዳን ይኣክል፡ እዝንና'ኮ ደምዩ" ብምባል ነቲ ብመንግስታዊ ሚድያ ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ዝነበረ መንፈስ'ቲ መደብ ቀይርዎ።
ቀጺሉ ድማ ድምጹ ኣዝዩ ዓው ኣቢሉ "ኲናት ይኣክል" ክብል ድምጹ ኣስሚዑ።
"ንሞት እንተኾኑ ስለምንታይ እዮም ዝኸዱ? መናእሰይ ኣይውፈሩ፤ ሽማግለታት እምኒ ተሸኪሞም፤ ሳዕሪ በቊሶም፡ ኣብ ክሳዶም ጸይሮም ብዕርቂ እንተወድእዎ ይሓይሽ። ኣፈ-ሙዝ ይኣክል። ፍታሕ ኣየምጽእን'ዩ" ኢሉ ዘይተገመተ ድምጺ ኣስሚዑ።
"ደም ኣየምሃረናን፡ ኲናት ይኣክል፤ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ደም ትኩስ እዩ" ክብል ድማ ወሲኹ፡ ካብቲ መድረኽ ከይደረፈ ወሪዱ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዓሲሉ ኣሎ። ትግራይ ድማ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኩለ መዳያዊ ዕጽዋ እያ ትርከብ። ህዝባ ብጥሜትን ዓጸቦን ይሳቐን ይመውትን ኣሎ።
ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ብሰንኪ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ዕጽዋ ሰብኣዊ ረድኤት ከብጽሑ ከም ዘይከኣሉ ብተደጋጋሚ ክገልፁ ጸኒሖም እዮም።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም፤ ልዕሊ ክልተ ሚልየን ህዝቢ ካብ ቤቱን መረበቱ ተመዛቢሉ'ዩ።
ብተወሳኺ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ተሰዲዶም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







