ቅልውላው ትግራይ፡ ኢሰመኮ ኣዴታትን ህጻናትን ሓዊሱ መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ከምዘሻቕሎ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, EHRC
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላላዩ ከተማታት ኢትዮጵያ፡ ምስ'ቲ ሓድሽ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተዛሚዱ ኣተሓሕዛ ኣብ ቀይዲ ዝውዕሉ ዘለዉ ሰባት ከም ዘሻቕሎ ገሊጹ።
እቲ ኮሚሽን ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ "እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ 23 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ፡ ሰባት ካብ ናይ ስራሕ ቦትኦም፣ ካብ መንበሪ ገዘኦምን ከምኡ'ውን ብሃንደበት ካብ መገዲ ተታሒዞም ፎቓዶ መደብር ፖሊስ ተዳጒኖም ይርከቡ" ኢሉ።
ምስ ገበናት ግብረ-ሽበራ ብዝተኣሳሰር፤ ኣኽበርቲ ሕጊ ንጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ናይ ምጽናሕ ስልጣን'ኳ እንተለዎም፡ "እቲ ዝካየድ ዘሎ ማእሰርቲ ግን መንነት ወይ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ብዝመስል መልክዑ" ይትግበር ከም ዘሎ ኣብሪሁ።
ኣብ ሓደ ሓደ መደብር ፖሊስ ድማ ኣባላት ስድራ ንእሱራ ከይሓቱ፣ መግብን ክዳውንትን ከየብጽሑ ከም ዝኸልከሉን ካብ ሞንጎ እቶም እሱራት ሽማግለ ኣዴታትን ህጻናትን ከም ዝርከብዎም እቲ ኮሚሽን የረድእ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ዝኾነ እዋን መሰረታዊ መሰላት ደቂ ሰባት ኣኽቢሮም ክንቀሳቐሱን ክሰርሑን ከም ዝግባእ እቲ ኮሚሽን ኣዘኻኺሩ።
'ጅምላዊ ማእሰርቲ '
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣካላት ጸጥታ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓድሽ ስጉምቲ ጃምላዊ ማእሰርትን ተፍትሽ ገዛ ንገዛን የካይዱ ብምህላዩ ግዳያት ጃምላዊ ማእሰርትን ምፍርራሕን ንኸውን ኣለና ክብሉ ተጋሩ ነበርቲ እታ ከተማ ጠቒስና ጸብጺብና ነይርና።
እቶም 'ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለና' ብምባል ቃሎም ንቢቢሲ ዝሃቡ ውልቀሰባት፡ ድሮ ኣባላት ስድራቤቶም፣ መሓዙቶምን መቕርባቶምን ካብ ዝነበርሉ ናይ ስራሕ ቦታ፣ ቤት ብልዒ፣ መዘናግዒ ቦታን መጓዓዝያን ተገፊፎም ተወሲዶም ይብሉ።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካ ፈንታ፡ "ኣብቲ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ዝተኣሰሩ ተወለድቲ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮኑን፤ ግን ከኣ ብቐንዱ ንሳቶም'ዮም" ክብል ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ሰላምን ጸጥታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምሕላው ተባሂሉ ዝተጣየሸ ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ድሕነትን ጸጥታን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ልዕሊ ደገፍትን ናፈቕትን ህወሓት ዝውሰድ ዘሎ ሕጋዊ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ክቕጽል'ዩ" ኢሉ።
ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ንድሓር ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ማሕበራዊ መነባብሮ ዝርከቡ ነበርቲ እታ ከተማ ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ 'ብሰንኪ መንነት' ግዳያት ማእሰርቲ ከም ዝኾኑን ትካላት ንግዶም ከም ዝተዓጽወን ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።
እዚ ሓድሽ ዙርያ ጃምላዊ ማእሰርቲ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓይልታት ትግራይ ንዓበይቲ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ዝኾና ደሴን ኮምቦልቻን ምቁጽጻሮምን ስዒቡ ዘጋጥም ዘሎ እዩ።
ሓንቲ ካብቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም፡ "ሰለስተ ኣባላት ስድራይ ሓዊሱ ልዕሊ 25 ዝፈልጦም ሰባት ተኣሲሮም። ምኽንያት መእሰሪኦም እዚ'ዩ ዝብለካ የለን። ሰብ ከካብ ዝተረኸበሉ ይሕፈስ ኣሎ። ነቶም ዝተኣሰሩ'ውን ክትሓትት ኣይትኽእልን፤ ክሓቱ ዝኸዱ'ውን ይእሰሩ ኣለው" ኢላ ነይራ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







