ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመለስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርክብዎም ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ተጋሩ ከምዝተኣሰሩ ተገሊፁ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ገላን ኮንዶምንየምን

ምንጪ ስእሊ, Awramba Times

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ገላን ኮንዶምንየምን

ኣብ ኣዲሰ ኣበባ፡ ተመለስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርክብዎም ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተጋሩ ይእሰሩ ከምዘለዉ ስድራ ግዳያትን ተሓለቕትን ገሊፆም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም፡ ስድራ ግዳያትን ተሓለቕትን፡ እቶም እሱራት ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ከባቢ ገላን ኮንዶምንየምን ሃና ማርያምን ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ-ማእሰርቲ "ብምኽንያት ብሄሮም" ከምዝተኣሰሩ ንቢቢሲ ገሊፆም።

እቶም እሱራት መናእሰይ፣ ሰብፀጋ ዕድመ፣ ደቂኣንስትዮን ህፃናትን፣ ካብ ስዑድ ዓረብ ተመለስትን ከምዝርከብዎም ምንጭታትና ሓቢሮም።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮምሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካው ፈንታው፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወለድቲ ትግራይ ከምዝተኣሰሩ ንቢቢሲ ብምርግጋፅ፡ ምኽንያት መእሰሪኦም ግና ብመንነቶም ዘይኮነስ፡ ኣብ ትግራይ ይካየድ ምስ ዘሎ ጎንጺ ብዝዛመድ፡ 'ግብረ ራዕዲ' ክፍጽሙ ክንቀሳቐሱ ተጠርጢሮም ከምዝኾኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣይተ ዓብደልቃድር ብርሃኑ፡ ሓዉ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ገላን ኮንዶምንየም ዝተኣሰሩ ተጋሩ ሓደ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊፁ።

"ኣብዚ ቅነ ካብ መቐለ'ዩ መፂኡ፤ ተኽለሃይማኖት ካብ ዝበሃል ከባቢ ወሲደሞ። ሕዚ ኣብ ከባቢ ገላን ኣብ ቆርቆሮ ኣሲረሞ ይርከቡ። ብዙሓት ተጋሩ ኣብዚ ካብ ቆርቆሮ ዝተሰርሐ ቤት-ማእሰርቲ ተኣሲሮም ይርከቡ። ንሓወይ ክሓትት ከይደ ነይረ፡ ኣብ ፀገም ከምዘለዉ እየ ርእየ" ኢሉ።

ሓዉ ተሓፊሱ ካብ ዝእሰር ልዕሊ ክልተ ሰሙን ከምዘቑፀረ ዝገልፅ ኣይተ ዓብደልቃድር፡ "ካብ መንነቶም ወፃኢ ንመእሰሪኦም ዋላ ሓደ ምኽንየት የለን" ይብል።

ጉዳይ ሓዉ ክሳብ ሕዚ ናብ ቤት-ፍርዲ ከምዘይቀረበን፡ ሓንሳእ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተዳጎኑ፡ ጉዳዮም ዝሓቶም ከምዘየለ ሓቢሩ።

"ኣካላት ፀጥታመድሓኒት ኢንሱሊን ሰባቢሮም ደርብየሞ"

ካልእ ነባሪ ከተማ ኣዲስኣበባ ዝኾነ፡ ኣይተ ሳሙኤል (ስሙ ዝተቐየረ) ሕማም ሽኾር ዘለዎን ኣብ ከባቢ ገላን ንዝተኣሰረ ትግራዋይ ጎረቤቱ ንምብፃሕ፡ መድሓኒት ኢንሱሊን ሒዙ ምስ በዓልቲ እንዳ እቲ ግዳይ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኸደ ይዛረብ።

እንተኾነ፡ ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ምስ በፅሑ ነቲ ቤት-ማእሰርቲ ብዝሕልዉ ኣካላት ፀጥታ ምንክልባት ከምዝበፅሖምን፡ ነቲ ፀገም ጥዕና ዘለዎ ውልቀሰብ ዘምፅእዎ መድሓኒት በቶም ኣካላት ፀጥታ ከምዝተደርበየ ገሊፁልና።

"በዓልቲ ቤቱ ብጣዕሚ ስለዝተጨነቐት ሒዘያ ከይደ። ሕማም ሽኮር ስለዘለዎ፡ መድሓኒት ኢንሱሊን ክንህቦ ምስከድና፡ ዘደንግፅ ነገር እየ ርእየ። እቶም ኣካላት ፀጥታ፡ ንበዓልቲ ቤቱ፡ 'እቲ መድሓኒት ከይትህብዮ፡ ኮፍ በሊ' ብምባል፡ ሰብኣያ እናረኣያ ብፀርፈ ኣንከላቢቶማ፤ ብጣዕሚ በኽያ፡ ሓዚንና። ኣነ እቲ ኩነታት ከረድኦም ፈቲነ'ውን ኪድ ኢሎም እዮም ኣጋፊዖምኒ። ነቲ ፀገም ጥዕና ዘለዎ ሰብ ዝወሰድናዮ መድሓኒት ኢንሱሊን ከይንህቦ፡ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ወተሃደራት መንጢሎም ሰባቢሮም ደርብየምዎ" ብምባል ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ዘጋጠሞ ተጓንፎ ኣውጊዑና።

ኣካላት ፀጥታ ነቲ ጎረቤቱ ለይቲ ካብ ገዝኡ መፅዮም ከምዝወሰድዎ፣ መእሰሪኡ ምኽንያት ንፁር ከምዘይኮነን፣ ክሳብ ሕዚ ቃሉ እንከይሃበን ናብ ቤት-ፍርዲ እንከይቀረበን ልዕሊ ሰሙን ከምዘቑፀረ ሓቢሩ።

"እቲ ፀገም ንምርዳእ እንታይ'ዩ ኢልና እንተሓተትና፡ ኣየቕርቡኻን፡ 'ኪዱ ኣይንፈልጥን፡ ድሕሪ ሕዚ ናብዚ ከይትመፁ' እዮም ዝብሉና" ይብል፡ ኣይተ ሳሙኤል።

ንጉዳይ እቶም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣሰሩ ተወለድቲ ትግራይ ብቐረባ ዝከታተልን ንክፍትሑ ፃዕሪ ይገብሩ ካብ ሞንጎ ዘለዉን ጋዜጠኛ ዳዊት ከበደ ፡ እቶም ብጃምላ ተኣሲሮም ዘለዉ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ኣርባዕተ ምድብ ከምዝኽፈሉ ይገልፅ።

"እቲ ሓደ፡ ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅኡ እዮም። እቲ ካልኣይ ድማ፡ ኣብ ቀረባ ግዘ ካብ ስዑድዓረብ ዝተመለሱን ብሰንኪ እቲ ኩናት ገና ናብ ትግራይ እንከይኸዱ ኣብዚ ኣብ ኣዲስኣበባ ተሓፊሶም ዝተኣሰሩ እዮም። እቲ ሳልሳይ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣብ ታሕተዋይ መሓውር ኣብ ቀበሌ፣ ክፍለከተማን ካልኦትን ዝሰርሑ ዝነበሩ እንትኾኑ፡ እቶም ራብዓይ ምድብ ድማ ብሃንደበት ብቂም ወይ ድማ ናይ ውልቀ ቅርሕንቲ ሰባት ዘእሰርዎም እዮም" ይብል።

ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ይእሰሩ ከምዘለዉ ዝገልፅ ጋዜጠኛ ዳዊት፡ ኣብ ከባቢ ገላን ኮንዶምየም ኣብ ዝርከብ ካብ ቆርቆሮ ዝተሰርሐ መኻዚኖ ጥራሕ፡ 736 ተወለድቲ ትግራይ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ካብዚኦም ናብ 60/70 ሚእታዊት ዝኾኑ መናእሰይ እዮም። እተን 13 ሚእታዊት ዝኾና ደቂኣንስትዮ እየን" ኢሉ።

ኣብ ገላን ተኣሲሮም ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ናብ ከባቢ ሃና ማርያም (ጥቓ ኦሮምያ ኮንዶምኒየም) ናብ ዝርከብ ሓደ መኻዚኖ ዘግዐዝዎም ከምዘለዉ ዝገልፅ ጋዜጠኛ ዳዊት ከበደ፡ ካብ ትግራይ ብኣውቶቡስ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅኡ ተጋሩ'ውን፡ ቅድሚ ናብታ ከተማ ምእታዎም ተታሒዞም፡ ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ክእሰሩ ከምዝተገበረ ይገልፅ።

"ካብ ቤት-ማእሰርቲ ናብ ቤት-ማእሰርቲ"

ካብቶም ኣብ ኣዲስኣ በባ ከባቢ ገላን ተኣሲሮም ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ካብ ስዑድ ዓረብ ዘግዓዞም ስደተኛታት ከምዝርከብዎም ይግለፅ።

ኣብ ጉዳይ እቶም ካብ ስዑድ ዓረብ ተመሊሶም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣሰሩ ተወለድተ ትግራይ፡ ንወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሓቲትናዮ።

"ኣብዚ ጉዳይ ሓበሬታ የብለይን። ግና ኣብዚ 'ኢትኒክ ፕሮፋይሊንግ' ዝበሃል ነገር የለን። እቲ ዝበሃል ዘሎ ስኑዕ ክኾን ይኽእል እዩ" ዝብል ምላሽ ሂቡና።

ወዲ ሓትንኡ ንኣይተ ሃይላይ (ስሙ ዝተቐየረ)፡ ምስቶም ብየመን ኣቢሎም ናብ ስዑድ ዓረብ ዝኣተዉን፡ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዘስካሕክሕ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑድ ዓረብ ካብ ሞንጎ ዝተኣሰሩን ሓደ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዘ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣግዓዞም፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወ፡ ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ወዲሓትንኡ ንምኻድ ኣብ ዝተበገሰሉ፡ ኣብ ካልኣይ መዓልቱ ግዳይ ማእሰርቲ ከምዝኾነ ኣይተ ሃይላይ ይገልፅ።

"ዕለት 28/7/2013፡ ሓሙስ መዓልቲ ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ። ኣዲስ ኣበባ ምስኣተወ፡ ካብቲ ቀይሕ መስቀል ዝዓረፍሉ፡ ንገዛ ክወስዶ ናብ ከባቢ ተኽለሃይማኖት ናባይ እናመፀ እንከሎ እዩ፡ ቀዳም መዓልቲ ዕለት 30 ኣሲረሞ። ካብ ዝእሰር ክልተ ሰሙን ኮይንዎ፤ ክሓቶ ከይደ ካብ ስዑድ ዓረብ ዝመፅአ እዩ ኢለዮም፡ 'ዋላ ካብ ስዑድ ዓረብ ይምፃእ፡ ካብ ላዕላዋይ ኣካል ፍትሕዎም ዝብል እንተድኣዘይመፂኡና ንሕና ንህበኩም መፍትሒ የለን' ኢሎምና" ብምባል፡ ምስ ወዲ ሓትንኡ ዝተኣሰሩ ካልኦት ሓሙሽተ ካብ ስዑድ ዓረብ ተመለስቲ ስደተኛታት ከምዝፈልጥን ናብ ቤት-ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ሓቢሩልና።

ስድራ እቶም ኣብ ከባቢ ገላን ተኣሲሮም ዝርከቡ ካብ ስዑድ ዓረብ ዝተመለሱ ተወለድቲ ትግራይ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ገጠራት ትግራይ ከምዝኾኑን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ኣገልግሎት ስልኪ ብዘይምህላዉ፡ ስድርኦም ኩነታቶም ከምዘይፈልጡን እዩ ዝግለፅ።

ኣይተ ሳሙኤል፡ ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክተሓዝ ከሎ ብጥይት ዝተወቕዐን፡ ኣብ ኢዱ ዓረር ዘለዎን እሱር ከምዝረኣየ ይዛረብ።

"ንሱ ብጣዕሚ ኣብ ፀገም ከምዘሎ'ዩ ኣውጊዑኒ። እናሓንከሰ፣ ኣብኡ ፎሓኽ ይብል፤ ኣብኡ ዘለዉ ካልኦት እሱራት'ዮም ዘንቀሳቕስዎ፤ ክሳብ ሕዚ ሕክምና ኣይረኸበን። ካብ ስዑድ ዓረብ ዝመፅኣ ቆልዑ ዘለወን ተጋሩ ደቂኣንስትዮ'ውን ኣለዋ። እቲ ቤት-ማእሰርቲ ካብ ቆርቆሮ ዝተሰርሐ ስለዝኾነ፡ ቀትሪ ሃሩር፣ ለይቲ ድማ ቁሪ እዩ፤ ኣብ ልዕሊኡ ጥሜት ኣሎ። ብጣዕሚ ኣብ ፀገም'ዮም ዘለዉ" ይብል።

ጋዜጠኛ ዳዊት ከበደ፡ "ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ከባቢ ገላን ኣብ ዝርከብ ቤት-ማእሰርቲ 120፣ ኣብ ሃና ማርያም ድማ 130፡ ብሓፈሻ 250 ካብ ስዑድ ዓረብ ዝተመለሱ ስደተኛታት ተወለድቲ ትግራይ ከምዝተኣሰሩ " ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣይተ ሃይላይ(ስሙ ዘተቐየረ)፡ "ሓወይ ገና ወዲ 30 ዓመት እዩ። ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ስዑድ ዓረብ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ከቢድ ስቓይ'ዩ ርእዩ። ናብ ዓዲ ክምለስ ከሎ፡ መዘወሪ ፍቓድ ስለዝነበሮ፡ መኪና ዘዊሩ ክናበር ትልሚ ኔርዎ። እዚ እንተይኮነ ግና፡ ኣብ ዓዲ ምስኣተወ፡ ኣብ ካልኣይ መዓልቱ ኣሲረሞ፡ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ስዑድ ዓረብ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ኣትዩ" ብምባል፡ ይዛረብ።

"ሃገር ንምፍራስ ዝንቀሳቐሱ ኢና ኣሲርና"

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮምሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካው ፈንታው፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወለድቲ ትግራይ ከምዝተኣሰሩ ንቢቢሲ ብምርግጋፅ፡ ምኽንያት መእሰሪኦም ግና ምስ ብሄሮም ዝዘመድ ኣይኮነን ኢሉ።

"ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ከይዶም እቲ ኲናት ኣይሳኻዕን ምስ በሎም፡ ተመሊሶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምፃእ ዝተፈላለዩ ናይ ተግባር ግብረ ራዕዲ ዝፍፅሙን ዘይሕጋዊ መሳርሒ ኲናት ሒዞም ዝንቀሳቐሱን ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ንኹሎም እንተድኣ ኣሲርናዮም ቤት ማእሰርቲ እውን ኣይኣክልን። ስለዚ ብዋናነት ነዚ ተግባር ዝውድቡ፣ ገንዘብ ዝልእኹ፣ ገንዘብ ዘዋፅኡ፣ እቲ ኩናት ደው ከይብል ዝተፈላለዩ ስራሕ ዝሰርሑን ሃገር ንምፍራስ ዝንቀሳቐሱን ሰባት ኣብ ዝተወሰኑ ቦታታት ኣሲርና ኢና። ናብ ቤት-ፍርዲ'ውን ነቕርቦም ኣለና ኢና" ኢሉ።

ቢቢሲ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል እታ ሃገር ነዚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ይፍፀም ኣሎ ዝተብሃለ ጃምላዊ ማእሰርቲ ይፈልጦ'ዶ ክንብል ሓቲትና።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣይተ ኣሮን ማሾ፡ እቲ ኮምሽን ነቲ ዝተብሃለ ጉዳይ የፃርዮ ከምዘሎን፡ እንተኾነ እቲ ኮምሽን ሕዚ ሓበሬታ ክህብ ከምዘይደልይ ገሊፁልና።