ትማሊ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝተላዕሉ ቀንዲ ጉዳያት

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምልሓሙ ዓብዪ ሻቕሎትን ሰብኣዊ ቅለውላውን ፈጢሩ ኣሎ።

እዚ ዝኸፍአ ቅልውላው ከየስዕብ ተሰጊኡ ዘሎ ምዕባለ ጠጠው ንክብልን ፖለቲካዊ ፍታሕ ንክመጽእን ጸቕጢ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ ትማሊ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምዝታይ ንመበል 12 ግዜ ክእከብ እንከሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ድጋፍ ከም ዝገብር ገሊጹ።

ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኦሎሰንጎን ኦባሳንጆ ምስ ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ዝጀመሮ ዝርርብ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ነቲ ባይቶ ገሊጹ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ኣኼባ ድማ፡ ወከልቲ ኣባል ሃገራት እቲ ውድብ ነቲ ሕብረት ካብ ዘርኣይኦ ድጋፍ ብተወሳኺ፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያን መራሕቲ ሓይልታት ትግራይን ምቁራጽ ተጻብኦ ክገብሩ፣ ዘይተገደበ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ክህሉ ከፍቅዱን እታ ሃገር ንምድሓን ፖለቲካዊ መፍትሒ ክገብሩን ሓቲቶም።

ፍሉይ ልኡኽ ርኒ ኣፍሪቃ

ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆ "ዘለና ዕድል ጸቢብ ስለ ዝኾነ፡ ሓጺር ግዜ'ዩ ዘለና" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ምስ መራሕቲ ትግራይን ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ፌደራልን ዝተዘራረበ ኮይኑ፡ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ትግራይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ጠጠው ክብል፣ እቲ ወጥሪ ንምህዳእን ናብ ዘተ ክመጽኡን ከምኡ'ውን ሰላማዊ ፍታሕ ንምሃብ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዘትዩ'ዩ።

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ድማ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ትግራይ ተራኺቡ።

ምስ ክልቲኦም ወገናት ዘካየዶ ዘተ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ኩሎም መራሕቲ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ከም ዘለዎም ስለ ዝግንዘቡ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምሃብ ዘተ ኣድላዪ'ዩ" ኢሉ።

ወኪል እቲ ሸሞንተ ሃገራት ቐርኒ ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ ዞባ ኦባሳንጆ፡ ኣብቲ ዞባ ሰላም፣ ርግኣትን ፖለቲካዊ ልዝብን ንምክያድ ዝተወስዱ ስጉምታትን ድጋፍ መራሕቲ ዓለም ንምርካብን ጻዕሪ ከም ዝገበረ ነቲ ባይቶ ኣረዲኡ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ብዘይቕድመ ኩነት ፖለቲካዊ ዘተ ንክገብሩን ብቕልጡፍ ተጻብኦታት ጠጠው ከብሉን እቲ ቤት ምኽሪ ጸቕጢ ክገብር ኣተሓሳሲቡ።

ብተወሳኺ፡ በቲ ኲናት ንዝተሃሰዩ ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ንክበጽሕን ንኹሉ ዘሳትፉ ዝርርባት ብምክያድ ሃገራዊ ዕርቂ ንክጅመር ክጽውዕ ሓቲቱ።

ኢትዮጵያ

ወኪል ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታዬ ኣጽቀስላሴ፡ መንግስቱ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት "ህወሓት ዝፈነዎ መጥቃዕትን ወተሃደራዊ ሓደጋን" ከም ዝተኸላኸለ ገሊጹ።

ኣብ ክሊ እዚ፡ መንግስቲ ኣብ ትግራይ መግብን ካልኦት ኣገደስቲ ቐረባት ሰብኣዊ ረድኤትን ንዘድልዮም ሰባት ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ከቕርብ ጸኒሑ'ዩ ኢሉ።

ኣብቲ ክልል ዳግመ ህንጸት ንምስላጥ ድማ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ከም ዝገበረን ክሳብ ሕጂ 100 ቢልዮን ብር ወጻኢ ከም ዝገበረን፣ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ድማ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝገበረ ነቲ ባይቶ ኣረዲኡ።

"እዚ ኹሉ ግን ከንቱ ተሪፉ፤ ብምኽንያት እዚ ገበነኛ ጉጅለ ህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ረድኤት ክበጽሖ ኣይክኣለን" ኢሉ።

ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝነብሩ ሰባት ድማ ተቐቲሎም ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ኣምባሳደር ኣብዚ ሕጂ እዋን "ፖለቲካዊ ዘተ ንምጅማር ዝግበሩ ጻዕርታት ነኽብር ኢና" ክብል እንከሎ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ምዕራባውያንን ገለ ሰራሕተኛታት ዓለምለኻዊ ትካላትን ግን ንኣመራርሓ ህወሓት ዘለዎም ድጋፍ ብግልጺ ኣርእዮም'ዮም ክብል ከሲሱ።

ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ተጠቒሙ ዝብሉ ናይ ሓሶት ጸብጻባት ክወጽኡ ጸኒሖም'ዮም ኢሉ።

ሃገሩ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጀመሮ ሓሳብ ሃገራዊ ዘተ ንምቅባል ዘለዋ ድልውነት'ውን ኣረዲኡ።

ናብ ዘተን ፖለቲካዊ ፍታሕን ንምምጻእ ዝግበር ጻዕሪ ቀጥ ዝበለ ወይ ቀሊል መገዲ ኣይኸውን ዝበለ ኣምባሳደር ታዬ "በዚ ምኽንያት ሕጂ መንግስቲ እዚ ገበነኛ ጉጅለ ጠጠው ኣብ ምባል ትኹረት ገይሩ ኣሎ" ኢሉ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, © EVAN SCHNEIDER

መግለጺ ስእሊ, ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት

ቻይና

ወኪል ቻይና ኣብቲ ውድብ ዣንግ ጁን፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ውጽኢት ፖለቲካዊ፣ ታሪኻዊ፣ ናይ ብሄርን ካልኦት ምኽንያታትን ዘለዎ ምዃኑ ብምግላጽ እቲ ፍታሕ ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ'ዩ ክመጽእ ዝኽእል ኢሉ።

ነዚ፡ ሃገሩ ሃገራት ኣፍሪቃትን ትካላትን ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምምጻእ ተራ ኣለወን ኢላ ከም እትኣምን ሓቢሩ።

ጸገማት ኣፍሪቃ ንምፍታሕ ኣፍሪቃዊ ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ድጋፍ ከም ዝገብር ብምግላጽ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝገብሮ ጻዕሪ ኣድላዪ ግዜን ቦታን ብምሃብ ክሕግዝ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

ብፍላይ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ዝገብርኦ እገዳ ዝምልከት ርኢይቶ ዝሃበ እቲ ወኪል፡ ኣብ ንግዲ እገዳ ምግባርን ረድኤት ምቁራጽን ኣብቲ ዝድለ ዘሎ ፖለቲካዊ መፍትሒ ኢድ ምእታው ከም ዝኾነ ገሊጹ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣባል ሃገራት እቲ ውድብ ሉእላውነት እታ ሃገር ብምኽባር ኢትዮጵያ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ንክተመሓይሽ ዝወሃብ ሓገዝ ክውስኽ ይግባእ ኢሉ።

ብሪጣንያ

ወኪል ብሪጣንያ ጄምስ ካሪዩኪ፡ ኣብ ቀረባ መንግስቲ ዝኣወጆ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከም ምኽንያት ተጠቒሙ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ሕግታትን ዕሽሽ ክብሎም የብሉን ክብል ኣተጠቂቑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እቲ ሕብረትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ዘካየዱዎ መርመራ ሒዙዎ ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም መሳርሒ ኲናት ከም ዝውዓለ፣ ምንግልታዕን ስቅያትን፣ ምፍንቓል ሰላማውያን ሰባት ሓዊሱ ብዙሓት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብምልዓል እቲ ጸብጻብ ዘካተቶም መፍትሒ ሓሳባት ተግባራዊ ክኾኑ ኣለዎም ኢሉ።

ኩሎም ወገናት ኲናት ጠጠው ብምባል ዝርርብ ክጅምሩ ድማ ሓቲቱ።

ብተወሳኺ ሓይልታት ትግራይ ንቕድሚት ዝገብሩዎ ዘለው ግስጋሰ ጠጠው ኣቢሎም ክምለሱ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘሎ ዕግታ ክልዓልን ብሄር መሰረት ዝገበሩ ኣፈላላያትን ተረኻት ጽልእን ክግትኡን ኣተሓሳሲቡ።

አሜሪካ

ወኪል ኣመሪካ ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ወገናት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጀመሮ ምትሕብባር ዝሓዙዎ መርገጺ ደጊፋ።

ኣብዚ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት "ነዊሕ ግዜ ስቕ ኢልና ጸኒሕና ኢና" ክትብል እንከላ፡ ብምኽንያት እቲ ኲናት ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም ዝርከቦም ከበድቲ ገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸሙ ጠቒሳ።

"ኩሎም ሓይልታት ኣጥፊኦም'ዮም፤ ዘየጥፍአ የለን" ኢላ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሻራዊ እዩ ዝብል ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ግቡእ ከም ዘይኮነ ብምግላጽ፡ ብዝኾነ ኣካል ዝፍጸም ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከም እትቃወም ተዛሪባ።

ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይደፍኡ ከም ዘለውን ሕጂ ካብ ዝሓዙዎም ቦታታት ወጺኦም ናብ ትግራይ ክምለሱን ድማ ኣተሓሳሲባ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ሕግታት ኲናትን ሰብኣዊ መሰላትን ከኽብር ሓቲታ።

ባይቶ ጸጥታ

ምኽትል ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ፖለቲካን ህንጸት ሰላምን እቲ ቤት ምኽሪ ሮዝሜሪ ዲካርሎ ብወገና፡ "ልዕሊ 110 ሚልዮ ህዝቢ፣ ልዕሊ 90 ብሄር ብሄረሰባትን 80 ቋንቋታትን ኣብ ዘለዋ ሃገር ኲናትን ዘይምርግጋእን እንታይ ከስዕብ ከም ዝኽእል ምትንባይ ኣይክኣልን" ብምባል ሓደጋ እቲ ኲናት ዘስግእ ምዃኑ ሓቢራ።

ኢትዮጵያ ናብ ዝኸፍአ ኲናት ሓድሕድ ትኣትወሉ ዕድል ግሁድ እናኾነ ይመጽእ ምህላው'ውን ተዛሪባ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ዘካየዱዎ መርመራ ኣመልኪቱ ዝወጽአ ጸብጻብ ብምጥቃስ ድማ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘስካሕክሕ ስቓይ ተፈጺሙ'ዩ ኢላ።

ብኻልእ ወገን እቲ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ ብምልዓል ድማ ህዝቢ ንዴሞክራሲ ዘለዎ መርገጺ ኣርእዩ'ዩ ብምባል፡ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብታ ሃገር ዝፍጠሩ ዘለው ጸገማት ንምፍታሕን ሃገራዊ ዘተ ንምጅማር ድልየት ከም ዘለዎን ሓቢራ።