የመን - ሑቲ፡ ካብ ኢትዮጵያዊት ኣደ ዝተወልደት የመናዊት ሞዴል ንማእሰርቲ ተፈሪዳ

ምንጪ ስእሊ, INTISAR AL-HAMMADI
የመናዊት ተዋሳኢትን ሞዴልን "ጸያፍ" ተግባራት ፈጺማ ብዝብል ክሲ ንሓሙሽተ ዓመት ክትእሰር ተፈሪዳ።
ጓል 20 ዓመት ኢንቲሳር ኣል-ሓማዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ሰንዓ ብሓይልታት ሑቲ ምስተኣሰረት ናይ ቃላትን ኣካላውን መጥቃዕቲ ክበጽሓ እንከሎ ዓይና ተሸፊኑ ዘይትልጦ ሰነዳት ክትፍርም ተገይሩ'ዩ።
ካልኦት ምስኣ ዝተኣሰራ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ንማእሰርቲ ተፈሪደን ኣለዋ።
ወይዘሪት ሃማዲ ካብ የመናዊ ኣቦን ኢትዮጵያዊት ኣደን ዝተወልደት ኮይና ንብዙሓት ዓመታት ሞዴልን ኣብ ክልተ ተኸታተልቲ ድራማታት ቴሌቪዥን የመን ዝተዋስአትን እያ።
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች እቲ ጉዳይ "ዘይሕጋውን በደል ዝተፈጸሞን'ዩ" ክብል ገሊጹዎ።
ዕጡቓት ሑቲ ንመብዛሕትኡ ምዕራብ የመን ዝተቖጻጸሩ ኮይኖም ካብ 2015 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ኣንጻር ደገፍቲ መንግስቲ ክዋግኡ ዝጸንሑ'ዮም።
ብሑቲ ዝምራሕ ማዕኸን ዜና ሳባ መጋብኣያ ቤት ፍርዲ ኢንቲሳር ዝጸብጸበ ኮይኑ፡ ጸያፍ ተግባራት ምፍጻምን ዕጸ ፋርስ ምሓዝን ዝብሉ ክስታት ከም ዝቐረቡላ ሓቢሩ።
ንሳን ካልእ ሓንቲ ካብተን ኣብ ቀይዲ ዝኣተዋ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ንሓሙሽተ ዓመታት ክእሰራ ከምዝተፈረዳ ተሓቢሩ።
እተን ክልተ ድማ ሰለስተ ዓመት ክእሰራ ተፈሪደን።
ጠበቓ እተን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነ ኻሊድ ኣል-ከማል ንኣሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል 'ይግባይ' ክሓታ ምዃነን ሓቢሩ።
ተመራማሪ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ የመን ኣፈራህ ናስር ብወገኑ እቲ ማእሰርቲ "ዘይፍትሓውን ፖለቲካውን" እዩ ክብል ብትዊተር ገሊጹ።
ሚኒስትሪ ሓበሬታ መንግስቲ እታ ሃገር ሙዓመር ኣል-ኢርያኒ ድማ እዚ መርኣያ እቶም "ኣሸባሪ ሚሊሻ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጽሞም ኣሽሓት ገበናትን ግህሰታትን እዩ" ኢሉ።
ኣንቲሳር፤ ሓሓሊፉ መሸፈን ርእሳ ቐሊዓ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ስእሊ ትልጥፍ እያ።
እዚ ድማ ኣብታ ኣኽራሪት እስላማዊት ሃገር ዘይፍቀድን ብጥቡቕ ሕጊ ዝተኸልከለን እዩ።
ጠበቕኣ ኣብ ወርሒ ሰነ ንሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ውልቀሰብ ኣብ ሰንዓ ምስ ካልኦት ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ብምዃን ብመኪና እናኸደት እንከላ ሓይልታት ሑቲ መጺኦም ጠጠው ብምባል ከም ዝኣሰሩወን ገሊጹ።
ሽዑ፡ "ቴሌፎና ተመንጢላ፤ እቶም ንሞዴሊንግ ዝተስኣለቶም ስእልታት ድማ ከም ጸያፍ ተግባር ተቖጺሮም፤ እዚ ብዓይኒ ሑቲ ኣመንዝራ ኣቢሉዋ" ኢሉ።
ከም ሓበሬታ እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ወይዘሪት ሃማዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሓቱዋ ንዝተፈቕደሎም ንጉጅለ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጠበቕኣን፡ ዓይና ተሸፊና ተገዲዳ ዝፈረመቶ ሰነድ ከም ዘሎ ተዛሪባ።
እዚ ድማ "ኑዛዜ" ምዃኑ ይሕበር።
ኣንቲሳር፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ሰንዓ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ክትዘዋወር እንከላ፡ እቶም ሓለውቲ "ጋለሞታ" ከም ዝበሉዋን ኢትዮጵያዊ ዘርኢ ስለ ዘለዋ ብምኽንያት ዘለዋ ጸሊም ሕብሪ ቖርበት ድማ "ጊላ" ከም ዝበሉዋ እቲ ጠበቓ ገሊጹ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







