ኮፕ-26፡ ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ጽልዋ ዝፈጥሩ ሓሙሽተ ኣደነቕቲ ነገራት

ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ጽልዋ ዝፈጥሩ ሓሙሽተ ኣደነቕቲ ነገራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዓለምና ዘጋጥም ዘሎ ወሰኽ መጠን ዋዒ ክንክዩ ዝኽእሉ ነገራት ንፈልጦም ኢና።

ካብዚኦም ጉዕዞ ነፈርቲ ምንካይ፣ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ምትካእ ከምኡ'ውን ኣብ ኣሕምልቲ ዝተሞርኮሰ ዓይነት ኣመጋግባ ክህልወና ምግባር ዝብሉ ይጥቀሱ።

ግን ክኣ፡ ክሳብ ሕጂ ዘየስተብሃልናሎም ካልኦት ነገራት ኣለው።

ንሎሚ፡ ክሊማዊ ለውጢ ንምክልኻል ኣቓልቦ ክትገብሩሎም ዝግብኡ ሓሙሽተ ነገራት ክንሕብረኩም ሓሪና።

Short presentational grey line

1. ሩዝ

ልዕሊ ፍርቂ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ሩዝ ከም ዝምገብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

እንተኾነ፡ እዚ ኣብ ኣብ ምፍራዩ ኣጸጋሚ ዝኾነ ምህርቲ እዩ።

ሓደ፡ እዚ ምህርቲ ንክባጽሕ ልዑል መጠን ማይ ዝጠልብ ኾይኑ፡ እዚ ኣብ ሓመድ ብዝፈጥሮ ራሕሲ 'ሚተይን' ዝተበሃለ ጋዝ ዘምጽኡ ተሃዋስያን ክፈርዩ ምኽንያት ይኸውን።

ሚተይን፡ ካብ ካርበን ዳይኦክሳይድ ንላዕሊ ልቀት ጋዛት ግሪን ሃውስ ዘስዕብ ባእታ እዩ።

ሕርሻ ሩዝ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ሚኢታዊት ልቀት ወዲ ሰብ ዝፈጥሮም ጋዛት ግሪን ሃውስ ዝሕዝ ኮይኑ፡ ናብ ከባቢ ኣየር ኣብ ዝልቀቕ ካርበን ዳይኦክሳይድ'ውን ናይ ባዕሉ ተራ ይጻወት።

ተመራመርቲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ሕርሻ ሩዝ ንዓለማዊ ዋዒ ዘለዎ ጽልዋ ዝንክዩ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ሩዝ ንምምዕባል ይሰርሑ ኣለው።

ሩዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሩዝ፡ ስሩዕ መግቢ 3.5 ቢሊየን ህዝቢ ዓለም እዩ

2. ኣለሻታት ኢንተርነት

ዝኾነት ኣብ ኢንተርነት እንገብራ ኣለሻ፡ ውሑድ ግራማት ልቀት ካርበን ዳይኦክሳይድ ትፈጥር።

እዚ ብምኽንያት እቲ ላፕቶፕ ወይ ኮምፒዩተር ንክሰርሑ ዝወስዱዎ ጽዓትን ገመድ ኣልቦ 'ኔትዎርክታት' ንክንቀሳቐሱ ብዝጠልብዎ ጽዓትን ዝፍጠር እዩ።

ንኡሽቶ ይመስል፤ እንተኾነ 4.66 ቢሊዮን ህዝቢ ዓለም ተጠቃሚ ኢንተርነት እዩ።

ኣብ ዓለም፡ መዓልታዊ ሓደ ቢሊየን ሰዓታት ናይ ዩትዩብ ቪድዮታት ይጽዓኑ።

ነዞም ቪድዮታት ዝውዝዕ ጎግል ድማ፡ እዞም ቪድዮታት ኣብ ዝርኣይሉ ሰዓት ልቀት ካርበን ስለ ዘስዕቡ እቶም ሰርቨራት ዘንቀሳቕስ ጽዓት ብተሓዳሲ ጽዓት ክትክእ ይሰርሕ ኣሎ።

ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ብ2016 ዩትዩብ ዝርኣዩ ሰባት 11.13 ሚሊየን ቶን ዝጽጋዕ ልቀት ካርበን ዳይኦክሳይድ ኣስዒቦም'ዮም ይብል።

እዚ፡ ማዕረ ክንዲ ከተማ ግላስኮው [ሕጂ ኣኼባ ክሊማዊ ለውጢ ዝተጋብአላ ከተማ] እተፍርዮ ጋዛት ግሪን ሃውስ ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።

ላፕቶፕ ትጥቀም ዘላ ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣስታት 60 ሚኢታዊት ህዝቢ ዓለም ኢንተርነት ዝጥቀም ኮይኑ፡ ኩሉ ኣብ ኢንተርነት ዝእለሽ ነገር ድማ ልቀት ካርበን ዳይኦክሳይድ ዘስዕብ ጽዓት ይወስድ

3. ሓጽቢታት

ሓጽቢታት ንምፍጣር መሬት ብውሑጅ ክትዕልቕለቕ እንከላ ተፈጥሮኣውያን ኣግራብን ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ነገራትን ክብስብሱን ሚቴን ክፈጥሩን ይጅምሩ።

ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ቫንኮቨር፡ ሓጽቢታት ዓመታዊ ኣስታት 1.3 ሚኢታዊት ሰብ ሰርሖ ልቀት ጋዛት ግሪን ሃውስ ከም ዘስዕቡ ይገልጹ።

እዚ ማዕረ ካናዳ እትፈጥሮ ልቀት ጋዛት ግሪን ሃውስ እዩ።

ይኹን'ምበር፡ መብዛሕትኦም ሓጽቢታት ምንጪ ግድባት ሃይድሮ ኤሌክትሪክ እዮም።

እዚኦም ኸኣ ቀንዲ ምንጪ ተሓዳሲ ጽዓትን ትሑት ካርበን ኤሌክትሪክ ይኾኑ።

ሓጽቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓጽቢ ሚቴይን ይፈጥር

4. 'ቺዝ'

ቺዝ፡ ኣብ ኢንዳስትሪ ስጋን ውጽኢት ጸባን ኣብ ዓለም ሳልሳይ እቲ ዝዓበየ ልቀት ጋዛት ግሪን ሃውስ ዘስዕብ ፍርያት እዩ እንተበልናኩም ክትግረሙ ትኾኑ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኪሎ ግራም እንምገቦ ቺዝ፡ 13.5 ኪሎ ግራም ልቀት ካርበን ዳይኦክሳይድ ይወጽእ።

ሓደ ኪሎ ግራም ቺዝ ንምስራሕ፡ ኣስታት 10 ሊትሮ ጸባ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል።

እዚ ዓውዲ ምህርታት ጸባን ውጽኢት ጸባን ክኣ ኣስታት ኣርባዕተ ሚኢታዊት ሰብ ሰርሖ ልቀት ጋዛት ግሪን ሃውስ የፍሪ።

ቺዝ፡ ኣብ ኢንዳስትሪ ስጋን ውጽኢት ጸባን ሳልሳይ ዝዓበየ ምንጪ ጋዛት ግሪን ሃውስ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቺዝ፡ ኣብ ኢንዳስትሪ ስጋን ውጽኢት ጸባን ሳልሳይ ዝዓበየ ምንጪ ጋዛት ግሪን ሃውስ እዩ

5. ደቂ ኣንስትዮ ምምሃር

ደቂ ኣንስትዮዮ ናብ ቤት ትምህርቲ ኸይደን ማዕረ ዕድላት ክረኽባ እንከለዋ፡ ብዝተፈላለየ መልክዑ ስትራቴጂታት ክሊማ ኣብ ምዕዋት ሓጋዚ ተራ ከም ዘለወን መጽናዕታት ይሕብሩ።

ንኣብነት፡ ናይ ኻልኣይ ደረጃ ትምህርታ ዝወድአት ጓል ኣንስተይቲ ካብታ መባእታዊ ትምህርቲ ጥራይ ዝወድአት ጓል ኣንስተይቲ ብውሑድ ብሓደ ቖልዓ ዝተሓተ ውላድ ይህልዋ።

መጠን ወሊድ ምንካይ ድማ ብዝሒ ህዝቢ ዝዓብየሉ መጠን ስለ ዘደናጉዮ ብዝሒ ልቀት ካርበን ዘስዕቡ ሰባት ይንኪ ኣሎ ማለት እዩ።

ብተወሳኺ ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ክሊማ መሪሕ ተራ ዘለወን መራሕቲ ክኾና የተባብዕ።

መጽናዕታት ከም ዝሕብሩዎ ኣብ ፓርላማ ልዑል ቑጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ሃገራት ዓለምለኻዊ ስምምዓት ስነ ኸባቢ ከጽድቓ፣ ተሪር ፖሊሲታት ክሊማዊ ለውጢ ክህልወንን ኣብ ምሕዋይ ከባቢ ክሰርሓን ልዑል ተኽእሎ ኣለወን።

ደቂ ኣንስትዮ ምምሃርን ምትብበዓዕን ምቹእ ስነ ኸባቢ ኣብ ምፍጣር ሓጋዚ ተራ ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደቂ ኣንስትዮ ምምሃርን ምትብበዓዕን ምቹእ ስነ ኸባቢ ኣብ ምፍጣር ሓጋዚ ተራ ኣለዎ