ኮፕ26፡ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ልቀት ግሪን ሃውስ ዝንኪ ስምምዕ ኣቕሪበን

ካብ ምህርቲ ነዳዲ ዝወጽእ ዝተቓጸለ ጋዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ ምህርቲ ነዳዲ ዝወጽእ ዝተቓጸለ ጋዝ

ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ 2030 ኣብ ግሪን ሃውስ ዝርከብ ጋዝ ንምጕዳል ዓለምለኻዊ ሽርክነት ከም ዝገብራ ኣፍሊጠን።

ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደር ለየንን ፕሬዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ኣብቲ ብሰሉስ ኣብ ግላስኮ ዝተኻየደ መበል-26 ኣኼባ ምንካይ ልቀት ካርቦን እዮም ነዚ መግለጺ ኣቕሪቦምዎ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ብኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዘቕረብኦ ተበግሶ ልዕሊ 100 ሃገራት ፈሪመናሉ ኣለዋ።

ዓለማዊ ቃል ኪዳን ምቁጽጻር ልቀት ካርቦን መጠን እቲ ጋዝን ጨረርታን ዝፈጥር ልቀት ምስ ናይ 2020 ክነጻጸር እንከሎ ብ30 ሚኢታዊት ከም ዝንኪ ንምግባር ዝዓለመ እዩ።

ምንጪ ልቀት ካርበን ጋዛት ግሪን ሃውስ ኮይኑ፡ እቲ ሓደ ሲሶ ካብ ንጥፈታት ደቂ ሰብ ዝመጽእን ዝፍጠርን እዩ።

ቀንዲ ትኹረት ዓለማዊ ዋዒ ንምዕጋት ዝግበር ጻዕርታት ምንካይ ካርቦን ዳይኦክሳይድ (CO2) ኮይኑ እቲ ካርቦን ከኣ ብሰባትን ብርሰት ጫካታት እዩ ዝምንጩ።

ይኹን እምበር፡ ክሊማዊ ለውጢ ንምብዳህን ተወሳኺ ግዜ ንምዕዳግን፡ ኣብ ሚተይን ዝያዳ ኣትኵሮ ተገይሩ ኣሎ።

ዋላ'ኳ ኣብ ከባቢ ኣየር ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ጻዕቂ ካርቦን ዳይኦክሳይድ እንተሃለወ፡ ውልቀ-ባእታታት ሚተይን ግን ካብ ንጽል ሞለክዩላት ካርቦን ዳይኦክሳይድ (CO2) ንላዕሊ ኣብ ከባቢ ኣየር ሓያል ናይ ሙቐት ጽልዋ ክፈጥሩ ይኽእሉ።

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ሸቶታት ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ እዚ ዓመት፡ ሃገራት ዓለም ኣብ 2050 ነቲ ኣብ ከባቢ ኣየር ዘሎ መጠን ጋዛት ብምንካይ ናብ ባዶ ልቀት ካርቦን ምውራድ እዩ።

ሓላፊት ኮሚሽን ኣውሮጳዊ ሕብረት ኡርሱላ ቮን ደር ለየን "ክሳብ 2050 ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና። ቀልጢፍና ልቀት ካርቦን ክንቅንስ ኣሎና" ኢላ።

ሚተይን ምቑራጽ፡ "ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ንምንካይ ክንገብሮ እንኽእል ኣዝዩ ውጽኢታዊ ነገራት" ምዃኑ ሓቢራ።

እዚ ከኣ "ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ገረብ ከም ዝተጠንጠለ ፍረ እዩ ዝቑጸር" ኢላ ሰምያቶ።

ፕረዚደንትና ጆ ባይደን ብወገኑ ሚተይን "ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ሙቐት ዝፈጥር ጋዛት'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ስምምዕ (ቃል ኪዳን) እተን ሃገራት ካብ ጠቕላላ ልቀት ካርቦን ሚተይን ዳርጋ ፍርቂ ዝሽፍና ኮይነን፡ ካብ ጠቕላላ እቶት ዓለም 70% ዝሽፍና እየን ክብል ፕረዚደንት ኣመሪካ ገሊጹ ።

ጽልዋ ሚተይን እንታይ እዩ?

ሚተይን፡ ካርቦንን ሃይድሮጅንን ዝብሃሉ ክልተ ባእታታት ዝሓዘ ውሁድ እዩ።

ብተፈጥሮ ከም ሞለኵዩል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሜለኵል ሚተይን ብኣርባዕተ ናይ ሃይድሮጅን ኣቶም ዝቘመን እተኸበበን ማእከላይ ካርቦን ኣቶም ኣለዎ።

ናይ ሚተይን ኬሚካላዊ ቀመር ከኣ CH₄ እዩ ።

ምንጪ ተይን እንታይ እዩ?

ዒባ ከብትን ካልኦት እንስሳታትን ሜተይን ይፈጥር ወይ የፍሪ። ኣብ መሬት ዝርከብ ጓሓፍ እውን ከምኡ።

ፈሓም፣ ዘይትን ባህርያዊ ጋዝን ካብ ምድሪ ክወጽእ እንከሎ እውን፡ ሚተይን ናብ ኣየር ይሶሉኽ እዩ።

ደቂ ሰብ እውን ሚተይን የፍርዩን ናብ ኣየር የስሉኹን እዮም።

ከፍቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ ንለውጢ ክሊማ ጽቡቕ ብስራት ኣይኮነን። ሚተይን ጋዝ (ሓምላይ ቤት) ግሪን ሃውስ እዩ።

ስለዚ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሙቐት ዓለም ምእንቲ ክንቆጻጸር ሚተይን ክንንኪ ኣሎና።

ኣገልግሎት ሚተይን ኣብ መዓላ ዘቤት

ገሊኦም ሓረስቶት ንዒባ ከብትን ካልኦት እንስሳታትን ኣኪቦም ንክሽነን ኣገልግሎት ቤትን ዝውዕል ጋዝ የፍርዩሉ።

ካብቲ ዝጓሓፍ ዒባን ቀልቀል እንስሳታትን ንመውዓይ ማይን ብሃፋ ንዝሰርሓ ገለልቲ ማይን ዘንቀሳቕስ ጸዓት ጋዝ ይጥቀምሉ።

ብዙሕ ምስ ዝፈሪ ከኣ ኤሌክትሪክ የመንጩ።

ቀልቀል ጸዓት ንምምንጫው ንጥቀመሉ እንተ ደኣ ኴንና፡ ውሑድ ናይ ነዳዲ ጸዓት ክንጥቀም ንኽእል።

ንሱ ከኣ ንብከላ ከባብን ልቀት ካርቦንን ይከላኸል።

ዓለም ነቲ ምስ ነዳድን ሚተይን እተተሓሓዘ ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ እተካይዶ ዘላ ቅልጣፈ ከኣ ነቲ ብሰንኪ ምውሳኽ ሙቐት ዝመጽእ ዘሎ ዓብዪ ሓደጋ ንምውጋድ ናይ ብሓቂ ተስፋ ዝህብ ምብርባር ይረአ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ እቲ ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዘተኵር በይነ-መንግስታዊ ትካል (IPCC)፡ ሚተይን ካብቲ ዛጊት ኣብ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ 1 ሲሶ ልቀት ካርቦን ዝለዓለ ቦታ ከም ዝሕዝ ጸብጺቡ ነይሩ ።

ኣብ መስከረም፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ሻቕሎት ክሊማዊ ዋዒ ናብ ህላወ ስለ ዘምጽእዎ ብዙሓት ግዱሳት ናብቲ ክለብ ክጽንበሩ ኣእሚኖምዎም ኣለዉ።

ኣብ 2030 መጠን እቲ ሕጂ ዝሃልኽ ዘሎ ነዳዲ ብ30% ከም ዝንኪ ክግበር ተስፋ ኣሎ።

ኣብ 'ዚ ሓጺር ግዜ ከኣ እቲ ቀንዲ ትኹረት ናይ ነዳዲ ኢንዱስትሪ እዩ። መብዛሕትኡ እቲ ዕማም ብውሑድ ወጻኢታትን ድኻምን ግን ከኣ ብከቢድ ጻዕሪ ክብጻሕ ይከኣል እዩ።

እቲ ክርከብ ዝኽእል ጥቕምታት ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ዓለም ኣብ 2040 ካብ ዘሎ ዋዒ 0.3 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ክትንኪ እያ ኢሎም ይኣምኑ።

ኣብዚ እዋን ነፍሲ ወከፍ ሴንቲ ግሬድ ሙቐት ንሓፈሻዊ መጠን ምርግጋእ ሙቐት ኣብ 1.5 ሴንት ግሬድ ንምዕቃብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ይኹን እምበር ከም ሩስያ፡ ቻይናን ህንድን ዝኣመሳሰላ ዓበይቲ ሃገራት ብምሉእ ልቢ ኣካል ናይዚ ፕሮጀክት ኣይኮናን - ክንደይ ዝኣክል ልቀት ከጉድላ ከም ዝኽእላ ኣይተመባጸዓን።

ኵሉ እቲ ዝግበር ነገራት ብፍታው እዩ ዝፍጸም፤ እዚ ከኣ ዋላ ሓንቲ ከቢድ ነገር ኣይኮነን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ፡ መብዛሕትኦም ተዓዘብቲ እቲ ቃል ኪዳን ንዓለም ዝጠቅም ከም ዝዀነን ነቲ ዋዕላ ክብ ከም ዘብልን እዮም ዝርእይዎ ።

ሜታን ብኸመይ እዩ ዝፍጠር?

ኣስታት 40% ሜታን ካብ ከም ጥሉል ረግረግ መሬት ዝኣመሰሉ ባህርያውያን ምንጭታት ዝመጽእ ኮይኑ፡ እቲ ዝዓበየ እጃም ግን ካብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ደቂ ሰባት፡ ካብ ሕርሻን ካብ ከብትን ሩዝን ክሳብ ናይ ጎሓፍ ዱኽዒን እዩ ዝፍጠር ።

ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ምንጭታት ድማ፡ ካብ መጓዓዝያን ኣጠቓቕማን ባህርያዊ ጋዝን እዩ።

ካብ 2008 ኣትሒዙ ከኣ ኣብ ልቀት ካርቦን ብዙሕ ወሰኽ ተራእዩ። እዚ ከኣ ምስቲ ኣብ ገሊኡ ክፋላት ኣመሪካ ዝፍጠር ዘሎ ጋዝ ምትሕሓዝ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ኣብ 2019፡ ኣብ ከባቢ ኣየር ዝርከብ ሚተይን፡ ካብቲ ቅድሚ ኢንዱስትርያዊ ዘመን ዝነበረ ብከባቢ ክልተ-ፈረቓን ዕጽፊ ኣብ መዝገብ ክብረ ወሰን በጺሑ።

ንተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ዘጨንቖም ዘሎ ሚተይን ንምድርና ከበላሽዋ ዝኽእል ሓያል ጭዋዳ ኣለዎ።

ኣብ 100 ዓመት ድማ ካብ 28-34 ዕጽፊ ናይ ካርቦን ልቀትን ሙቐትን ክፍጠር ከም ዝኽእል ይገልጹ።