ታሪኽ ጸለምቲ፡ ብጸጉሪ ርእሶም ታሪኽ ዝሰርሑ ሓሙሽተ ስፖርተኛታት ዓለም

ፖል ፖግባ፣ ሼሊ-ኣንን ቬነስ ዊልያምስን ካብ ጸጉሪ ርእሶም ጥንካረ ዝረኽቡ ጸለምቲ ኣትሌታት'ዮም

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

መግለጺ ስእሊ, ፖል ፖግባ፣ ሼሊ-ኣንን ቬነስ ዊልያምስን ካብ ጸጉሪ ርእሶም ጥንካረ ዝረኽቡ ጸለምቲ ኣትሌታት'ዮም

ኣብ ስፖርት ዘለው ገለ ሰባት፡ መጀመርታ 'እንተጸቢቕኻ ጽቡቕ ይስምዓካ፤ ጽቡቕ ክስምዐካ እንከሎ ድማ ጽቡቕ ጸወታ ትጻወት' ክብሉ ሰሚዕኹም ትኾኑ'ዶ?

ብታሪኽ ድማ፡ ኣትሌቲክስ ንርእስኻ እተርእየሉ መድረኽ ውድድር ኮይኑ'ዩ ከገልግል ጸኒሑ።

ኣብ ውሽጢ ጸለምቲ ማሕበረሰብ ከኣ ጸጉሮም ዓብዪ ቦታ ይሕዝ። መንነት'ዩ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ስፖርት ፓስቲ ጉድዊን፡ "ብኹለ መዳይ ንባዕለይ ክገልጽ ይደሊ። ሕብሪ ጸጉሪ ርእሰይ ብምልውዋጥ፣ ዝተፈላለየ ቑኖ ብምቑናን ወይ ኣፍሮ ብምግባር መንነተይ ከርኢ ይደሊ" ትብል።

ነፍሲ ወከፍ ቅዲ ጸጉሪ ርእሳ ድማ ናታ ዝተፈላለየ መንነትን እምነትን ከም ዘንጸባርቑ ትገልጽ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ጸጉረይ ኣካል መንነት ገይረዮ'የ ኢላ።

"እቶም ኣብ ስፖርት እንተጸቢቕኻ ጽቡቕ ይስምዓካ፤ ጽቡቕ ክስምዐካ እንከሎ ድማ ጽቡቕ ጸወታ ትጻወት" ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት፡ ጸቡቕ ስምዒት ክህልወካ እንከሎ ናብ ውሽጥኻ ዝኣቱ ጥርጣረታ ውሑድ እዩ ዝኸውን፤ ኩሉ ጽቡቕ እንተኾይኑ ድማ ካባኻ ሓንቲ ነገር ጥራይ ትጽቢት ይግበረካ ይብሉ።

እዚ ኽኣ፡ እቲ ውድድር ምስዓር'ዩ።

ካብዚ ብምብጋስ፡ ንሎሚ ሓሙሽተ ጸጉሮም ልዕለ ሓያል [Majic] ዝኾኖም ብዙሓት ጸለምቲ ዘለዓዓሉ ሓሙሽተ ስፖርተኛታት ከነላልየኩም ኢና።

Short presentational grey line

ሼሊ-ኣን ፍራሴር-ፒሪስ

ኣብ ታሪኽ ኦሎምፒክ ህብብቲ ዝኾነት ሼሊ-ኣን ሸሞንተ ግዜ ሜዳሊያ ኦሎምፒክ ተዓዊታ።

ብ2008 ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብ100 ሜትሮ ንጀማይካ ወርቂ ሜዳሊያ ምስ ኣዐወተት ኾኾብ ዓለም ኮይና።

ብውድድር 100 ሜትሮ ኣርባዕተ ግዜ ዓለማዊ ክብረወሰን ዝወነነት ብሕታዊት ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ኣብ ታሪኽ ውድድር 100 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 34 ዓመታ ሳልሰይቲ ዝቐልጠፈት ጎያይት እያ።

እዚ ኹሉ ቖልዓ ድሕሪ ምውላዳ ዘዐወተቶ ብምዃኑ ክኣ ዘደንቕ ይገብሮ።

ጎና ጎኒ እቲ ዕውትነታ፡ ሼሊ-ኣን ናብ ዝኸደቶ ቦታ ንካሪብያን ሒዛታ እያ ትገይሽ። ብምንታይ እንተኢልኩም፡ ብጸጉሪ ርእሳ ኢና።

ንኣብነት፡ ኣብ ዶባ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ "እቲ ጸጉሪ ከም ብርሃን ጸሓይ'ዩ፤ ጀማይካ ክኣ ዋዒ ኣሎ። ዶሃ'ውን ውዕይቲ'ያ። ስለዚ ንምንታይ እቲ ብርሃን ጸሓየይ ሒዘዮ ዘይመጽእ" ኢላ ነይራ።

ሼሊ-ኣን

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

መግለጺ ስእሊ, ጀማይካዊት ሼሊ-ኣን ሸሞንተ ግዜ ሜዳሊያ ኦሎምፒክ ተዓዊታ

ንሼሊ-ኣን ዝፈልጡ ሰባት መጀመርታ ናብ ሕሊንኦም ዝመጽኣሎም ሰለስተ ነገራት እንተሃለው- ፍጥነታ፣ ታሪኽ ሰራሒት ምዃናን ድሙቕ ጸጉሪ ርእሳን እዮም።

ካብ ስፖርት ወጻእ ከኣ ናይ ባዕላ እንዳ ጸጉሪ ከፊታ እያ።

"ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ጸጉሪ ርእሳ ድላያ እንተገበረቶ ብዘየገድስ ጽባቕኣ ከጉልሕ ግን ይደሊ" ትብል።

በዚ ኣቢላ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንክተባብዓን ጽቡቕ ርእሰ ተኣማንነት ከዕብያን ትብህግ።

"ኩል ግዜ ድሙቕ ሕብሪ ጸጉሪ ርእሲ እየ ዝመርጽ። ሓሓሊፉ ብዛዕባ እታ ዘለኹላ ሃገር'ውን ይሓስብ" ኢላ።

ሼሊ-ኣን፡ ሓደ ግዜ "ኣብ ባዕልኻ ተስፋ ኣይትቑረጽ፤ ሓፍ ንኽትብል ሰባት ክትንብዩልኻ ኣይትጸበ" ኢላ ነይራ።

ፖል ፖግባ

ፖል ፖግባ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

መግለጺ ስእሊ, ተጻዋቲ ማእኸል ጋንታ ማንችስተር ዩናይትድ ፖል ፖግባ ብ2018 ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ምስ ፈረንሳ ተሰሊፉ ስዒሩ

ንፈረንሳን ማንችስተር ዩናይትድን ዝስለፍ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ፖል ፖግባ፡ ብዘለዎ ብቕዓት ኣብ ዓለም ኣለው ካብ ዝብሃሉ ተደለይቲ ኣትሌታት ስፖርት ሓደ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ግርማ ሞጎሱ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዘለዎ ንጥፈትን እወንታዊ ኣተሓሳስብኡን ብዙሓት ይብህጉዎ።

ብተደጋጋሚ ዝቐያይሮ ሕብሪ ጸጉሪ ርእሱን ዝጥቀመሞም ቅድታትን ግን ካልእ ሚስጢር ጋንታታት ንፖል ፖግባ ኣነ'ባ ኣነ ክብላ ዝገብረን ሚስጢር'ዩ።

ፖግባ፡ ኣቀማቕማ ኾነ ሕብሪ ጸጉሪ ርእሱ ብዝቐያየረ ቑጽሪ፡ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግርን ኣድነቕቱን ብዙሕ ግምታት እዮም ዝህቡዎ።

'ሕጂኸ ፖግባ ካብ ዩናይትድ ይወጽእ ኣሎ ማለት ድዩ?' . . . 'እቲ ኣብ ጸጉሪ ርእሱ ዘሎ ዝተሰበረ ልቢ እንታይ ይኾን?' . . . 'ሎሚኸ እንታይ ዓይነት ሚስጢር'ዩ ሓቢኡ?' ብምባል ሸቐልቐል ይብሉ።

ንሱ ግን፡ ብቐሊሉ ሓደሽቲ ቅድታት ብምምጻእ ይዛነ'ዩ ዘሎ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ "ኩል ግዜ ሰባት ኣብ ጸጉረይ ርኢይቶ ስለ ዝህቡ፡ ሰባት እንታይ ከም ዝብሉ ንምዕዛብ እየ እቲ ዝተሰብረ ልቢ ተሰሪሐ። ካልእ ትርጉም የብሉን . . . ሰሓቕ ጥራይ'ዩ" ይብል።

ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ቦታ ዝህቦ ነገር እምነት ስለ ዝኾነ ውቃጦ ክገብር ኣይመረጸን።

ግን ድማ ብስነ ጥበብ ዓርሱ ክገልጽ ወይ ከንጸባርቕ ይደሊ'ዩ።

ፖግባ፡ ኣብ ጸጉሪ ዘይተጠቕሞ ዓይነት ሕብሪ ኮነ ቅዲ የለን።

ብሓፈሻ፡ ፖል ፖግባ ሰባት ድላዮም እንተበሉ ሓድሽ ነገር ንምፍታን ሰጋእ ዘይብል ኣትሌት እዩ።

ዴኒስ ሮድማን

ዴኒስ ሮድማን

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

መግለጺ ስእሊ, ዴኒስ ሮድማን፡ ሓሙሽተ ግዜ ሻምፒዮናት ኩዕሶ ሰኪዔት ኮይኑ ክልተ ግዜ ኮኸብ ኩዕሶ ሰኪዔት ተባሂሉ እዩ

ዴኒስ ሮድማን፡ ኾኾብ ሃገራዊ ማሕበር ኩዕሶ ሰኪዔት'ዩ።

ኣባላት ፕሮፌሽናል ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዔት ኣመሪካ 'Chicago Bulls' ክሳብ ሕጂ ሽሞም ብልዑል ክብሪ ይርቋሕ።

ሚካኤል ጆርዳን፣ ስኮቲ ፒፔንን ከምኡ'ውን እቲ ናይ ሙሉእ ዘመን ኮኾብ ሮድማን ካብ ኣፍ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ ሰኪዔት ኣይጠፍኡን።

ሮድማን፡ ፍሉይ ክእለት ምክልኻልን ኩዕሶ ካብ ኢድ መጋጥምቱ መንዚዑ ናይ ምውሳድ ዓቕምን ዝነበሮ ስለ ዝኾነ ንኣባላት ጋንትኡ ኮነ መጋጥምቱ ውንጥሕ ይብሎም ነይሩ።

ካብዚ ብዝብገስ ብዙሓት ብግጉይ ስለ ዝርድኡዎ ግዳማዊ ጠባዩ ንምርዳእ ይጽገሙ ነይሮም።

"መጀመርታ ናብታ ጋንታና ክጽንበር እንከሎ ሕጉስ ኣይነበርኩን፤ ድሓር ግን ዴኒስ ሒዙዎ ዝመጽአ ፍሉይ ነገር ከም ዘሎ ተረዲአ" ይብል ስኮፒ ፒፔን።

ካብ 1990ታት ጀሚሩ፡ ዴኒስ ሮድማን ጸጉሪ ርእሱ ብምቅይያር እዩ ዝፍለጥ።

ብዛዕባ ጸጉሩ፣ ዝጥቀሞም መመላኽዒታትን ኣከዳድንኡን ድማ ብግልጺ ይዛረብ።

"በዚ ስለ ዝፍለጥ'የ ከምኡ ዝገብር። ስምዒተይ ክኣ በቲ ንዓይ ዝማእመአኒ መገዲ ክገልጽ ከም ዘለኒ ይኣምን" ይብል።

ካብዚ፡ 'ኩላትና ፍሉያት ስለ ዝኾንና፡ ኣፈላላይና ድማ ክንቕበል ይግባእ' ዝብል ንወስድ።

ሻና ብራውን

ሻና ብራውን

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

መግለጺ ስእሊ, ሻና ብራውን ንኢንግሊዝን ሃርላኲንስን ራግቢ ትጻወት

"ጸጉረይ ንኻልኦት ሰባት ምንጪ ሓጎስ ስለ ዝኾኖም የሐጉሰኒ" ትበል።

ሻና ብራውን፡ ኣብ መበል 25 ዓመታ ራግቢ ምጽዋት ክትጅምር እንከላ ድሕሪ ክልተ ዓመት ንኢንግሊዝ ወኪለ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድር ተሳቲፋ።

ሕጂ ኣብታ ሃገርን ጋንትኣ ሃርሊኲንስን መሪሕ ኣትሌት እያ።

ብተወሳኺ ንደቂ ኣንስትዮ ተጻወትቲ ራግቢ፣ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ታሪኽ ጸለምትን ወኪላ ኣብ ምዝራብን ምቅላስን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።

ጸጉሪ ርእሳ ኣፍሮ እዩ። ቖልዓ ኮይና ኣይትፈትዎን ነይራ።

"መመሸጢ ዘይሓልፎ፣ ዝተዓዃኾለ ስለ ዝነበረ መጀመርታ ኣይፈትዎን ነይረ፤ ድሓር ግን ሰባት ጸጉርኺ ጽቡቕ እዩ ይብሉኒ ስለ ዝነበሩ ጸጉረይ ናብ ዝፈትወሉ ደረጃ በጺሐ" ትብል።

ወሲኻ፡ "ሰባት ህንጡዋት ኮይኖም ጸጉረይ ክተናኽፉዎ ይዕዘብ፤ ኣነ ኽኣ ክቐርቡዎምን ከውግዑዎምን ካብ ሞንጎ ዝደልዩ ሓንቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገንዚበ" ኢላ።

ቬነስ ዊልያምስ

ቬነስ ዊልያምስ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

መግለጺ ስእሊ, ቬነስ ዊልያምስ

ቬነስ፡ ተጻዋቲት ቴንስ እያ። ገሊኦም ንሓፍታ እዮም ዝፈልጡ። ቬነስ ዊልያምስ ዓባይ ሓፍቲ ሰሬና ዊልያምስ እያ።

ልዕሊኡ ግን፡ ቬነስ ሸውዓተ ግዜ ዓበይቲ ሻምፒዮ ጸወታ ቴንስ [ኣውስትራሊያ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣኒያን ኣመሪካ] ክትዕወት እንከላ፡ ኣርባዕተ ግዜ ወርቂ ሜዳሊያ ኦሎምፒክ ወሲዳ እያ።

ብተወሳኺ፡ ብፋሽንን ቢዝነስ ኣድሚኒስትሬሽንን ዲግሪ ኣለዋ። ኣዝያ እትገርም ኣትሌት ኮይና እናሃለወት ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ምሕጋዝን ሰባት ምምሃርን ትፈቱ።

ኣብ 1999፡ ኣውስትራሊያ ኣብ ዘአንገደቶ ቶርናመንት ቴንስ ቬነስ ኣብ ጸጉራ ዕንቁታት ኣሲራ እያ ትጻወት ነይራ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ጸወታ እቶም ዕንቁታት ብምውዳቖም፡ ዳኛ ጸወታ ረቢሻ ብዝብል ሓደ ነጥቢ ቐጺዑዋ።

ንሳ ግን፡ ሽዑ እዚ ከመይ ኢሉ ምኽንያት ይኸውን ኢላ ሓቲታ እያ።

ድሕሪኡ "ጸጉረይ ስለ ዝፈትዎ፡ ኣይቕይሮን" ኢላ።