ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝግስግሱ ይገልጹ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕጽዋ ክሳብ ዝለዓል ሓይልታት ትግራይ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝገብርዎ ግስጋሰ ከምዝቕጽሉ ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።
ኣቶ ጌታቸው ምስ ቢቢሲ 'ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ' ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ ንመገዲ ሰላም ኢትዮጵያ ዓጽዩ ዘሎ ''ንፖለቲካዊ ጸገም ብወተሃራዊ ሓይሊ ክፈትሖ እየ ዝብል ድልየት ዘለዎ'' ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እዩ ክብል ወቒሱ።
ኣንጻር ሓይልታት መንግስትን መላፍንቶምን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝግስግሱ ዘለዉ ኮይኖም፡ መንግስቲ ብወገኑ ህዝቢ ክዕጠቕን ከባቢኡ ክሕሉን ይጽውዕ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን ሓይልታት ትግራይ ኣዲስ ኣበባ ንምቁጽጻር ይደፍኡ ከም ዘለው ክገልጹ እንከለው፡ መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበርን ዓቕሚ ዘለዎም ዜጋታትን ናብቲ ሰራዊት ምክልኻል ክጽንበሩ ይጽውዕ ኣሎ።
መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን እቲ ጎንጺ ጠጠው ክብልን ኣፈላላያት ብዘተ ክፍትሑን ጻውዒት ከቕርቡ እኳ እንተጸንሑ ክሳብ ሕጂ ግን ፍረ ኣየፍረየን።
ግስጋሰ ሓይልታት ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ''ናይ ኣዲስ ኣበባ ድልየት ስለዘለና ዘይኮነስ ነቲ [ብኣብዪ ኣሕመድ] ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋ ኢዱ ጠዊና ንምልዓል እዩ'' ክብል ጌታቸው ዕላማ ናይቲ ዝቕጽልዎ ዘለዉ መጥቃዕትታት ኣብሪሁ።
ብተወሳኺ ''ኣብዪ ነቶም ዘቕረብናዮም ጠለባት ሕራይ ክብል ንምግባርን ነቲ ጎንጺ ዕልባት ንምሃብን እዩ'' ኢሉ፡፡
ነቶም ተጻባእቲ ወገናት ንምሽምጋል ዝተመዘዘ ልኡኽ ሕብረት ኣንፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ፡ ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዕዉት ዘተ ከምዘካየዱን እውን እቲ ወሃቢ ቃል ተዛሪቡ፡፡

ምንጪ ስእሊ, TTV
ኦባሳንጆ፡ ሎሚ ሰሉስ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምኻድ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ እተን ክልላት ኣብ ጉዳይ እቲ ናይ ሰላም ጻዕሪ ክዝቲ'ዩ።
እቲ ብኹሎም ተጻረርቲ ወገናት ተቐባልነት ከምዝረኸበ ዝገልጽ ናይጀርያዊ መራሒ፡ ትማሊ ነቲ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ መብርሂ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ "ዘለና ግዜ ሓጺር" እዩ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኣብቲ ዘቕረቦ ጸብጻብ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ኣብ ዝሓጸረ እዋን እንተዘይተፈቲሑ 'ከበድቲ ሰብኣዊ ሳዕቤናት' ከምጽእ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣመሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ቅልውላው ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ዘሎ ዕድል ጸቢብ ምዃኑ ገሊጾም።
ፍሉይ ልኡክ ኣመሪካ ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ሰብ መዚ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዝርራብ ተመሊሱ ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።
ንሱ ምስ ሰብ መዚ መንግስቲ ፌደራልን ክልላዊ ሓለፍትን ንምዝርራብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ገይሩ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር 2020 ክጅምር እንከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ እዚ ዓመት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝልሓመ ይፍለጥ።
ብሰንኪ እዚ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣስታት ሸውዓተ ሚሊየን ህዝቢ ሰለስቲአን ክልላት ንህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ተቓዒሉ ከም ዝርከብ ጸብጻባት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።
ኣብ ትግራይ ጥራይ፡ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ቑጽሮም ዘይተፈልጠ ኣማኢት ኣሽሓት ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ተጻብኦታት ጠጠው ከብሉን ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዘኽእል መገዲ ብዘይተገደበ መልክዑ ክኸፍቱን ጻውዒት ይቐርበሎም ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







