ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ብሪጣንያውያን ካብ ኢትዮጵያ ክወጽኡ ተነጊሩዎም

ኢትዮጵያውን መበል ሓደ ዓመት ምጅማር እቲ ኵናት ኣብ ዝዘከርሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኢትዮጵያውን መበል ሓደ ዓመት ምጅማር እቲ ኵናት ኣብ ዝዘከርሉ

ዜጋታት ብሪጣንያ ብሰንኪ እቲ ካብ ትግራይ ተበጊሱ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ዘሎ ኵናት፡ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽኡ ተነጊርዎም።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዜጋታቱ ናብ ኢትዮጵያ ከይገሹ'ውን ኣጠንቁቑ ኣሎ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እቲ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ኵናት፡ ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ክጋደድ ከም ዝኽእል ብምስጋእ'ዩ ንዜጋታቱ ዘጠንቅቕ ዘሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክንደይ ብሪጣንያውያን ከም ዘለዉ'ኳ እንተዘይተሓበረ፡ ሰብ መዚ ዓባይ ብሪጣንያ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ኣማኢት ብሪጣንያውያን ክህልዉ ከም ዝኽእሉ'ዮም ግምት ሒዞም ዘለዉ።

ነቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌዴራልን ዝጀመረ ኵናት ዓመት ኣብ ዘቑጸረሉ፡ ዝርገሕኡ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ይርከብ።

ክሳብ ሕጂ ነቲ ግጭት ንምዕራፍ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት'ኳ ይግበር እንተሎ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ግን ናብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሑ ኣይክኣሉን ዘለዉ።

ኢትዮጵያውን መበል ሓደ ዓመት ምጅማር እቲ ኵናት ኣብ ዝዘከርሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሓይልታት ትግራይ ነታ ኣብ 28 ሕዳር 2020 ብሓይሊ ዝገደፍዋ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ፡ 28 ሰነ 2021 ተመሊሶም ምስ ሓዝዋ፡ ነቲ ኵናት ላዕለዋይ ኢድ ብምሓዝ'ዮም ዝቅልስዎ ዘለዉ።

ናብ ውሽጢ ክልል ኣምሓራ ብምእታው ዓበይቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምሓዞም ከኣ ንኣዲስ ኣበባ ክሕዝዋ ይግስግሱ ዘለዉ ምዃኖም'ዮም ዝንገር።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ኮመንዌልዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝምጽእ መዓልታት ዜጋታት ካብ ኢትዮጵያ ምውጻእ ክኽብድ ከም ዝኽእል ብምሕባር፡ ዜጋታት ዓባይ ብርጣንያ "ንግዳውያን ነፍርቲ ኣብ ንጡፍ በረራታት እንከለዋ" ካብ ኢትዮጵያ ክወጽኡ ተማሕጺኑ።

ሰብ መዝን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኢትዮጵያውን መበል ሓደ ዓመት ምጅማር እቲ ኵናት ዘኪሮም

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሰብ መዝን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኢትዮጵያውን መበል ሓደ ዓመት ምጅማር እቲ ኵናት ዘኪሮም

ብምስዓብ "ፖለቲካውን ጸጥታውን ነገራት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ እንተበጺሑ፡ ኤምባሲ ብሪጣንያ ኣባላቱ ብምጉዳል ውሑድ ደገፋት ጥራይ እዩ ክገብር ዝኽእል። ኣብ እዋን ሓደጋ ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ክትወጽኡ ከይተጸበኹም ሕጂ ክትወጽኡ ንምሕጸን" ኢሉ።

እቲ መግለጺ ብምስዓብ፡ ብዘይካ ብዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝግበር በረራታት ዝኾነ ብሪጣንያዊ ናብ ካልእ ክፋል ኢትዮጵያ ከይገይሽ'ውን ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት'ውን እቲ ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኵናት ደው እንተዘይኢሉን ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ እንተቀጺሉን ኢትዮጵያ ናብ ሓደገኛ ኩነታት ከተምርሕ ከም እትኽእል ኣጠንቁቑ።