ቅልውላዉ ኢትዮጵያ፡ ብውሕዱ 9 ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ባንዴራ ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, EPA

ብውሕዱ 9 ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣባላት ስድራቤቶም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ሰብመዚ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰራሕተኛታት ከምዝበጽሕዎምን፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ክፈትሖም ከምዝጸውዑን ኣፈኛ እቲ ትካል ካብ ኒውዮርክ ንሮይተርስ ገሊጹ።

ብወገን ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ዝተዋህበ መግለጺ የለን። ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝተሓተ ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን ዛጊት ግብረመልሲ ከምዘይሃበ ተፈሊጡ።

እቶም ሰራሕተኛታትን ቤተሰቦምን ስለምንታይ ከምዝተኣስሩ ብንጹር ከምዘይተፈልጠ ኣገልግሎት ዜና ኤኤ-ኤፍ-ፒ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተወለድቲ ትግራይ ይኣስሩ ከምዘለዉ ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ይኸሱ። ሰብመዚ መንግስቲ ግን፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ርክብ ንዘለዎም ጥራይ ዒላማ ከምዝገብሩ'ዮም ዝዛረቡ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ 8 ላዕለዎት ሓለፍቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ምስ ህወሓት ይውግኑ'ዮም ብዝብል ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዝተገደዱ ይዝከር።

ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ እቲ ምውጋን ከምዝነበረ ንዝተዛረባ ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ካብ ስርሐን ብምእጋድ ካብ ኢትዮጵያ ክወጻ ኣገዲድወን ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።

ሰብመዚ ኢትዮጵያ ንትካላትን ሰራሕተኛታትን ክነቕፉ ጸኒሐም'ዮም።

እቲ ውድብ ግን ዘይሻራዊ ምዃኑን ናይ ዝኾነ ጸግዒ ከምዘይወስድ ብምግላጽ ነቲ ክስታት ይነጽጎ።

እንተኾነ ግና: ትካላት ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት፡ ናብቲ ህጹጽ ሓገዝ ዝጽበ ዘሎ ኣብ ዞባ ኲናት ዝርከብ ህዝቢ ህጹጽ ረዲኤት ከየብጽሑ መንግስቲ ዕንቅፋታት ክፈጥረሎም ምጽንሑ ከማርሩ'ዮም ጸኒሖም።

እዚ ናይ ሎሚ ስጉምቲ ድማ፡ ነቲ እናሓርፈፈ ክኸይድ ዝጸንሐ ዝምድና ዘግድድ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ።