ኢትዮጵያ፡ ፌስቡክን ቴለግራምን ዝርከብዎም ማሕበራዊ ሚድያታት ተቛሪጾም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢትዮጵያ ሕቶታት ሃገራዊ ፈተና ኣብ ማሕበራዊ ሚዲኣ ተወዚዖም ሰባት ይቀባበልዎም ምንባሮም ዝገልጽ ሓበሬታ ድሕሪ ምዝርግሑ ፌስቡክ፣ ዋትስኣፕን ኢንስታግራምን ኣገልግሎቶም ተቋሪጹ።
ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝከታተል ኔትብሎክስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 8 ሕዳር 2021 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ፌስቡክን ናይ ፌስቡክ ሜሴንጀርን ኣገልግሎት ከም ዝተቋረጸ ገሊጹ።
ብዘይካ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኢንተርነትት ኣገልግሎት ዝህብ ሰርቨር ኢትዮ-ቴሌኮም'ውን ናይ ዋትስኣፕን ናይ ቴለግራምን ኣገልግሎት ደው ከም ዝብል ገይሩ ኣሎ።
ቢቢሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ካብ ዝረኸቦ ሓበሬታ'ውን ፌስቡክ፣ ቴሌግራም፣ ሜሴንጀርን ዋትስኣፕን ብቐጥታ ክጥቀሙ ከም ዘይክኣሉን ብቪፒኤን ይጠቀሙ ምህላዎምን ክፈልጥ ክኢሉ።።
ቅድሚ ሕጂ ሃገራዊ ፈተናን ናብ ካልኣይ ብርኪ ትምህርትን ዘእትው ፈተናታት ኣብ ዝወሃበሉ እዋን ምቅድዳሕ ንከይህሉ ተባሂሉ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ሚድያታት ዝተዓጽወሉ ኣጋጣሚታት ነይሩ እዩ።
ትማሊ ድማ ሃገራዊ ፈተና ክወሃብ ጀሚሩ ኣሎ።
ገለ ተቃወምቲ ናይ መንግስቲ ኸኣ እዚ እዩ እቲ ሕቶታትን እቲ መልስን ኢሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያተት ወረቃቕቲ ዘርጊሖም በዙሕ ሰብ ክቀባበሎ ተራእዩ።
እንተኾነ ሚኒስተሪ ትምህርቲ እታ ሃገር፡ ካብዚ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ዝውሃብ ዘሎ ፈተናታት ዝኾነ ዝወጽአ ወረቐት ከም ዘየለ ብምሕባር እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ዘሎ ወረቐት ስኑዕ ምዃኑ ሓቢሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







