ዲጂታላዊ ባጤራ፡ ምሩጽ ከንቲባ ኒውዮርክ መሃይኡ ብቢትኮይን ክኽፈሎ ጠሊቡ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሓድሽ ምሩጽ ከንቲባ ኒውዮርክ ኤሪክ ኣዳምስ፡ ናይ መጀመርታ ናይ ሰለስተ ወርሒ መሃይኡ ብዲጂታላዊ ባጤራ ቢትኮይን ክኽፈሎ ከምዝደልይ ኣፍሊጡ።
እቲ ቅድሚ ሕዚ ኣዛዚ ፖሊስ ዝነበረን ኣባል ውድብ ዲሞክራትስን ኤሪክ ኣዳምስ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሉስ’ዩ ካልኣይ ፀሊም ከንቲባ ከተማ ኒውርዮክ ኮይኑ ተመሪፁ።
ኣብ ዝመፅእ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ 2022 ድማ፡ ኣብዚ እዋን ንኒውዮርክ ከንቲባ ኮይኑ የገልግል ካብ ዘሎ ቢል ዴ ብላሲኦን መዝነቱ ክቕበል እዩ።
ቢትኮይን ከም ናይ ወረቐት ገንዘብ (ባጤራ) ብባንክታት ዘይኮነስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብዝተኣሳሰሩ ኮምፒዩተራት ቁፅፅር ዝግበረሉን ኣብ ኢንተርኔት ዝሰፍርን ዘይድህሰስን ገንዘብ እዩ።
ኤሪክ ኣዳምስ፡ መሃይኡ ብቢትኮይን ክኽፈሎ ዝጠለበሉ ምኽንያት፡ ኒውዮርክ “ማእኸል ኢንዳስትሪ ክሪፕቶካረንሲ” ንምግባር ካብ ዘለዎ ትልሚ ዘንቀደ ምዃኑ፡ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ገሊፁ።
ካብ ኤሪክ ኣዳምስ ወፃኢ፡ ከንቲባ ከተማ ሚያሚ ፍራንሲስ ሱዋሬዝ ’ውን፡ ዳግማይ ብከንቲባነት እንክምረፅ፡ ፈላማይ መሃይኡ ብቢትኮይን ክኽፈሎ፡ ብመገዲ ትዊተር ሓቲቱ’ዩ።
እዚ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ክሪፕቶካረንሲ ቢትኮይን ኣብ 2009 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተምሃዘ ኮይኑ፡ ዋግኡ ካብ እዋን ናብ እዋን ኣዝዩ ይውስኽ ኣሎ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







