ዲጂታላዊ ባጤራ፡ ምሩጽ ከንቲባ ኒውዮርክ መሃይኡ ብቢትኮይን ክኽፈሎ ጠሊቡ

ኤሪክ ኣዳምስ 24 ሰነ 2021

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሓድሽ ምሩጽ ከንቲባ ኒውዮርክ ኤሪክ ኣዳምስ፡ ናይ መጀመርታ ናይ ሰለስተ ወርሒ መሃይኡ ብዲጂታላዊ ባጤራ ቢትኮይን ክኽፈሎ ከምዝደልይ ኣፍሊጡ።

እቲ ቅድሚ ሕዚ ኣዛዚ ፖሊስ ዝነበረን ኣባል ውድብ ዲሞክራትስን ኤሪክ ኣዳምስ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሉስ’ዩ ካልኣይ ፀሊም ከንቲባ ከተማ ኒውርዮክ ኮይኑ ተመሪፁ።

ኣብ ዝመፅእ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ 2022 ድማ፡ ኣብዚ እዋን ንኒውዮርክ ከንቲባ ኮይኑ የገልግል ካብ ዘሎ ቢል ዴ ብላሲኦን መዝነቱ ክቕበል እዩ።

ቢትኮይን ከም ናይ ወረቐት ገንዘብ (ባጤራ) ብባንክታት ዘይኮነስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብዝተኣሳሰሩ ኮምፒዩተራት ቁፅፅር ዝግበረሉን ኣብ ኢንተርኔት ዝሰፍርን ዘይድህሰስን ገንዘብ እዩ።

ኤሪክ ኣዳምስ፡ መሃይኡ ብቢትኮይን ክኽፈሎ ዝጠለበሉ ምኽንያት፡ ኒውዮርክ “ማእኸል ኢንዳስትሪ ክሪፕቶካረንሲ” ንምግባር ካብ ዘለዎ ትልሚ ዘንቀደ ምዃኑ፡ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ገሊፁ።

ካብ ኤሪክ ኣዳምስ ወፃኢ፡ ከንቲባ ከተማ ሚያሚ ፍራንሲስ ሱዋሬዝ ’ውን፡ ዳግማይ ብከንቲባነት እንክምረፅ፡ ፈላማይ መሃይኡ ብቢትኮይን ክኽፈሎ፡ ብመገዲ ትዊተር ሓቲቱ’ዩ።

እዚ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ክሪፕቶካረንሲ ቢትኮይን ኣብ 2009 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተምሃዘ ኮይኑ፡ ዋግኡ ካብ እዋን ናብ እዋን ኣዝዩ ይውስኽ ኣሎ።

መግለጺ ቪድዮ, 'ክሪፕቶካረንሲ' ኣዘራራቢ ዲጂታላዊ ባጤራ።