ቻይና ባንክታት ዲጂታላዊ ባጤራ ምጥቃም ደው ከብላ ኣዚዛ

ክሪፕቶራከንሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቻይና ኣብ ዲጂታላዊ ባጤራ ክሪፕቶካረንሲ ዝነበራ ጥቡቕ ቁጽጽር ብምቕጻል ባንኪታትን ናይ ክፍሊት ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላትን ብዲጂታላዊ ባጤራ ዝግበር ንግዲ ከየሳልጡ ኣዚዛ።

ቻይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ግዝኣት ሲችዋን ስራሕቲ ቢትኮይን ክእገድ ምስ ተወሰነ እዩ ነዚ ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ።

ዋጋ ቢትኮይን ብሶኒ ብ10 ምኢታዊት ወሪዱ ዝነበረ ኮይኑ፡ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዕዳጋ ኤስያ ተመዓራሪዩ ኣሎ።

ዋጋ ክሪፕቶካረንሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ በጺሕዎ ካብ ዝነበረ ዝለዓለ ዋጋ 63 ሽሕ ዶላር ብፍርቂ ጎዲሉ እዩ።

ትማሊ ሰኑይ ሃገራዊ ባንኪ ቻይና፡ ኣብ ቀረባ ንብዙሓት ባንኪታትን ትካላት ክፍሊትን ጸዊዑ ብክሪፕቶካረንሲ ኣብ ዝግበር ንግዲ ጥንኩር ስጉምቲ ክወስዳ ከም ዝገለጸለን ሓቢሩ፡፡

ባንኪታት ብክሪፕቶካረንሲ ንዝግበር ምትዕድዳግ ፍርያት ወይ ከም ንግዲ፣ ምውርራድ ሒሳብን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታትን ከይህባ ከም ዝኣዘዘ እውን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ካብ ዓበይቲ ኣለቃሕቲ ባንኪታት ቻይና ዝኾነ ባንኪ ሕርሻ ቻይና፡ መምርሒ እቲ ማእከላይ ባንኪ ተኸቲሉ ክሪፕቶካረንሲ ተጠቒምካ ዝግበሩ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ንግዲ ንምቁጽጻር ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ፡፡

‘ቻይና ፖስታል ሴቪንግስ’ ዝተባህለ ባንኪ፡ ብክሪፕቶካረንሲ ኣቢሎም ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ከም ዘየሳልጥ ዝሓበረ ካልእ ባንኪ እዩ፡፡

ኣገልገሎት ክፍሊት ሞባይልን ኢንተርነትን ዝህብ ቻይናዊ ትካል ኣሊፐይ ብተመሳሳሊ፡ ብክሪፕቶካረንሲ ዝግበሩ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ዝቆጻጸር ስርዓት ከም ዝዝርግሕ ኣፍሊጡ፡፡

ሰበስልጣን ግዝኣት ሲችዋን ብዓርቢ ስራሕቲ ቢትኮይን ክዕጾ ምእዛዞም ስዒቡ እዩ እዞም ለውጢታት ተፈጢሮም ዘለዉ፡፡

ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 65 ሚኢታዊት ጠቕላላ ፍርያት ቢትኮይን ሸፊና ዝነበረት ኮይና፡ ግዝኣት ሲችዋን ድማ ካብ ዓለም መበል ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ምንባራ መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ የመልክት፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቤት ምኽሪ ቻይና፡ ኣካል እቲ ዝሓዞ ፋይናንሳዊ ሓደጋታት ናይ ምቁጽጻር ወፍሪ፡ ዕደናን ንግድን ክሪፕቶካረንሲ ደው ከም ዘብሎ ገሊጹ ነይሩ፡፡

ገለ ተንተንቲ ዋጋ ቢትኮይን ብቐጻሊ ክንኪ ከም ዝኽእል እዮም ዘጠንቅቑ፡፡

ብሰንኪ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ዓለም ኣብ ልዕሊ ዲጂታላዊ ባጤራ ዝግበር ዘሎ ጥቡቕ ቁጽጽር፡ ኣውፈርቲ ይሰግኡ ብምህላዎም ዋጋ ካልኦት ዲጂታላዊ ባጤራታት እውን ይጎድል ኣሎ።

ብካልእ ዜና፡ ሶዘባይስ ዝተባህለ ኣጫራቲ ትካል ኣስታት 15 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኣብ ቀጻሊ ወርሒ ንጨረታ ኣብ ዘቕርቦ ኣልማዝ ብክሪፕቶካረንሲ ምጭራት ከም ዝከኣል ኣፍሊጡ።

ክንድ'ዚ መጠን ዘለዋ ኣልማዝ ብዲጂታላዊ ባጠራ ናብ ህዝባዊ ጨረታ ክቐርብ ንፈለማ እዋን እዩ።