ዋጋ ሓደ ቢትኮይን ንፈለማ ግዘ 60 ሽሕ ዶላር ኣትዩ

ቢትኮይን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዋጋ ሓደ ቢትኮይን፡ ንፈለማ ግዘ 60 ሽሕ ዳላር ብምእታው ክብረወሰን ሒዙ።

ክሪፕቶካረንሲ ቢትኮይን፡ ካብ መወዳእታ ዓመት 2020 ጀሚሩ እዩ፡ ዋግኡ እናዛየደ ዝመፅእ ዘሎ።

ብዙሓት ዓበይቲ ትካላት ነዚ ዘይድህሰስ መተዓዳደጊ ገንዘብ ከምዝቕበልኦ ምግላፀን ድማ፡ ዋጋ ቢትኮይን ክውንጨፍ ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ገለ ተንተንቲ ግና፡ ኣብዚ ሰሙን መንግስቲ ኣሜሪካ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንዝተሃሰዩ ሰባት ምድጓሙ ስዒቡ ዋጋ ቢትኮይን ከምዝኸበረ ይገልፁ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ጠቕላላ ዋጋ ቢትኮይን ልዕሊ ሓደ ትሪልየን ኮይኑ እዩ።

ይኹን’ምበር፡ ኣብ 2009 ኣቆፃፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተምሃዘ ቢትኮይን፡ ዋግኡ ሓንሳብ ሰማይ ክዓርግ ካልእ እዋን ድማ ክሓስርን እዩ ተራእዩ።

ካብ ቀረባ ግዘ ንነዘ ይረኣይ ዘሎ ምኽባር ዋጋ ቢትኮይን፡ ምስ ዓበይቲ ትካላት ዝዛመድ እዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ወናኒ ትካል ተስላ (ብኤሌክትሪክ ዝንቀሳቐሳ መካይን ዘፍርይ) ኤሎን ማስክ፡ 1 ነጥቢ 5 ቢልየን ዘውፅእ ቢትኮይን ከምዝዓደገ ብወግዒ ምግላፁ ይዝከር።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ እዚ ቢልየነር፡ ትካሉ ተስላ፡ ቢትኮይን ከም ናይ ወረቐት ባጤራ ንመተዓዳደጊ ከምዘውዕሎ ኣፍሊጡ ኔሩ።

ቢትኮይን እንታይ'ዩ?

ቢትኮይን ማለት ብቕልል ዝበለ ቋንቋ፡ ዲጂታል + ባጤራ + ትውጊት ኢልና ክንገልፆ ንኽእል።

ቢትኮይን ፍሉይ ዝገብሮ ከምቲ ኣብ ጁባና ሒዝናዮ እንኸይድ ባጤራ (ቅርሺ) ዘይኮነስ፡ ኣብ መርበብ ኢንተርነት (ኦንላይን) ዝቕመጥ ገንዘብ'ዩ።

እቲ ካልእ ንቢትኮይን ሓዊስካ ኩሎም ክሪፕቶካረንሲታት ፍሉይ ዝገብሮም ብመንግስትን ማእከላይ ባንክታትን ዘይምእኸሉን ቀጥታዊ ምቁፅፃር ዘይግበረሎም ምዃኖም'ዩ።

ንኣብነት፡ ቢትኮይን ብሓደ 'ማይኒንግ' ተባሂሉ ዝጽውዕ ኣገባብ ዝፍጠር ኮይኑ፡ ብመርበብ ዝተኣሳሰሩ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ኮምፒተራት ይቆፃፀርዎ።

እቶም ንቢትኮይን ክሪፕቶካረንሲ ዝፈጠሩ ሰባት ኣብ ምሉእ ዓለም 21 ሚልዮን ቢትኮይናት ክፍጠሩ ገደብ ከም ዘንበሩ ይእመን።

እቲ ኮምፒተራትን ፕሮግራማቱን ብምፍራይን ምሻጥን ዝፍለጥ ኩባንያ ማይክሮሶፍት፡ ቤት ብልዒታት ከይ ኤፍ ሲን ሳብወይን፡ ከምኡው'ን ከም በዓል ወኪል ጉዕዞ ኤክስፐዲያ ዝበሉ ናይ ሚልዮናት ዕድጊት ዝፍጽሙ ዓበይቲ ኩባንያታትን ከም ሆቴላት ዝበሉ ናኣሽቱ ትካላትን ቢትኮይን ይቕበሉ።

ብቢትኮይን ዕድጊት ክፍፀም እንከሎ፡ መንነት ናይቲ ዓዳጋይ ስቱር ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ስለዚ፡ ብመርበብ ኢንተርነት መንነቶም ከይተቓልዐ ዝደለይዎ ኣቕሓን ኣገልግሎትን ክዕድጉን ክረኽቡን ስለዘኽእሎም፡ ቢትኮይን ተመራጺ ይገብሮ፡ በዚ ድማ ቁፅሪ ተጠቀምቲ ክውስኽ ክኢሉ'ሎ።

በቲ ንቡር ናይ ባንክ ሕሳባት ገንዘብ ምስግጋር፡ መንነትካን ኣድራሻኻን ብቐሊሉ ክቃላዕ ስለዘገድድ፡ ንቢትኮይን ተመራፂ ይገብሮ ማለት'ዩ።

እንተኾነ፡ ሰባት መንነቶም ከይተቓልዐ ብስቱር ዘድልዮም ክሽምቱ ዘኽእል ስለዝኾነ፡ ንገበነኛታት ናፃ ዕድል ዝኸፍት'ዩ ዝብል ስክፍታ'ሎ።

ብመገዲ ቢትኮይን ይኹን ካልኦት ክሪፕቶካረንሲታት፡ ዘይሕጋዊ ኣፅዋር ይኹን ኣደንዘዝቲ ዕፀ ፋርሳት ምዕዳግን ምሻጥን ይካኣል'ዩ።

ብተመሳሳሊ፡ ዘይጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ክፍፀም ይኽእል። እቲ ዝኸፍአ ድማ ግብረ ራዕዳያን ክጥቀምሉ ስለዝኽእሉ ሓደገኛ'ዩ ዝብሉ ወገናት ውሑዳት ኣይኮኑን።